ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ንምዃን ዝገበርናዮ ቓልሲ

ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ንምዃን ዝገበርናዮ ቓልሲ

ታሪኽ ህይወት

ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ንምዃን ዝገበርናዮ ቓልሲ

ሮልፍ ብሩገማየር ዘዘንተዎ

ድሕሪ ምእሳረይ እተቐበልክዋ ናይ መጀመርታ ደብዳበ: ሓደ ዓርከይ ዝሰደዳ ነበረት። ኣደይን እቶም ፒተርን ዮኸንን ማንፍሬድን ዝስሞም ኣሕዋተይን ከም እተኣስሩ ድማ ነገረኒ። እዚ ኸኣ ነተን ክልተ ንኣሽቱ ኣሓተይ ብዘይ ወለድን ኣሕዋትን ከም ዚተርፋ ገበረን። ሰበ-ስልጣን ምብራቕ ጀርመን ንስድራቤትና መስጐጕቲ ዘውረዱላ ስለምንታይ እዮም፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ንኽንከውን ዝሓገዘናኸ እንታይ እዩ፧

ካልኣይ ውግእ ዓለም ነቲ ሰላማዊ ቝልዕነትና ስለ ዝዘረጎ: ንጭካነ እቲ ውግእ ብዓይንና ኢና ርኢናዮ። ኣቦና ምስ ሰራዊት ጀርመን ተሰለፈ: ተማሪኹ ኸሎ ኸኣ ሞተ። ስለዚ: እታ በርታ ዝስማ ኣዴና ነቶም ካብ ሓደ ዓመት ጀሚርካ ኽሳዕ 16 ዓመት ዝዕድሜና ዝነበርና ሽዱሽተ ውሉዳት ከተዕቢ ነበራ።

ኣደይ ብሰንኪ እቲ እትኸዶ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን: ሃይማኖት ዚበሃል ጸልአት፣ ብሰሪ እዚ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትሰምዕ ኣይትደልን ነበረት። ብ1949 ሓደ መዓልቲ ግን ኢልዘ ፉክስ ዝስማ ቝንጽብቲ መስተውዓሊት ሰበይቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግረና ናብ ገዛና መጸት። እቲ ዘቕረበቶ ሕቶን ዝሃበቶ ርትዕን ድማ ንተገዳስነት ኣደይ ኣለዓዓሎ። ኣደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባራ ተስፋ ረኸበት።

እቶም ኣወዳት ዘበልና ግን ኣብ መጀመርታ ተጠራጢርና ነበርና። ኣባላት ናዚ ብድሕሪኡ ድማ ኮምዩኒስት ዜደንቕ መብጽዓታት ኣተዉ: እዚ ዅሉ ግን ጓሂ ጥራይ እዩ ኣምጺኡልና። ዋላኳ ሓድሽ መብጽዓ የጠራጥረና እንተ ነበረ: ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ውግእ ብዘይ ምድጋፎም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ኸም እተኣስሩ ምስ ፈለጥና ግን ኣዝዩ ሰሓበና። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ድማ ኣነን ኣደይን ፒተርን ተጠመቕና።

እቲ ምንኣስና ዝነበረ ማንፍሬድ እውን ተጠምቀ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ግን ኣብ ልቡ ሱር ኣይሰደደን ነይሩ። ብ1950 ኮምዩኒስት ነቲ ዕዮና ኣብ ዝኣገዱሉ እዋን: እቶም ዕሉላት ዝነበሩ ሽታዚ ዚበሃሉ ናይ ጸጥታ ፖሊስ ንማንፍሬድ ጸቕጢ ገበሩሉ፣ ንሱ ድማ ኣበይ ከም እንእከብ ነገሮም። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣደይን ኣሕዋተይን ተኣሲሮም።

ኣብ ትሕቲ እገዳ ምግልጋል

ብሰንኪ እቲ እገዳ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ናብ ምብራቕ ጀርመን ብሕቡእ ነምጽእ ነበርና። ኣነ ድማ ካብቲ ጽሑፋትና ዘይተኣገደሉ ምዕራባዊ ኽፋል በርሊን ጽሑፍ ወሲደ ናብ ስግር ዶብ አብጽሕ ነበርኩ። ካብ ሓደ እዋን ንላዕሊ ኻብ ፖሊስ ኣምለጥኩ: ኣብ ሕዳር 1950 ግን ተተሓዝኩ።

