ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰረተ-እምነት ስላሴ ብኸመይ ማዕበለ፧

ሰረተ-እምነት ስላሴ ብኸመይ ማዕበለ፧

ሰረተ-እምነት ስላሴ ብኸመይ ማዕበለ፧

ሕጂ: ከምዚ ኢልካ ትሓትት ትኸውን:- ‘ስላሴ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ እንተድኣ ዘይኰይኑ: ናይ ህዝብ ክርስትና ሰረተ-እምነት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧’ ብዙሓት ኣብ ዋዕላ ኒቅያ ብ325 ከ.ኣ.ዘ. ከም እተሰርዐ ኢዮም ዝሓስቡ።

ይኹን እምበር: እዚ ምሉእ ብምሉእ ልክዕ ኣይኰነን። ዋዕላ ኒቅያ ነቲ ዳሕራይ ንናይ ኣመንቲ ስላሴ ትምህርቲ ሃይማኖት መሰረት ዝዀነ: የሱስ ከም ኣምላኽ ሓደ ኣካል ኢዩ ዝብል ሓሳባት ኢዩ ሰሪዑ። ኣብቲ ዋዕላ እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሳልሳይ ኣካል ናይቲ ቀንዲ ስላሴኣዊ ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘይጠቐስዎ ኣብቲ ግዜ እቲ ስላሴ ኣይተመስረተን።

ቆስጣንጢኖስ ኣብ ዋዕላ ኒቅያ ዝነበሮ ተራ

ንብዙሕ ዓመታት ነቲ የሱስ ኣምላኽ ኢዩ ዝብል እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ሓሳባት ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ተቓውሞ ነይርዎ ኢዩ። ነቲ ዝነበረ ክርክር ንኽፈትሖ ብምፍታን ድማ እቲ ናይ ሮማ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ንዅሎም ኣቡናት ናብ ኒቅያ ጸውዖም። ገለ ክፋል ናይቲ ጠቕላላ ቍጽሪ: 300 ዝዀኑ ጳጳሳት ኣብቲ ዋዕላ ተሳተፉ።

ቆስጣንጢኖስ ክርስትያን ኣይነበረን። ከምቲ ዝበሃል ኣብ ዳሕራይ ህይወቱ ናብ ክርስትና ቀየረ: ክሳዕ ዝመውት ግን ኣይተጠመቐን ነይሩ። ብዛዕባኡ ሄንሪ ቻድዊክ ኣብታ ዘ ኤርሊ ቸርች (እታ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን) እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ቆስጣንጢኖስ ልክዕ ከም ኣቦኡ ነታ ዘይትሰዓር ጸሓይ ኢዩ ዘምልኽ ነይሩ፣ . . . ናብ ክርስትና ምልዋጡ ከም ካብ ውሽጢ ዝወጸ ናይ ምስጋና መግለጺ ገይርካ ክውሰድ የብሉን . . . ወተሃደራዊ ጕዳይ ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ ናይ ክርስትና ሰረተ-እምነት ዝነበሮ ምርዳእ ፈጺሙ ንጹር ኣይነበረን: እንተዀነ ግን: ኣብ ኲናት ዓወት ምርካብ ኣብ ውህበት ናይቲ ናይ ክርስትያናት ኣምላኽ እተመርኰሰ ምዃኑ ርግጸኛ ኢዩ ነይሩ።”

እዚ ዘይተጠመቐ ሃጸይ እዚ ኣብቲ ዋዕላ ኒቅያ እንታይ ግደ ኢዩ ነይርዎ፧ እቲ ኤንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ቆስጣንጢኖስ ባዕሉ ንጡፍ ኰይኑ ነቲ ምምይይጥ ብምምራሕ ይዕዘቦ ነበረ: ከምኡውን . . . ነቲ በቲ ዋዕላ እተመሓላለፈ ኣብ መንጎ የሱስን ኣምላኽን ዘሎ ዝምድና ዝገልጽ ‘ምስ ኣምላኽ ሓደ ኣካል’ ዝብል መምርሒ ብውልቁ ከም ሓሳብ ኣቕረበ . . . እቶም ጳጳሳት: ብጀካ ክልተ: ኵሎም በቲ ሃጸይ ተዓብሊሎም ነቲ ንመብዛሕትኦም ኣንጻር ኣተሓሳስብኦም ዝነበረ ሃይማኖታዊ እምነት ፈረምሉ።”

