ንልማድ ግብረ ሕቡእ ብኸመይ ከሰንፎ እኽእል፧
ምዕራፍ 25
ንልማድ ግብረ ሕቡእ ብኸመይ ከሰንፎ እኽእል፧
“ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከለኹ እየ ግብረ ሕቡእ ክፍጽም ጀሚረ። ጸኒሐ፡ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ዘለዎ ኣረኣእያ ፈሊጠ። በቲ ልማድ ብእተሰነፍኩ መጠን ሕማቕ ይስምዓኒ ነይሩ። ‘ኣምላኽ ንኸምዚ ኸማይ ከመይ ገይሩ ኼፍቅር ይኽእል፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ።”—ሉዊዝ።
ናብ ዕድመ ብጽሕና/ጕርዝውና ምስ በጻሕካ፡ ጾታዊ ድሌትካ ኺሕይል ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ግብረ ሕቡእ ልማድ ይዀነካ ይኸውን። * እዚ ዓብዪ ጕዳይ ከም ዘይኰነ፡ ብዙሓት ይዛረቡ እዮም። “ዚጕዳእ እኮ የሎን” ይብሉ እዮም። ካብዚ ልማድ እዚ ኽትርሕቀሉ ዚግባእ ጽቡቕ ምኽንያት ግና ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣካላትኩም፡ ማለት . . . ፋሉል ፍትወተ ስጋ . . . ቅተሉ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ቈሎሴ 3:5) ግብረ ሕቡእ ንፍትወተ ስጋ የጐሃህሮ ደኣ እምበር፡ ኣይቀትሎን እዩ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብ ግምት ኣእቱ፦
● ግብረ ሕቡእ ኣብ ጥቕሚ ርእሲ ዘተኰረ ኣረኣእያ የስርጽ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ግብረ ሕቡእ ኪፍጽም ከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ብስምዒቱ ጥራይ እዩ ዚውሓጥ።
● ግብረ ሕቡእ ንኣንጻር ጾታ ኸም ሓደ ንዕግበት ዚኸውን ኣቕሓ ወይ ንዋት ጌርካ ኸም እትርእዮ ይገብር።
● ግብረ ሕቡእ ፈታው ርእስኻ ስለ ዚገብር፡ ኣብ ሓዳር ኪርከብ ንዚኽእል ዜዕግብ ጾታዊ ርክብ ዕንቅፋት ይኸውን።
ንእተዓፈነ ጾታዊ ድፍኢት ንምርዋይ ግብረ ሕቡእ ኣብ ክንዲ እትፍጽም፡ ርእሰ ግትኣት ከተማዕብል ፈትን። (1 ተሰሎንቄ 4:4, 5) ከምኡ ምእንቲ ኽትገብር ከኣ፡ ብሱሩ ኻብቲ ብጾታዊ ዜለዓዕለካ ዅነታት ክትርሕቕ ከም ዘሎካ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ይህብ እዩ። (ምሳሌ 5:8, 9) ይኹን እምበር፡ ግብረ ሕቡእ ልማድ እንተ ዀይኑካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ምናልባት ክትሓድጎ ፈቲንካስ ኣይተዓወትካን ትኸውን። ክትልወጥ ከም ዘይትኽእል፡ ምስ መለክዒታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ እውን ከም ዘይትኽእል ትድምድም ትኸውን። ፔድሮ ዝስሙ ወዲ፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ንሱ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምስ ደገሰኒ፡ ሕማቕ እዩ ተሰሚዑኒ። እቲ ዝገበርክዎ ይቕረ ዚብሃሎ ኸም ዘይኰነ መሲሉኒ። ምጽላይ ከቢዱኒ ነይሩ” ይብል።
ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣጆኻ። ተስፋ ዘይብልካ ኣይኰንካን። ብዙሓት መንእሰያትን ዓበይትን ንልማድ ግብረ ሕቡእ ኬሰንፉ ኽኢሎም እዮም። ንስኻ እውን ክትዕወት ትኽእል ኢኻ!