እቶም ሽታዚ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ እትርከብ መስኰት ዘይብላ ኽፍሊ ኣእተውኒ። ኣብ መዓልቲ ኽድቅስ ኣይፍቀደለይን እዩ ነይሩ: ምሸት ድማ እሕተት ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ እቕጥቀጥ ነበርኩ። ክሳዕ ኣብ መጋቢት 1951 ምስ ኣደይን ፒተርን ዮኸንን ኣብ ቤት ፍርዲ እንራኸብ: ምስ ቤተሰበይ ርክብ ኣይነበረንን። ንሽዱሽተ ዓመት ክእሰር ድማ ተፈረድኩ።

ፒተርን ዮኸንን ኣደይን እውን ኣነ ምስ ተፈረድኩ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ተኣስሩ። ብድሕርዚ: ሓንቲ ኣማኒት ዝዀነት ብጸይትና ነታ ጓል 11 ዓመት ዝነበረት ሃነሎር ዝስማ ሓብተይ ትኣልያ ነበረት፣ ኣሞይ ድማ ነታ ሳቢን ዝስማ ጓል 7 ዓመት ትከናኸና ነበረት። እቶም ሓለውቲ ንኣደይን ኣሕዋተይን ከም ሓደገኛታት ዓመጽቲ ገይሮም ይርእይዎም ብምንባሮም: መእሰር ጫማኦም እኳ ኸይተረፈ ወስዱሎም። መርመራ ኺግበረሎም ከሎ ኸኣ ደው ኪብሉ ነበሮም። ሽዱሽተ ዓመት ድማ ተፈርዶም።

ብ1953 ኣነን ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሱራትን: ወተሃደራዊ መዓልቦ ነፈርቲ ንኽንሃንጽ ተመደብና፣ ንሕና ግን ምስራሕ ኣበና። እቶም ሰበ-ስልጣን ድማ ን21 መዓልትታት ንበይንና ኸም እንእሰር ብምግባር ቀጽዑና: እዚ ኸኣ ብዘይ ስራሕን ብዘይ ደብዳበን ዘይረብሕ ምግቢ እናተዋህበና ማለት እዩ። ገሊአን ክርስትያን ኣሓትና ግን ካብቲ ናተን ውሑድ መቝነን ብምትራፍ ኣስሊዀን ይህባና ነበራ። እዚ ድማ ነታ ኻብ መንጎአን ዝነበረት ኣኒ ንኽፋለጣ መገዲ ኸፈተለይ: ኣነን ንሳን ብ1956 ከምኡውን ብ1957 ምስ ተፈታሕና ተመርዓኽዋ። ድሕሪ መርዓና ሓደ ዓመት ጸኒሑ እታ ሩት ዝስማ ጓልና ተወልደት። ፒተርን ዮኸንን ሃነሎርን ድማ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ተመርዓዉ።

ካብ ዝፍታሕ ዳርጋ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ ኸም ብሓድሽ ተኣሰርኩ። ሓደ ናይ ሽታዚ መኰነን: ሰላዪ ንክኸውን ኬእምነኒ ጸዓረ። ከምዚ ድማ በለኒ:- “ሚስተር ብሩገማየር: በጃኻ ርትዓዊ ኹን። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምዃን እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ትፈልጦ ኢኻ: ከም ብሓድሽ ናብኡ ኽትከይድ ድማ ኣይንደልን ኢና። ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውንን መጽናዕትኻ ኽትቅጽልን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ድላይካ ኽትዛረብን ትኽእል ኢኻ። እዋናዊ ሓበሬታ ኽትህበና ጥራይ ኢና ደሊና። ንሰበይትኻን ነታ ንእሽቶ ጓልካን ድማ ሕሰበለን።” እታ ኣብ መወዳእታ ዝበላ ነገር ኣዝያ ኣሕረቐትኒ። ይኹን እምበር: ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለኹ የሆዋ ንስድራቤተይ ከም ዝሓልየሎም እፈልጥ ነበርኩ፣ ሓልዩለን ድማ እዩ!