ስለዚ: ናይ ቆስጣንጢኖስ ግደ: ወሳኒ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ርሱን ሃይማኖታዊ ክትዕ: እዚ ኣረማዊ ፖለቲከኛ እዚ ጣልቃ ብምእታው ነቶም የሱስ ኣምላኽ ኢዩ ዝብሉ ዝነበሩ ብምድጋፍ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ስለምንታይ ግን ከምኡ ገይሩ፧ ብርግጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእ ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን ከምኡ ገይሩ። እታ ኤ ሾርት ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያን ዶክትሪን (ሓጺር ዛንታ ሰረተ-እምነት ክርስትና) እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ቆስጣንጢኖስ ብመሰረቱ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ኣብቲ ናይ ግሪኽ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝሕተት ዝነበረ ሕቶታት ዝፈልጦ ኣይነበሮን።” ንሱ ዝፈልጦ ሃይማኖታዊ ምክፍፋል ንግዝኣቱ ኣስጋኢ ምዃኑ ጥራይ ኢዩ: ስለዚ ናይ ግዝኣቱ ሓድነት ከጽንዕ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ።

ይኹን እምበር: ካብቶም ኣብ ኒቅያ ዝነበሩ ኣቡናት ሓደ እውን ይኹን ስላሴ ኣየማዕበለን። ንሳቶም ብዛዕባ የሱስ ጥራይ ኢዮም ወሲኖም: ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይበሉን። ስላሴ ንጹር ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እንተድኣ ኰይኑ: ኣብቲ ግዜ እቲ ከም ሓሳባት ኣይመልዓልዎንዶ ነይሮም፧

ተወሳኺ ዕቤት

ድሕሪ ኒቅያ: ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝነበረ ክርክር ንዓሰርተታት ዓመታት ቀጺሉ ኢዩ። እቶም የሱስ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ዝኣምኑ ዝነበሩ እውን ንግዚኡ እንደገና ተቐባልነት ረኸቡ። ድሓር ግን ሃጸይ ቴዎዶስዩስ ኣንጻሮም ወሰነ። ነቲ ኣብ ዋዕላ ኒቅያ ዝወጸ ሃይማኖታዊ እምነት ናይ ግዝኣቱ መለክዒ ከም ዝኸውን ገበረ: ብ381 ከ.ኣ.ዘ. ድማ ነቲ ስርዓት ንምንጻር ነቲ ናይ ኮስታንቲኖፓል ዋዕላ ጸውዐ።

እዚ ዋዕላ እዚ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ኣምላኽን ክርስቶስን ማዕረ ቦታ ክወሃቦ ተሰማምዐ። ንመጀመርያ ግዜ ድማ ናይ ህዝበ ክርስትያን ስላሴ ክርአ ጀመረ።

ይኹን እምበር: ድሕሪ ናይ ኮስታንቲኖፓል ዋዕላ እውን ከይተረፈ ስላሴ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ሃይማኖታዊ እምነት ኣይኰነን። ብዙሓት ተቓወምዎ: ኣብ ርእሲኦም ድማ ሕሱም ስደት ወረደ። ኣብቲ ዳሕራይ ዘበናት ጥራይ ኢዩ ስላሴ ሓደ ስሩዕ ሃይማኖታዊ እምነት ዝዀነ። ዘ ኤንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ናይ ኣመንቲ ስላሴ ትምህርቲ ምሉእ ዕብየት ዝረኸበ ኣብ ምዕራብ: ናይ ፍልስፍናን ስነ-ኣእምሮን መጽናዕቲ ምስ ጀመረ ኢዩ።”

ናይ ኣታናስያን እምነት

ስላሴ ዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይ ኣታናስያን እምነት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኣታናስዩስ ንቆስጣንጢኖስ ኣብ ኒቂያ ዝደገፈ ቀሺ ኢዩ። እቲ ብስሙ ዝጽዋዕ ሃይማኖታዊ እምነት ከምዚ ይብል:- “ኣብ ስላሴ ዘሎ ሓደ ኣም⁠ላኽ ኢና እነምልኽ . . . እቲ ኣቦ ኣምላኽ ኢዩ: እቲ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ: እቲ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣምላኽ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን: ሓደ ኣምላኽ እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።”