ንስምዒት በደለኛነት ብኸመይ ትሰግሮ፧
ኣቐዲምካ ኸም እተጠቕሰ፡ እቶም ልማድ ግብረ ሕቡእ ዘለዎም ሰባት ብስምዒት በደለኛነት ይሳቐዩ እዮም። “ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይ፡” ነቲ ልማድ እቲ ኸተሰነፎ ድራኸ ኸም ዜሕድረልካ ኣየጠራጥርን እዩ። (2 ቈረንቶስ 7:11) መጠኑ ዝሓለፈ በደለኛነት ግና፡ ብኣንጻሩ ኺጐድኣካ ይኽእል እዩ። ኣመና ተስፋ ስለ ዜቝርጸካ፡ ቃልስኻ ኸም እትሓድግ ኪገብረካ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 24:10።
ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ሓዝ። ግብረ ሕቡእ ሓደ ዓይነት ርኽሰት እዩ። ‘ብእተፈላለየ ትምኒታትን ተድላን ከም እትግዛእ’ ኪገብረካ ይኽእል እዩ፣ ሕማቕ ኣረኣእያ እውን የሕድረልካ እዩ። (ቲቶስ 3:3) ኰይኑ ግና፡ ግብረ ሕቡእ ማዕረ ኸም ምንዝርና ዝኣመሰለ ኸቢድ ጾታዊ ብዕልግና ኣይኰነን። (ይሁዳ 7) ናይ ግብረ ሕቡእ ጸገም እንተ ኣልዩካ፡ ይቕረ ዘይብሃሎ ሓጢኣት ከም ዝፈጸምካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። እቲ ቐንዲ ነገር፡ ነቲ ድፍኢት ተቓለሶ፡ ኣብቲ ቓልስኻ ድማ ከቶ ኣይትተሓለል!
እዚ ልማድ እዚ እንተ ደጊሱካ፡ ብቐሊሉ ኽትድቈስ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 24:16 ዚርከብ፡ “ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ፣ እኩያት ግና ብመዓት ይዕንቀፉ” ዚብል ቃላት ዘክሮ። ንግዜኡ ስለ እተዓንቀፍካ፡ እኩይ ኣይትኸውንን ኢኻ። ስለዚ፡ ኣይትተሓለል። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብቲ ተግባር ዝመርሓካ እንታይ ምዃኑ መርምር፣ ነቲ ነገር እቲ ኸይትደግሞ ድማ ጽዓር።
ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ኣስተንትን። እቲ ብሰንኪ ድኽመቱ ኣብ ሓጢኣት ወዲቑ ዚፈልጥ ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ “ከምቲ ኣቦ ንደቁ ዚምሕሮም፡ የሆዋ ንዚፈርህዎ ምሒርዎም። ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡ ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ” ኢሉ ኣሎ። (መዝሙር 103:13, 14) እወ፡ የሆዋ “ንይቕረታ ድልዊ” እዩ፣ ንዘይፍጽምናና እውን ኣብ ግምት የእትዎ እዩ። (መዝሙር 86:5) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንምምሕያሽ ጻዕሪ ኽንገብር ይጽበየና እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ልማድ እዚ ንምስናፍ፡ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧
ንመዘናግዒኻ መርምሮ። ብጾታዊ መዳይ ኬለዓዕል ዚኽእል ፊልምታት ወይ መደባት ተለቪዥን ወይ ወብ ሳይታት ትርኢ ዲኻ፧ ሓደ ዘማሪ ብጥበብ ተላዒሉ፡ “ንኣዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ እዩ። *—መዝሙር 119:37።
ንኣእምሮኻ ኣብ ካልእ ከም ዜተኵር ግበሮ። ዊልያም ዝስሙ ክርስትያን፡ “ቅድሚ ምድቃስካ፡ መንፈሳዊ ነገራት ኣንብብ። እቲ ቕድሚ ምድቃስካ እትሓስቦ ናይ መወዳእታ ሓሳብ መንፈሳዊ ኪኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።—ፊልጲ 4:8።
ብዛዕባ እቲ ጸገም ምስ ሰብ ተዛራረብ። ብዛዕባ እቲ ነገር ንሰብ ምንጋር የሕፍረካ ይኸውን። ከምኡ ምግባር ግና፡ ነቲ ልማድ ከተሰንፍ ይሕግዘካ እዩ። ዴቪድ ዝስሙ ክርስትያን ከምኡ እዩ ገይሩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምስ ኣቦይ ብዛዕባ እቲ ነገር ንበይንና ዄንና ተዛራሪብና” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ዝበሎ ግና ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ኣብ ገጹ ናይ ኣለኹልካ ፍሽኽታ እናተራእየ ‘ኣዅሪዕካኒ’ ኢሉኒ። ክዛረበሉ ኽሳዕ ክንደይ ከቢዱኒ ኸም ዝነበረ ተረዲእዎ እዩ። ከምዚ ገይሩ ንመንፈሰይ ዘሐደሶን ነቲ ዝገበርክዎ ቘራጽነት ዘጽንዖን ነገር የሎን።