እቶም ሰበ-ስልጣን ምእንቲ ሰባት ንኣኒ ኣብ መንጎ ሰሙን ኪከታተልዋ ኢሎም ምሉእ ግዜ ኽትሰርሕ ኬገድድዋ ፈተኑ። ንሳ ግን ኣበየት: ንሩት ብመዓልቲ ንኽትኣልያ ኢላ ለይቲ እያ ትሰርሕ ነይራ። መንፈሳውያን ኣሕዋትና ሓለይቲ ስለ ዝነበሩ: ንሰበይተይ ብዙሕ ነገራት ሃብዋ፣ ካብ ምብዝሑ እተላዕለ ድማ ንሳውን ንኻልኦት ተካፍሎም ነበረት። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሽዱሽተ ዓመት ተኣሰርኩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብኸመይ እምነትና ኸም ዝሓለና

ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተመለስኩ: እቶም መተኣስርተይ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቀረባ እዋን እንታይ ሓድሽ ነገር ከም እተሓትመ ኺፈልጡ ተሃንጥዮም ነበሩ። ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብዚግባእ ብምጽንዐይ ከምኡውን ኣብ ኣኼባ ወትሩ ብምክፋለይ ሕጉስ እየ፣ ከመይሲ: ንዕኦም ምንጪ መንፈሳዊ ምትብባዕ ክዀኖም ከኣልኩ!

ነቶም ሓለውቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺህቡና ምስ ሓተትናዮም: “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ምሃብ ማለት: ልክዕ ንሓደ እተኣስረ ሰብ ንኼምልጥ ናውቲ ኸም ምሃብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ” ኢሎም መለሱልና። እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት: መዓልቲ መዓልቲ እንሓስበላ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርጹ ነበሩ። ኣብቲ ንፍርቂ ሰዓት ኣብቲ ቐጽሪ እንገብሮ ዝነበርና ዙረት: እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰና ዝነበረ ነገር ምንቅስቓስናን ኣየር ምውሳድናን ዘይኰነስ: ካብታ ናይታ ዕለት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሚ ምርካብና እዩ ነይሩ። ዋላኳ ኣብ መንጎና ናይ 4.5 ሜተር ራሕቂ ኺህሉ እንተ ነበሮን ንሓድሕድና ኽንዘራረብ እንተ ዘይተፈቕደልናን: ነታ ጥቕሲ ኻብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ እነመሓላልፈሉ መገዲ ንረክብ ነበርና። ናብ ክፍልና ምስ ተመለስና: ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪሰምዖ ዝኸኣለ ንሓስበሉ ነበርና፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዕለታዊ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር።

ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ ሰላዪ ኣቃልዓና: ንዓይ ድማ ኣብ ሓደ ጽሙው ቤት ማሕቡስ ኣእተውኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብኣማእታት ዚቝጸር ጥቕሲ ኣብ ኣእምሮይ ሒዘ ብምንባረይ ክሳዕ ክንደይ ኰን እየ ተሓጕሰ! ነተን ናይ ጽምዋ መዓልትታት ብዛዕባ እተፈላለየ ርእሰ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ብምስትንታን ኣሕለፍክወን። ብድሕሪኡ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ተቐየርኩ: ኣብኡ ድማ እቲ ሓላዊ ምስ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣእተወኒ፣ እቲ ዜሐጕስ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሃበና። ንሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ጽሙው ቤት ማሕቡስ ምስ ኣሕለፍኩ: ከም ብሓድሽ ምስ ኣመንቲ ብጾተይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክመያየጥ ምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ!