ይኹን እምበር: ብዛዕባ እዚ እኹል ፍልጠት ዘለዎም ምሁራት: ኣታናስዩስ ነዚ ሃይማኖታዊ እምነት እዚ: ከም ዘየዳለዎ ይሰማምዑ ኢዮም። እቲ ዘ ኒው ኤንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ኢሉ ሓሳባት ይህብ:- “እዚ ሃይማኖታዊ እምነት እዚ ክሳዕ መበል 12 ክፍለ-ዘበን ኣብታ ምብራቓዊት ቤተ-ክርስትያን ፍሉጥ ኣይነበረን። ካብ መበል 17 ክፍለ-ዘበን ጀሚሮም ምሁራት ብሓፈሻ እዚ ናይ ኣታናስያን እምነት ብኣታናስዩስ (ብ373 ዝሞተ) እተጻሕፈ ከም ዘይኰነ: ኣብ ክንድኡስ ምናልባት ኣብ መበል 5ይ ክፍለ⁠-​ዘበን ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ እተዳለወ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሰማሚዖም ኢዮም። . . . ናይቲ ሃይማኖታዊ እምነት እቲ ጸለውታ: ብቐዳምነት ኣብ መበል 6ይን 7ይን ክፍለ⁠-​ዘበን ኣብ ፈረንሳን ስጳኛን እተራእየ ኢዩ ዝመስል። ኣብ መበል 9ይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ጀርመን ጸኒሑ ድማ ኣብ ሮማ ኣብቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቅዳሴ ተጠቕምሉ።”

ስለዚ ካብ ግዜ ክርስቶስ ኣትሒዙ ትምህርቲ ስላሴ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዝሰፍሐ ተቐባልነት ንኽህልዎ ዘበናት ኢዩ ወሲዱ። ኣብዚ ኵሉኸ: ናብ ውሳነታት ዝመርሐ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ናይ ክህነትን ናይ ፖለቲካን ኣተሓሳስባታት ኢዩ፧ ኣብታ ኦሪጅን ኤንድ ኤቮሉሽን ኦቭ ረሊጅን (መበቈልን ምምሕያሽን ሃይማኖት) እትበሃል መጽሓፍ ኢ. ዳብሊው. ሆፕኪንስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ኦርቶዶክስ ናይ ስላሴ መግለጺ ብዓቢኡ ናይ ቤተ-ክርስትያን ናይ ፖለቲካ ጕዳይ ኢዩ።”

ክሕደት ከም ዝመጽእ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ

እዚ ዘሕፍር ታሪኽ ናይ ስላሴ ምስቲ ድሮ የሱስን ሃዋርያቱን ብድሕሪኦም ክኸውን ዘለዎ ኢሎም እተዛረብሉ ዝሰማማዕ ኢዩ። ቅድሚ እታ ኣምላኽ ነዚ ኣገባብ እዚ ዘጥፍኣላ መዓልቲ ምምጻኣ: ኣብ ምምላስ ክርስቶስ ክፍጸም ዘለዎ ምምላስ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ክሳዕ ዝኸውን ክሕደት: ዕልወት: ካብ ሓቀኛ ኣምልኾ ምውዳቕ ከም ዝህሉ ተዛሪቦም ነይሮም ኢዮም።

ብዛዕባ እዛ “መዓልቲ” እዚኣ ሃዋርያ ጳውሎስ “ቅድም ክሕደት ከይኰነ: . . . ሰብኣይ ዓመጻ: . . . ከይተገልጸ: . . . ኣይትመጽእን እያ” በለ። (2 ተሰሎንቄ 2:​3, 7) ጸኒሑ ኸኣ: “ኣነ ምስ ኣግለስኩ: ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም: እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” ኢሉ ኣቐዲሙ ተዛረበ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:​29, 30) ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ነዚ ክሕደት እዚ ምስቲ ናይ ‘ዓመጽ’ ዝዀነ ናይ ኣቕሽሽቲ ክፍሊ ገይሮም ገሊጾምዎ ኢዮም።​—⁠ንኣብነት ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:​1፣ 1 ዮሃንስ 4:​1–3፣ ይሁዳ 3, 4 ርአ።

ጳውሎስ “[“ንሓድሽ ነገር ጥራይ ህንጡያት ዝዀኑ ከምኡውን:” ጀሩሳሌም ባይብል] ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም” ብምባል እውን ጽሒፉ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:​3, 4