“ድሕርዚ፡ ኣቦይ ‘ብዙሕ ከም ዘይረሓቕኩ’ ኼእምነኒ ኢሉ ገለ ጥቕስታት ኣርእዩኒ። እቲ ዝገበርክዎ ነገር ጌጋ ምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተገንዘብክዎ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ተወሳኺ ጥቕስታት ኣንቢቡለይ። ብንጽህና ንምምልላስ ክጽዕር እሞ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኸም እንመያየጠሉ ነጊሩኒ። እንተ ደጊሱኒ ኸኣ፡ በዚ ተስፋ ኸይቈርጽ ኣተባቢዑኒ፣ ኣብ ዚቕጽል ከይወደቕኩ ንዝነውሐ ኽቃለስ ጥራይ ከም ዘሎኒ ሓቢሩኒ።” እሞ ደኣ ዴቪድ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩ በጺሑ፧ “ግድለይ ካልእ ሰብ ተረዲኡ ስለ ዝሓገዘኒ፡ ዓብዪ ረብሓ እዩ ነይሩ” ይብል። *
ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦
ፍኑው ጾታዊ ርክብ ቐሊል ጕዳይ ኣይኰነን። ስለምንታይ ከምኡ ምዃኑ ርአ።
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 4 ግብረ ሕቡእ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ኸይተሓለነ ዚመጽእ ጾታዊ ምልዕዓል ኣየመልክትን እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ወዲ ለይቲ ብጾታዊ ተለዓዒሉ ወይ ዘርኡ ፈሲሱ ኺትንስእ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ገሊአን ኣዋልድ ምናዳ ቕድሚ ወይ ድሕሪ ወርሓዊ ጽግያት ከይሓለናኦ ብጾታዊ መዳይ ኪለዓዓላ ይኽእላ እየን። ብኣንጻሩ ግና፡ ግብረ ሕቡእ ደይ መደይ ኢልካ ብጾታዊ መዳይ ገዛእ ርእስኻ ንምልዕዓል ዚግበር ነገር እዩ።
^ ሕ.ጽ. 15 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ 2ይ ጥራዝ፡ ምዕራፍ 33 ርአ።
^ ሕ.ጽ. 18 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 239-241 ርአ።
ቀንዲ ጥቕሲ
“ካብ ትምኒት ንእስነት ህደም፣ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንጐይታ ዚጽውዕዎ ኸኣ ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።”—2 ጢሞቴዎስ 2:22።
ምኽሪ
እቲ ድፍኢት ቅድሚ ምሕያሉ ጸሊ። ንየሆዋ ኣምላኽ፡ ነቲ ፈተና ኽትጻወር ዜኽእለካ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኺህበካ ለምኖ።—2 ቈረንቶስ 4:7።
ትፈልጥዶ፧
ብጾታዊ ድፍኢት እትምራሕ ምዃን፡ ዝዀነ ድኹም ሰብ ዚገብሮ ነገር እዩ። በይኑ ኪኸውን ከሎ እኳ ርእሱ ዚገትእ ግና ብርቱዕ ሰብ እዩ።
መደባተይ
ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር፡ ንኣእምሮይ ኣብ ንጹህ ዘበለ ኸተኵሮ እየ፦ ․․․․․
ንዚስምዓኒ ድፍኢት ኢደይ ኣብ ክንዲ ዚህብ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ንወለደይ ክሓትቶም ዚደሊ ሕቶታት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● የሆዋ “ንይቕረታ ድልዊ” ምዃኑ ምዝካር፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—መዝሙር 86:5።
● ንጾታዊ ስምዒት ኣምላኽ ካብ ፈጠሮ፡ ርእሰ ግትኣት ከተማዕብል ከም ዘሎካ ኸኣ ካብ ነገረካ፡ ንዓኻ ኽሳዕ ክንደይ ኣሚኑካ ኣሎ ማለት እዩ፧
[ፍረ ሓሳብ]
‘‘ካብቲ ነዚ ጸገም ዘቋረጽኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽሩይ ሕልና ኽሕዝ ክኢለ እየ፣ እዚ ድማ ብዝዀነ ዝልውጦ ኣይኰነን!’’—ሳራ
[ስእሊ]
ኣብ መንጎ ጕያ ምስ እትወድቕ፡ ካብ መጀመርታ ተመሊስካ ኣይትጅምርን ኢኻ፣ ግብረ ሕቡእ ምስ ዚደግሰካ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ ዝገበርካዮ ምምሕያሽ ኣይስረዝን እዩ