ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

5

ብዛዕባ ኣስማት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ኣስማት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

1. ኣብ ኣስማት ምእማን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧

ኣፍሪካን ትራዲሽናል ረሊጅን ዘርእስታ መጽሓፍ: “ኣብ ኣፍሪቃ: ኣስማተኛታት እንተ ኣልዮም ምሕታት ትርጕም የብሉን፣ ኣስማት ኣብ ኵሉ ደረጃ ናብራ ንዘለዉ ኣፍሪቃውያን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ትብል። ምሁራት ይኹኑ ዘይተማህሩ ሰባት ኣብ ኣስማት ይኣምኑ እዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምናን ህዝበ-ክርስትያንን እውን ይኣምኑሉ እዮም።

2. ብመሰረት ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ እምነት: ሓይሊ ኣስማት ካበይ እዩ ዚመጽእ፧

2 ብመሰረት ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ እምነት: ሓደ ምስጢራዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣሎ። ነዚ ሓይሊ እዚ ኣምላኽ ይቈጻጸሮ እዩ ተባሂሉ ይእመን። መናፍስትን ኣቦሓጎታትን ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ሓድሓደ ሰባት እውን ነዚ ሓይሊ እዚ መዝሚዞም እንተ ንጽቡቕ (ንምክልኻል) እንተ ንሕማቕ (ንሰብ ንምጕዳእ) ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ይፈልጡ እዮም ዚብል እምነት ኣሎ።

3. ሰብ ንምጕዳእ ዚጥቀሙሉ ኣስማት ከመይ ዝበለ እዩ፧ ብዙሓት ሰባትከ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል እዮም ዚኣምኑ፧

3 እቲ ንሰብ ንምጕዳእ ዚጥቀሙሉ ኣስማት ወይ ስራይ: ጸላእቲ ንምጥቃዕ ዝቐንዐ እዩ። እቶም እዚ ሓይሊ እዚ ዚጥቀሙ ንሰባት ንምጥቃዕ መንካዕ: ኣዕዋፍ: ሓሸራታት: ከምኡውን ካልኦት እንስሳታት ናይ ምስዳድ ሓይሊ ኸም ዘለዎም ጌርካ እዩ ዚእመን። እዚ ሰብ ንምጕዳእ ዚጥቀሙሉ ኣስማት ወይ ስራይ: ባእሲ: ምኽነት: ሕማም: አረ ሞት እውን ከይተረፈ ኼስዕብ ከም ዚኽእል ብሰፊሑ ይእመነሉ እዩ።

4. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣስማተኛታት እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧ ኣስማተኛታት ዝነበራ ገለ ሰባትከ እንታይ ኢለን እየን ተዛሪበን፧

4 ገሊአን ዓይነት ኣስማተኛታት ለይቲ ለይቲ ኻብ ኣካለን ተፈልየን እንተስ ምስ ካልኦት ኣስማተኛታት ኪራኸባ እንተስ ንህይወት ግዳያተን ንምጥፋእ: ኪነፍራ እየን ዚሓድራ እዩ ዚበሃል። እዘን ኣስማተኛታት እዚኣተን ኣብ ዓራተን ደቂሰን ስለ ዚርከባ: ነዚ ጽውጽዋይ እዚ ዚኸውን መርትዖ ብቐንዱ ኻብተን ቅድሚ ሕጂ ኣስማተኛታት ዝነበራ ዝበላኦ እዩ ዚርከብ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትሕተም መጽሔት ቅድሚ ሕጂ ኣስማተኛታት ዝነበራ (መብዛሕትአን ጐራዙ ኣዋልድ) ዝበላኦ ኸምዚ ብምባል ትጠቅስ:- “ኣነ ብሓደጋ መኪና 150 ሰባት ቀቲለ።” “ኣነ ደሞም ብምሉኡ ብምምጻይ ሓሙሽተ ቘልዑ ቐቲለ።” “ኣነ ንሰለስተ ኣዕሩኽተይ ስለ ዝጠለሙኒ ቐቲለዮም።”

