ሳጹን ትምህርቲ 16ለ
እህህ ምባልን ምግዓርን፡ ምልክት ምግባር፡ ምሕምሻሽ—መዓስን ብኸመይን፧
እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 9 እተመዝገበ ራእይ፡ ኣብዚ ግዜና እውን ይፍጸም እዩ። መስርዕ ፍጻመታት ከመይ ከም ዝዀነ ምርዳእና፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዚጅመረሉ እዋን ምትእምማን ኪህልወና ይሕግዘና
“እህህ ምባልን ምግዓርን”
መዓስ፦ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ቅድሚ እቲ ብርቱዕ ጸበባ
ብኸመይ፦ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብቓሎምን ብተግባሮምን ንእከይ እዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዚፍንፍንዎ የርእዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ሎሚ ዚስበኽ ዘሎ መልእኽቲ ይሰምዑ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ስብእና ይለብሱ፡ ከም ምልክት እቲ ንየሆዋ ዝገበርዎ ተወፋይነት ይጥመቑ፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ድማ ብተኣማንነት ይድግፉ
“ምልክት ምግባር”
መዓስ፦ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ
ብኸመይ፦ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ንምፍራድ ዚመጽእ የሱስ ክርስቶስ የመልክት። እቶም ብዙሓት ህዝቢ፡ ኣባጊዕ ተባሂሎም ኪፍረዱ ወይ ምልክት ኪግበረሎም እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብ ኣርማጌዶን ከም ዚድሕኑ የመልክት
“ምሕምሻሽ”
መዓስ፦ ኣብ ኣርማጌዶን
ብኸመይ፦ የሱስ ክርስቶስ ምስቶም ንመላእኽትን ን144,000 መጋዝእቱን ዜጠቓልሉ ሰማያውያን ሰራዊቱ ዀይኑ፡ ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ጠሪሱ ኼጥፍኣ፡ ንንጹሃት ኣምለኽቲ ድማ ናብታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ኬእትዎም እዩ