ፒተር ሓወይ ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ንኺጸንዕ እንታይ ከም ዝሓገዞ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዚህልወና ህይወት እሓስብ: ንኣእምሮይ ድማ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ከም ዚተሓዝ እገብሮ ነበርኩ። እቶም ኣብኡ ዝነበርና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶ ብምትሕትታት ንሓድሕድና ንበራታዕ ነበርና። ህይወት ቀሊል ኣይነበረን። ሓድሓደ ግዜ 11 እንኸውን ሰባት ኣብ ሓንቲ 12 ትርብዒት ሜተር እትኸውን ክፍሊ ይዓጽዉና ነበሩ። ኣብኡ ድማ ኵሉ ነገራት ንገብር: ማለት ኣብኡ ንበልዕ: ኣብኡ ንድቅስ: ኣብኡ ንሕጸብ: ኣብኡ እውን ደገ ንወጽእ ነበርና። እዚ ድማ ንጠባይና ኸም ዚረቅቕ ገበሮ።”

ዮኸን ሓወይ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ኸምዚ በለ:- “ነቲ ኻብ መጽሓፍ መዝሙር ዝዝክሮ መዝሙራት እዝምር ነበርኩ። መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ዝዝክሮ ጥቕስታት አስተንትን ነይረ። ምስ ተፈታሕኩ እውን ነቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ቀጸልክዎ። መዓልታዊ ምስ ስድራቤተይ ኰይነ ነታ ዕለታዊት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ። ንዅሉ ኣኼባታት ድማ ኣቐዲምና ንዳለወሉ።”

ኣደይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሐት

ኣደይ ካብ እትእሰር ድሕሪ ኽልተ ዓመት ተፈትሐት። ነቲ ዝረኸበቶ ናጽነት ድማ ምስ ሃነሎርን ሳቢንን መጽናዕቲ ንምግባር ከምኡውን ኣብ ሓቂ ድልዱል መሰረት ንኺህልወን ንምሕጋዝ ተጠቐመትሉ። ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምኽንያት ኣብ ኣምላኽ ዘለወን እምነት ዚመጸን ጕዳያት ብኸመይ ከም ዚሕዛኦ እውን መሃረተን። ሃነሎር “ኣብ ገዛና ንሓድሕድና ንበራታዕ ስለ ዝነበርና: ነቲ ዚመጽእ ሳዕቤን ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይንህቦን ኢና ኔርና። እቲ ድልዱል ርክብ ቤተሰብና ነቲ ዚበጽሓና ጸገማት የከሓሕሶ ነበረ” በለት።

ሃነሎር ብምቕጻል ከምዚ በለት:- “ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣሕዋትና መንፈሳዊ ምግቢ ነብጽሓሎም ነበርና። ኣብ ብስምዒ እተለኽየ ወረቐት ብደቂቕ እተጻሕፈ ምሉእ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ነዳሉ ነበርና። ነዚ ድማ ብማይ ዘየሕልፍ ወረቐት ጌርና ንጥቕልሎ: ኣብ ውሽጢ በርቁቕ [ዚበሃል ዓይነት ፍረ] ሓቢእና ድማ ኣብቲ ወርሓዊ እንልእከሎም ጥቕላል ነእትዎ። እቲ በርቁቕ ‘ኣዝዩ ጥዑም’ ምንባሩ ኺነግሩና ኸለዉ ኣዚና ንሕጐስ ነበርና። በዚ ዕዮ እዚ ተመሲጥና ብምንባርና: እቲ ግዜ እቲ ጥዑም እዩ ነይሩ ኽብል እኽእል እየ።”

ኣብ ትሕቲ እገዳ ምንባር

ፒተር ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ንእሽቶ ጕጅለ ዄንና ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ንእከብ ነበርና: እተወሰነ ግዜ ጸኒሕና ኢና ንኣቱን ንወጽእን ኔርና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ እንገብሮ ኣኼባ መሰናድዎ ንገብር። ሸታዚ ይቃጸውና ስለ ዝነበሩ: ነዚ ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ብእተጻሕፈ መዘኻኸርን ጌርና ኢና እንገብሮ ኔርና።”

ሃነሎር ድማ ከምዚ በለት:- “ሓድሓደ እዋን ኣብ ካሴት እተቐድሐ መደብ ዓብዪ ኣኼባ ንረክብ ነበርና። እዚ ኸኣ ኵሉ ሳዕ ምንጪ ሓጐስ እዩ ነይሩ። እታ ንእሽቶ ዝነበረት ጕጅለና ብሓደ ተኣኪባ ነቲ ነዊሕ ሰዓታት ዚወስድ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትሰምዖ ነበረት። ዋላኳ ነቲ ተዛራባይ ዘይንርእዮ እንተ ዀንና: ነቲ መደብ ብኣቓልቦ ንከታተሎን መዘኻኸሪ ንጽሕፍን ነበርና።”