5. ንምክልኻል ዚጥቀሙሉ ኣስማት ከመይ ዝበለ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚዝውተር፧

5 እቲ ንምክልኻል ዚጥቀሙሉ ኣስማት ካብ እከይ ከም ዜዕቍብ እዩ ዚንገረሉ። እቶም ከምኡ ዜዘውትሩ ሰባት ፍሉይ ሓይሊ ኣለዎ ዚበሃል ቀላብትን በናጅራትን ይገብሩ። መከላኸሊ ኣፋውስ ይሰትዩ ወይ ኣብ ነብሶም ይልከይዎ። ናይ ምክልኻል ሓይሊ ኣለዎ ኢሎም ዝኣመኑሉ ኣቑሑት ኣብ ገዛኦም ይሓብእዎ ወይ ኣብ ምድሪ ቤቶም ይቐብሩ። ካብ ቍርኣን ወይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ጥቕስታት ኣብ ዝሓዘ ኽታባት ይኣምኑ።

ሓሶትን ምትላልን

6. ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧ ንሓይሎምከ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

6 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ሓደገኛታት ጸላእቲ ሰባት ምዃኖም ንጹር እዩ። ንኣተሓሳስባን ኣነባብራን ሰባት ናይ ምጽላው ሓይሊ ኣለዎም። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት እሞ ኸኣ ንሰባትን እንስሳታትን ይሕዝዎምን ይቈጻጸርዎምን ነይሮም እዮም። (ማቴዎስ 12:43-45) ንሓይሎም ከነነኣእሶ እኳ እንተ ዘይብልና: ኣመና ኣዕቢና ኸኣ ክንርእዮ የብልናን።

7. ሰይጣን እንታይ ክንኣምን እዩ ዚደልየና፧ እዚኸ ብኸመይ ዝበለ መረዳእታ ተገሊጹ ኣሎ፧

7 ሰይጣን ዝወጸሉ መታለሊ እዩ። ንሰባት ካብቲ ብልክዕ ዘለዎ ሓይሊ ንላዕሊ ኸም ዘለዎ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ብምግባር የዐሽዎም። ንመረዳእታ:- ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ እተገብረ ዂናት: እቶም ወተሃደራት ንጸላእቶም ንምርዓድ ናይ ድምጺ መሳርሒታት ተጠቕሙ። መጥቃዕቲ ቕድሚ ምጅማሮም: እተቐርጸ ብርቱዕ ድምጺ ኸበድቲ ኣጽዋርን ጠያይትን ኬስምዑ ጀመሩ። ጸላእቶም ሓያል ኣጽዋር ዝዓጠቑ ጸላእቲ ኼጥቅዕዎም ይመጹ ኸም ዘለዉ ገይሮም ኪሓስቡ እዮም ደልዮምዎም። ሰይጣን እውን ብተመሳሳሊ: ሰባት ሓይሉ ገደብ ከም ዘይብሉ ገይሮም ኪኣምኑ እዩ ዚደልዮም። ዕላማኡ ሰባት ፍቓድ የሆዋ ኣብ ክንዲ ዚገብሩ: ፈሪሆም ፍቓዱ ኺገብሩ እዩ። ቀጺልና: ሰይጣን ንሰባት ኬእምኖም ዚደልዮ ሰለስተ ሓሶታት እስከ ንርአ።

8. ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዜስፋሕፍሖ ሓሶት እንታይ እዩ፧

8 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዜስፋሕፍሖ ሓሶት: ዝዀነ ይኹን ብኣጋጣሚ ዚፍጸም ጕድኣት የልቦን፣ ብሓደ ሰብ ብቐጥታ ዘይተፈጸመ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ብምስጢራዊ ሓይሊ ዘጋጠመ እዩ ዚብል እዩ። ንኣብነት: ሓደ ቘልዓ ዓሶ ሓሚሙ ሞይቱ ንበል። ኣዲኡ ሕማም ዓሶ ብጣንጡ ኸም ዚመሓላልፍ ትፈልጥ ትኸውን። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ብኣስማት ገይሩ ንወዳ እትነክስ ጣንጡ ኸም ዝሰደደላ እውን ትኣምን ትኸውን።

