ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንጹሃት ክዀኑ ይግባእ
ትምህርቲ 9
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንጹሃት ክዀኑ ይግባእ
ብዅሉ መገዲ ንጹሃት ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ (1)
ብመንፈስ ንጹሃት (2) ብስነ-ምግባር ንጹሃት (3) ብኣእምሮ ንጹሃት (4) ብኣካል ንጹሃት (5) ምዃን እንታይ ማለት ኢዩ፧
እንታይ ዓይነት ርኹስ ቃላት ኢና ከነርሕቕ ዘለና፧ (6)
1. የሆዋ ኣምላኽ ንጹህን ቅዱስን ኢዩ። ኣምለኽቱ ድማ ብመንፈስ: ብስነ-ምግባር: ኣእምሮ: ከምኡውን ብኣካል ንጹሃት ክዀኑ ኢዩ ዝጽበዮም። (1 ጴጥሮስ 1:16) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኴንካ ንምቕጻል ናይ ሓቂ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ርኽስቲ ዓለም ኢና ንነብር ዘለና። ምስቲ ናይ ገዛእ ርእስና ጌጋ ናይ ምግባር ዝንባለ እውን ቃልሲ ኣሎና። እንተዀነ ግን: ተስፋ ክንቈርጽ ኣይግብኣናን ኢዩ።
2. መንፍሳዊ ንጽህና:- ንየሆዋ ከነገልግሎ ንደሊ እንተድኣ ኴንና: ዝዀነ ይኹን ትምህርትታት ወይ ልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንሕዝ ኣይንኽእል ኢና። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንወጽእ ኣሎና: ብዝዀነ ይኹን መገዲ ምድጋፉ ድማ ከነቋርጽ ይግብኣና። (2 ቈረንቶስ 6:14-18፣ ራእይ 18:4) ሓንሳእ ሓቂ ምስ ፈለጥና: በቶም ሓሶት ዝምህሩ ሰባት ከይንስሕት ክንጥንቀቕ ይግብኣና።—2 ዮሃንስ 10, 11
3. ስነ-ምግባራዊ ንጽህና:- የሆዋ ኣምለኽቱ ኵሉ ግዜ ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት ኰይኖም ክመላለሱ ኢዩ ዝደሊ። (1 ጴጥሮስ 2:12) ዝዀነ ይኹን ነገር: ነቲ ብሕቡእ እንገብሮ እውን ከይተረፈ ይርእዮ ኢዩ። (እብራውያን 4:13) ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ-ምግባራውነትን ካልእ ርኹስ ተግባራት ናይዛ ዓለም እዚኣን ከነርሕቕ ኣለና።—1 ቈረንቶስ 6:9-11
4. ኣእምሮኣዊ ንጽህና:- ኣእምሮና ብንጹህን ጽፉፍን ሓሳባት እንተድኣ መሊእናዮ: ጠባይና እውን ንጹህ ክኸውን ኢዩ። (ፊልጲ 4:8) ርኹስ ዝዀነ ነገራት ንሓስብ እንተድአ ኰይንና ግን እኩይ ተግባር ከም እንፍጽም ክገብረና ኢዩ። (ማቴዎስ 15:18-20) ንኣእምሮና ከበላሹ ዝኽእል ዓይነት መዘናግዒታት ከነርሕቕ ኣለና። ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ ንኣእምሮና ንጹህ ሓሳባት ክንመልኦ ንኽእል ኢና።
5. ኣካላዊ ንጽህና:- ክርስትያናት ንኣምላኽ ዝውክሉ ስለ ዝዀኑ ኣካላቶምን ክዳኖምን ንጹህ ገይሮም ክሕዙ ኣለዎም። ካብ ዓይኒ ምድሪ ምስ ወጻእና ኣእዳውና ክንሕጸብ ኣለና: መግቢ ቅድሚ ምብላዕና ወይ ምትንካፍና እውን ክንሕጸብ ኣለና። ግቡእ ዝዀነ ፋኛቱራ ዘይብልካ እንተድኣ ኰይኑ: ቀልቀል ክቕበር ኣለዎ። (ዘዳግም 23:12, 13) ብኣካል ንጹህ ምዃን ንጽቡቕ ጥዕና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ናይ ሓደ ክርስትያን ገዛ ብውሽጡን ወጻኢኡን ጽፉፍን ንጹህን ክኸውን ይግባእ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ኣብነት ኰይኑ ክፍለጥ ኣለዎ።
6. ንጹህ ዘረባ:- ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ሓቂ ክዛረቡ ይግብኦም። ሓሰውቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኣትዉን ኢዮም። (ኤፌሶን 4:25፣ ራእይ 21:8) ክርስትያናት ሕማቕ ኣዘራርባ ኣይጥቀሙን ኢዮም። ሕማቕ ዋዛ ወይ ርኹስ ዛንታታት ኣይሰምዑን ወይ ንኻልኦት ኣይነግሩን ኢዮም። ብምኽንያት ንጹህ ዘረብኦም: ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ኣብ ጐረባብቲ ፍሉያት ኰይኖም ኢዮም ዝርኣዩ።—ኤፌሶን 4:29, 31፣ 5:3
[ኣብ ገጽ 18, 19 ዘሎ ስእልታት]
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያት ንጹሃት ክዀኑ ይግባእ