ፒተር እውን ወሲኹ ኸምዚ በለ:- “ኣብ ካልእ ሃገራት ዚነብሩ ክርስትያን ኣሕዋትና ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንኼብጽሑልና ርእሶም ወፍዮም እዮም። ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት ወይ ቅድሚ መንደቕ በርሊን ብ1989 ምፍራሱ: ንዓና ኢሎም ፍልይ ዝበለ ንኣሽቱ ሕታም ጽሑፋት የዳልዉልና ነበሩ። ገሊኦም ድማ ናብ ምብራቕ ጀርመን መንፈሳዊ ምግቢ ንምእታው ንማካይኖም: ንገንዘቦም: ከምኡውን ንናጽነቶም ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ኣእተውዎ። ሓደ ለይቲ እቶም እንጽበዮም ዝነበርና ሰብኣይን ሰበይትን ከይመጹ ተረፉ። ፖሊስ ነቲ ጽሑፋት ረኺቦም ነታ ማኪናኦም ወረስዋ። እዚ ዅሉ ሓደጋ እናሃለወ ኽነሱ ግን: ሰላማዊ ህይወት ንምምራሕ ኢልና ነቲ ዕዮ ኸነቋርጾ ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና።”

እቲ ብ1950 ዝኸሓደና ማንፍሬድ ሓወይ: ናብ እምነቱ ንኺምለስን ንኺጸንዕን እንታይ ከም ዝሓገዞ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ንእተወሰነ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ምዕራብ ጀርመን ከድኩ: ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድማ ሓደግክዋ። ብ1954 ናብ ምብራቕ ጀርመን ተመሊሰ ኸኣ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ተመርዓኹ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ሰበይተይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበለት፣ ብ1957 ድማ ተጠምቀት። ድሕሪ ግዜ ሕልናይ ኪወቕሰኒ ጀመረ: ብሓገዝ ሰበይተይ ከኣ ናብታ ጉባኤ ተመለስኩ።”

“ቅድሚ ንሓቂ ምሕዳገይ ዚፈልጡኒ ዝነበሩ ኣሕዋት ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይተፈጥረ ገይሮም ብፍቕራዊ መገዲ ተቐበሉኒ። ብፍሽሕው መገዲ ሰላም ክትበሃልን ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበሉኻን ከለዉ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ምስ የሆዋን ምስ ኣሕዋተይን ብምትዕራቐይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ።”

መንፈሳዊ ቓልሲ ቐጸልና

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተሰብና ንእምነቱ ኢሉ ሓያል ቃልሲ ኺገብር ነበሮ። ፒተር ሓወይ ከምዚ በለ:- “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ: ብብዙሕ ናብ ካልእ ዜስግለና ነገር ከምኡውን ብስጋዊ መስድዒታት ኢና ተኸቢብና ዘለና። ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን: በቲ ዝነበረና ዓጊብና ንነብር ነበርና። ንኣብነት: ዋላ ሓደ ኻባና ብሰንኪ ብሕታዊ ምኽንያት ናብ ካልአ ጕጅለ መጽናዕቲ ኪቕይር ዚደሊ ኣይነበረን፣ እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ርሑቕ ብምዃኑ ወይ ሰዓቱ ኣመና ምሸት ብምዃኑ ዜማርር ሰብ ኣይነበረን። ዋላኳ ገለ ኻባና እቲ ኻብ መአከቢና እንወጸሉ ግዜ ኽሳዕ ሰዓት 11:00 ለይቲ እንተ ደንጐየ: ኵላትና ብሓደ ብምእካብና ግን ሕጉሳት ነበርና።”