ሓድሓደ ግዜ ሕማቕ ነገራት ብሃንደበት የጋጥም እዩ

9. መጽሓፍ ቅዱስ: ሰይጣን ጠንቂ ዅሉ ዓይነት ጸገማት ከም ዘይኰነ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧

9 ሰይጣን ሓድሓደ ጸገማት ኬስዕብ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ኵሉ ዓይነት ጸገማት ኬምጽእ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ጌርካ ምእማን ግን ጌጋ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ጕያ ንፈጣናት: ውግእ ንጀጋኑ: እንጌራ ንጥበበኛታት: ሃብቲ ነእምሮኛታት: ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም: ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ይብል። (መክብብ 9:11) ሓደ ጐያያይ ኣብ ቅድድም ካብቶም ካልኦት ንላዕሊ ዚጐዪ እኳ እንተ ዀነ: ከይዕወት ግን ይኽእል እዩ። ሓደ ‘ኣጋጣሚ’ ኸም ዘይዕወት ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ምናልባት ተዓንቂፉ ይወድቕ ወይ ኣብ መንጎ ይጽልኦ ወይ ይቝጸ ይኸውን። እዚ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። እቲ ዜጋጥም ነገራት ናይ ግድን ብሰንኪ ሰይጣን ወይ ኣስማት እዩ ማለት ኣይኰነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብሃንደበት ኬጋጥም ይኽእል እዩ።

10. ብዛዕባ ኣስማተኛታት እንታይ ዚብል እምነት እዩ ዘሎ፧ እዚ ሓሶት ምዃኑኸ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

10 ሰይጣን ዜስፋሕፍሖ ኻልኣይ ሓሶት ድማ ኣስማተኛታት ለይቲ ለይቲ ኻብ ስጋአን ተፈልየን እንተስ ምስ ካልኦት ኣስማተኛታት ኪራኸባ እንተስ ንህይወት ግዳያተን ንምጥፋእ: ኪነፍራ እየን ዚሓድራ ዚብል እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ‘ኣስማተኛታት ከምዚ ኺገብራ ዚኽእላ እንተ ዀይነን: እቲ ኻብ ስጋአን ተፈልዩ ዚኸይድ ነገር እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ሕተት። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: ነፍሲ ኻብቲ ሰብ እትፍለ ነገር ዘይኰነትስ: እቲ ሰብ ባዕሉ እዩ። ኣብ ርእሲኡ: መንፈስ ንኣካላትና ብርታዐ ዚህብ ሓይሊ ህይወት እኳ እንተ ዀነ: ካብ ኣካላትና ተፈልዩ ግን ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።

ኣስማተኛታት ኣካላተን ገዲፈን ኪኸዳ ኣይክእላን እየን

11. ኣስማተኛታት ኣካላተን ገዲፈን ኪኸዳ ኣይክእላን እየን እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ነዚኸ ትኣምኖ ዲኻ፧

11 ነፍሲ ይኹን መንፈስ ካብ ኣካላትና ተፈልዩ ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ኪገብር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: ኣስማተኛታት ኣካላተን ገዲፈን ኪኸዳ ኣይክእላን እየን። እቲ ንገብሮ ኢና ዚብላኦ ወይ ዝገበራኦ ዀይኑ ዚስምዐን ነገራት ብሓቂ ዝገበራኦ ነገር ኣይኰነን።

12. ሰይጣን ንሰባት ዘይገበርዎ ነገራት ዝገበርዎ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

