ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ጸረ ክርስቶስ ከነለልዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ነቲ ጸረ ክርስቶስ ከነለልዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ነቲ ጸረ ክርስቶስ ከነለልዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ ሃዋርያ ብመንፈስ ተደሪኹ ‘እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ ሰሚዕኩም ኣለኹም’ ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 2:18) እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ዚስሕባ ዀን እየን! ሰባት ንዘመናት ዚኣክል ብዛዕባ ትርጕም እዘን ቃላት እዚአን ኪሓስቡ ጸኒሖም እዮም። እቲ ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧ መዓስ እዩ ዚመጽእ፧ ምስ መጸ እንታይ እዩ ዚገብር፧

ዝርዝር እቶም ጸረ ክርስቶስ ተባሂሎም እተጸውዑ ሰባት ብዙሕ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት: ኣይሁድ: ጳጳሳት ካቶሊክ: ከምኡውን ሮማውያን ሃጸያት: “ጸረ ክርስቶስ” ዚብል ስም ተለጢፍሎም እዩ። ንኣብነት: ሃጸይ ፍረደሪክ ዳግማይ (1194-1250) ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ክትገብሮ ዝሓሰበቶ ውግእ መስቀላውያን ኣብ ጐድና ምስላፍ ምስ ኣበየ: ጳጳስ ግሪጎሪ ታሽዓይ ጸረ-ክርስቶስ ኢሉ ጸውዖ ኸምኡውን ወገዞ። እቲ ንግሪጎሪ ስዒቡ ዝመጸ ኢኖሰንት ራብዓይ እውን እንተ ዀነ: ከም ብሓድሽ ወገዞ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ፍረደሪክ ተመሊሱ ንኢኖሰንት ጸረ ክርስቶስ ኢሉ ጸውዖ።

ነታ “ጸረ ክርስቶስ” እትብል ቃል እተጠቕመላ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ: ሃዋርያ ዮሃንስ ጥራይ እዩ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብተን ብስሙ እተጻሕፋ ኽልተ መልእኽትታቱ ብንጽል ይኹን ብብዙሕ ሓሙሽተ ሳዕ ተጠቒሳ ትርከብ። እተን እዛ ቓል እዚኣ እትርከበለን ጥቕስታት ኣብታ ኣብ እትቕጽል ገጽ ዘላ ሳጹን ተጠቒሰን ኣለዋ። ነፍሲ ወከፈን እንተ ርኢናየን: እቲ ጸረ ክርስቶስ ሓሳውን መታለልን ከምኡውን ሰብ ምስ ክርስቶስን ምስ የሆዋን ንዘለዎ ርክብ ኪበትኽ ሒዅ ዚብል ተገይሩ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። በዚ ኸምዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ ክርስትያናት: “ኣቱም ፍቁራተይ: ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ብምባል እተላበዎም።—1 ዮሃንስ 4:1

የሱስ እውን ብዛዕባ መታለልቲ ወይ ነብያት ሓሶት ኣጠንቂቑ ነበረ: “ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ: ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም። ብፍሪኦም [ወይ ብስርሖም] ከተለልይዎም ኢኹም” ድማ በለ። (ማቴዎስ 7:15, 16) የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እቲ ምሳልያዊ ጸረ ክርስቶስ ድዩ ዜጠንቅቖም ነይሩ፧ እስከ ቐጺልና ነዚ ሕሱም መታለሊ እዚ ብኸመይ ከም እነለልዮ ንርአ።