ብ1959 ኣደይ ምስታ ጓል 16 ዓመት ዝነበረት ሳቢን ናብ ምዕራብ ጀርመን ክትከይድ ወሰነት። ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግላ ስለ ዝደለያ: እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናብ ኢልቫንገን: ባደን-ውርተምበርግ ንኪኸዳ ነገረን። ኣደይ ጥዕና ዘይብላ ኽነሳ እተርእዮ ዝነበረት ቅንኣት: ንሳቢን ጓል 18 ዓመት ከላ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ደረኻ። ንሳ ምስ ተመርዓወት ድማ እታ ጓል 58 ዓመት ዝነበረት ኣደይ ኣብ ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ንኽትዓዪ ምምራሕ ማኪና ተማህረት። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ክሳዕ ብ1974 እትመውት ኣኽቢራ ትርእዮ ነበረት።

ኣነ ድማ ንኻልኣይ ሳዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሽዱሽተ ዓመት ድሕሪ ምእሳረይ: ብ1965 ስድራቤተይ ከይፈለጡ ናብ ምዕራብ ጀርመን ተጠረዝኩ። ድሕሪ ግዜ ግን ምስ ኣኒ ሰበይተይን ሩት ጓልናን ተራኸብኩ። ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኸነገልግል ንኽእል እንተ ዄንና ሓተትኩ፣ ናብ ኖርትሊንገን: ባቫርያ ኽንከይድ ድማ ተነግረና። ኣብኡ እዮም ሩት ጓልናን ዮሃንስ ወድናን ዝዓበዩ። ኣኒ ድማ ፈላሚት ኰነት። እዚ ንሩት ጽቡቕ ኣብነት ስለ ዝዀና: ንሳ እውን ትምህርቲ ምስ ወድአት ፈላሚት ኰነት። ክልቲኦም ውሉዳትና ፈለምቲ እዮም ተመርዕዮም። ሕጂ ድማ ናቶም ስድራቤት ኣለዎም: ንሕና ኸኣ ሽዱሽተ ደቂ ደቅና ብምርኣይ ተባረኽና።

ብ1987 ኣነውን ምስ ኣኒ ፈላሚ ንክኸውን ኢለ ጡረታ ወጻእኩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብቲ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንምስፋሕ ኣብ ሰልተርስ ዚግበር ዕዮ ንኽሕግዝ ጻውዒት ቀረበለይ። ብድሕሪኡ: ኣብቲ ቐደም ምብራቕ ጀርመን ዝነበረ ግላውካኡ ዚበሃል ቦታ: ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ምህናጽ ሓጊዝና ኢና፣ ኣብኡ ድማ ተኸናኸንቲ እቲ ኣዳራሽ ኴንና ኣገልገልና። ብምኽንያት ጥዕና ግን ናብቲ ጓልና ዝነበረቶ ጉባኤ ኖርትሊንገን ተመለስና: ኣብኡ ኸኣ ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ኣለና።

ኵሎም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከምኡውን መብዛሕትኦም ኣባላት ቤተሰብና ነቲ ዜደንቕ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብቐጻሊ የምልኹ ብምህላዎም ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ። ኣብ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ኴንና እንተ ቐጺልና: ንሓቅነት እቲ “እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና: ንሕናውን ተሐጐስና” ዚብል ኣብ መዝሙር 126:3 ተጠቒሱ ዘሎ ቓላት ክንምከሮ ምዃንና ተማሂርና ኢና።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ብ1957 ኣብ መዓልቲ መርዓና

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ብ1948 ምስ ቤተሰበይ:- (ብቕድሚት ካብ ጸጋም ናብ የማን) ማንፍሬድ: በርታ: ሳቢን: ሃነሎር: ፒተር: (ብድሕሪት ካብ ጸጋም ንየማን) ኣነ: ዮኸን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ እገዳ እንጥቀመላ ዝነበርና ንእሽቶ ሕታም መጽሓፍ: ከምኡውን “ሽታዚ” ንኺቃጸውና ዚጥቀሙላ ዝነበሩ መሳርሒ

[ምንጪ ስእሊ]

Forschungs- und Gedenkstätte NORMANNENSTRASSE

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን:- (ብቕድሚት ካብ ጸጋም ንየማን) ሃነሎር: ሳቢን (ብድሕሪት ካብ ጸጋም ንየማን) ኣነ: ዮኸን: ፒተር: ማንፍሬድ