ክፍሊ 3
“ጥበበኛ ዝልቡ”
ሓደ ኻብቲ ኽትደልዮ ዘሎካ ኣዝዩ ኽቡር ጥሪት ናይ ሓቂ ጥበብ እዩ። ምንጪ እዛ ጥበብ እዚኣ ኸኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ኣብዛ ኽፍሊ እዚኣ ነቲ ደረት ዘይብሉ ጥበብ የሆዋ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንምርምሮ ኢና። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ንየሆዋ፡ “ጥበበኛ ዝልቡ” ኢልዎ ኣሎ።—እዮብ 9:4።
ኣብዚ ኽፋል እዚ
ምዕራፍ 18
ኣብ “ቃል ኣምላኽ” ዚርከብ ጥበብ
ኣምላኽ ብሰባት ገይሩ ሓሳባቱ ኣብ መጽሓፍ ዘስፈሮ ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኡ ጸብጻብ ኪምዝገብ ከሎ፡ ገሊኡ ዘይተመዝገበሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