ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 22

ሃዋርያት ብትብዓት ሰበኹ

ሃዋርያት ብትብዓት ሰበኹ

ኣብ ልዕሊ ክርስትያናዊት ማሕበር ወይ ጉባኤ መስጐጕቲ እናወረደ ኽነሱ፡ እታ ጉባኤ ብቕልጡፍ ዓበየት

ካብቲ የሱስ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ እዋን ዓሰርተ መዓልቲ ጸኒሑ፡ ማለት ኣብ 33 ድ.ክ. ኣይሁድ በዓል ጴንጠቆስጠ ወይ በዓላት ሓምሳ ኼብዕሉ ኸለዉ፡ 120 ዚዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ቤት ተኣኪቦም ነበሩ። ብድንገት ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ መጺኡ፡ ነታ ቤት መልኣ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ቛንቋታት ብተኣምራዊ መገዲ ኺዛረቡ ጀመሩ። እዚ ዜገርም ነገር እዚ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ከኣለ፧ ኣምላኽ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝሃቦም እዩ።

ኣብ ደገ፡ ነቲ በዓል ኬብዕሉ ኻብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንዓታቶም በብቛንቋኦም ምስ ተዛረብዎም፡ ንሳቶም በዚ ተደነቑ። ጴጥሮስ ነቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ ኣምላኽ ነቲ ተኣምራዊ ውህበት ኪህብ ዚኽእል መንፈሱ ‘ኪኽዑ’ ምዃኑ ብነብዪ ሆሴእ ከም ዝገለጸ ጠቐሰ። (ዮኤል 2:28, 29) እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እተዋህበ ሓያል መርትዖ፡ ኣገዳሲ ለውጢ ኸም እተገብረ ብንጹር ዚሕብር እዩ ነይሩ። እቲ ለውጢ ኸኣ፡ ሞገስ ኣምላኽ ካብ እስራኤል ናብታ ሓዳስ ዝቘመት ክርስትያናዊት ማሕበር ወይ ጉባኤ ኸም እተለወጠ ዚሕብር እዩ። ድሕሪ እቲ ግዜ እቲ፡ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ነበሮም።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ምጽራር እናበርትዐ ኸደ፣ ጸላእቲ ድማ ንደቀ መዛሙርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጐንዎም። ለይቲ ግን፡ መልኣኽ የሆዋ ንመዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ስብከቶም ኪቕጽሉ ነገሮም። ምስ ወግሐ፡ ከምቲ ዝበሎም ገበሩ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም፡ ብዛዕባ የሱስ ብስራት ኪምህሩ ጀመሩ። እቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቶም በዚ ተቘጥዑ፡ ስብከቶም ደው ኬብሉ ድማ ኣዘዝዎም። እቶም ሃዋርያት ግን ድምብርጽ ከይበሎም፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29

መስጐጕቲ እናጻዕጽዐ ኸደ። ገሊኦም ኣይሁድ ንሓደ እስጢፋኖስ ዚበሃል ወደ መዝሙር፡ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ገይሮም ከሰስዎ፡ ብዳርባ እምኒ ድማ ቀተልዎ። ሳውል ዚበሃል ጐበዝ ኣብቲ ቕትለት ሰሚሩ፡ ደው ኢሉ ይዕዘብ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ንክርስቶስ ዚስዕብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኺኣስር ናብ ደማስቆ ተጓዕዘ። ኣብ መገዲ፡ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ፣ “ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧” ዚብል ድምጺ ድማ ሰምዐ። ሳውል በቲ ብርሃን ዓወረ፡ “ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ ኸኣ ሓተተ። ሽዑ፡ “ኣነ . . . የሱስ እየ” ዚብል ድምጺ ሰምዐ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:3-5

ድሕሪ ሳልስቲ፡ የሱስ ንሓደ ሃናንያ ዚበሃል ወደ መዝሙሩ ልኢኹ፡ ንሳውል ካብ ዑረቱ ኣሕወዮ። ሳውል ተጠምቀ፡ ብዛዕባ የሱስ ከኣ ብትብዓት ኪሰብኽ ጀመረ። ድሕሪ ግዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ጀመረ፡ ብቕንኣት ዜገልግል ኣባል ክርስትያናዊት ማሕበር ወይ ጉባኤ ድማ ኰነ።

ኣብ ፈለማ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ብስራት፡ ንኣይሁድን ንሳምራውያንን ጥራይ ይነግርዎም ነበሩ። ኣብ ሓደ እዋን ግን፡ መልኣኽ ንሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ቆርኔሌዎስ ዚበሃል ሓለቓ ሚእቲ ተራእዮ፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ልኢኹ ኼምጽኦ ድማ ነገሮ። ጴጥሮስ ምስ ካልኦት ብሓባር ኰይኑ፡ ንቆርኔሌዎስን ንቤቱን ሰበኸሎም። ገና ኺዛረብ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ኣህዛብ ስለ ዝወረደ፡ ብስም የሱስ ኪጥመቑ ኣዘዘ። ድሕርዚ፡ እታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ክፍትቲ ዀነት። እታ ጉባኤ ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ኽትዝርግሖ ተዳለወት።

—ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:1–11:21 እተመስረተ።