12 ብዛዕባ እቲ እቶም ኣስማተኛታት ዝነበሩ ጌርናዮ ዚብልዎኸ እንታይ እዩ ዝበሃሎ፧ ሰይጣን ንሰባት ዘይገበርዎ ነገራት ከም ዝገበርዎ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብር ይኽእል እዩ። ብራእያት ገይሩ ንሰባት ሓደ ዘይገበርዎ ነገር ከም ዝረኣዩን ዝሰምዑን ዝገበሩን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብር ይኽእል እዩ። በዚ መገዲ እዚ: ሰይጣን ንሰባት ካብ የሆዋ ኸም ዚርሕቁን መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ጌጋ ገይሮም ከም ዚሓስቡን ኪገብሮም ይጽዕር።

13. (ሀ) እቲ ንምክልኻል ይጠቅም እዩ ዚበሃል ዓይነት ኣስማት ጠቓሚ ድዩ፧ (ለ) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣስማት እንታይ ይብል፧

13 እቲ ሳልሳይ ሓሶት ድማ: እቲ ንምክልኻል ዚጥቀሙሉ ዓይነት ኣስማት ጠቓሚ እዩ ዚብል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ኣስማት ዝዀነ ይኹን ፍልልይ ኣይገብርን እዩ። ንዅሉ ዓይነት ኣስማት እዩ ዚዅንን። የሆዋ ንኣስማትን ንኣስማተኛታትን ብዚምልከት ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕግታት ርአ:-

  • “ኣይተማርቱ”—ዘሌዋውያን 19:26

  • “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ: ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ: ሞት ይሙቱ።”—ዘሌዋውያን 20:27

  • “ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ ወይ ተራጋሚ: መናፍስቲ ዚጥይቕ: ወይ ጠንቋሊ . . . ኣባኻ ኣይረኸብ።”—ዘዳግም 18:10-14

14. የሆዋ ንኣስማት ዚዅንን ሕግታት ዘውጽአ ስለምንታይ እዩ፧

14 እዚ ሕግታት እዚ: ኣምላኽ ንህዝቡ ኣስማት ኪገብሩ ኸም ዘይደልዮም ብንጹር ዚሕብር እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዜፍቅሮም ከምኡውን ባሮት ፍርህን ማሪትን ኪዀኑ ስለ ዘይደልዮም: ነዚ ሕግታት እዚ ሃቦም። ብኣጋንንቲ ኺጭቈኑ ኣይደልዮምን እዩ።

15. መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ኻብ ሰይጣን ኣጸቢቑ ኸም ዚሕይል ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ: ኣጋንንቲ ኺገብርዎ ዚኽእሉን ዘይክእሉን ዘርዚሩ ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ: የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣጸቢቑ ኸም ዚሕይል ግን ይገልጽ እዩ። የሆዋ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ከም ዚድርበ ገይሩ እዩ። (ራእይ 12:9) ሰይጣን ንእዮብ ኪፍትኖ ኸሎ: ካብ ኣምላኽ ፍቓድ ከም ዝሓተተን ነቲ ኣምላኽ ንእዮብ ከይቀትሎ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸም እተኣዘዘን እውን ኣይትረስዕ።—እዮብ 2:4-6

16. ዕቝባ ንምርካብ ናብ መን ኢና ኽንጽጋዕ ዘሎና፧

16 ምሳሌ 18:10 “ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ትብል። ስለዚ: ዕቝባ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጽጋዕ ኣሎና። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እኩይ ተግባራት ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኪዕቈቡ ኢሎም ክታባት ወይ ፈውስታትን ኣይጥቀሙን: መርገም ኣስማተኛታት እውን ኣይፈርሁን እዮም። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብተን “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ዚብላ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚኣምኑ።—2 ዜና መዋእል 16:9

17. ያእቆብ 4:7 ብዛዕባ እንታይ እያ እተረጋግጸልና፧ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

17 ንስኻ እውን ንየሆዋ ተገልግሎ እንተ ደኣ ዄንካ: ከምዚ ዝበለ ምትእምማን ኪሓድረካ ይኽእል እዩ። ያእቆብ 4:7: “እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ትብል። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተ ኣገልጊልካዮን ተገዚእካዮን: የሆዋ ኸም ዜዕቍበካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።