የሱስ እውን ካብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምውዳቕ ብድሕሪት ኰይኑ ዝደፍእ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። ንሱ ጽቡቕ ዘርኢ ከም ዝዘርአ: ብድሕሪኡ ግን ጸላኢ ማለት ሰይጣን ነቲ ግራት እንደገና ኽርዳድ ከም ዝዘርኣሉ ተዛሪቡ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ምስቲ ናይ መጀመርያ ስርናይ ሓቢሩ እቲ ኽርዳድ እውን ተቐልቀለ። ስለዚ ቀውዒ ክሳዕ ዝኸውን ማለት ክርስቶስ መጺኡ ንዅነታት ክሳዕ ዘዐርዮ: ካብቲ ሓቀኛ ክርስትና ምዕላው ክህሉ ምዃኑ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:​24–43) ዘ ኤንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “ብዛዕባ እንታይነት ኣምላኽ ዝምልከት እቲ ናይ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ናይ ኣመንቲ ስላሴ ትምህርቲ ብልክዕ ነቲ ናይ ቀዳሞት ክርስትያናት ትምህርቲ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን፣ ብኣንጻሩስ: ካብዚ ትምህርቲ እዚ ምዕላው ኢዩ ነይሩ።” እሞ እዚ ምዕላው እዚ ድኣ ኣበይ ኢዩ ጀሚሩ፧​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:​6

እንታይ ከም ዝጸለዎ

ካብ ግዜ ባቢሎን ጀሚሩ ኣብ ብምልእታ እታ ጥንታዊት ዓለም ብሰለስተ ወይ ብስሉስ ነገር ገይርካ ንኣረማውያን ኣማልኽቲ ምምላኽ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልዋ ቅድሚ ክርስቶስ: ኣብ ግዜ ክርስቶስ: ከምኡውን ብድሕሪኡ ኣብ ግብጺ: ግሪኽ ከምኡውን ሮማ ግኑን ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረማዊ እምነታት ንክርስትና ክወሮ ጀመረ።

ጸሓፍ ታሪኽ ዊል ዱራንት ከምዚ ይብል:- “ክርስትና ንኣረማውነት ኣየጥፍኦን፣ ኣብ ክንድኡስ ተቐቢልዎ ኢዩ። . . . ካብ ግብጺ ድማ ናይ መለኮታዊ ስላሴ ሓሳባት መጸ።” ኣብታ ኢጅብሽያን ረሊጅን (ናይ ግብጺ ሃይማኖት) እትበሃል መጽሓፍ ዚግፍሪድ ሞሬንስ: ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ስላሴ ነቶም ናይ ግብጺ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ቀንዲ ዘገድሶም ነገር ኢዩ . . . ሰለስተ ኣማልኽቲ ብሓደ ይጥመሩ: ከም ሓደ ተቘጺሮም ድማ ከም ንጽል ኣካል ገይርካ ይውሰዱ: ብንጽል ስም ከኣ ይጽውዑ። በዚ መገዲ እዚ እቲ ናይ ግብጺ ሃይማኖት መንፈሳዊ ሓይሊ: ምስ ናይ ክርስትና ትምህርቲ ሃይማኖት ቀጥታዊ ዝዀነ ርክብ ከም ዘለዎ የርኢ።”

ስለዚ: ኣብ መወዳእታ ናይ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበንን ኣብቲ መጀመርያ ናይ ራብዓይ ክፍለ-ዘበንን ኣብ ናይ ግብጺ ኣለክሳንድርያ ዝነበሩ ከም በዓል ኣታናስዩስ ዝኣመሰሉ ናይ ቤተ-ክርስትያናት ሰባት ናብ ትምህርቲ ስላሴ ዝመርሕ ሓሳባት ክሰርዑ ከለዉ እዚ ጸለውታ እዚ ከም ዝነበሮም ኣንጸባሪቖም ኢዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ጸለውታ ስለ ዘስፋሕፍሐ: ሞሬንስ “ናይ ኣሌክሳንድርያ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ከም ኣብ መንጎ ናይ ግብጻውያን ሃይማኖታዊ ውርሻን ኣብ መንጎ ክርስትናን ዘሎ ማእከላይ” ገይሩ ወሲድዎ ኣሎ።

ኣብታ ብኤድዋርድ ጊቦን እተጻሕፈት ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያኒቲ እትበሃል መጽሓፍ ኣብቲ መእተዊ ከምዚ ነንብብ:- “ኣረማውነት ብክርስትና ተሳዒሩ እንተድኣ ኰይኑ: ክርስትና ድማ ብኣረማውነት ከም እተበላሸወ ርግጽ ኢዩ። እቲ ንጹር ዝነበረ ናይ ቀዳሞት ክርስትያናት ኣምላኽ . . . ብናይ ሮማ ቤተ-ክርስትያን: በቲ ክርድኣካ ዘይክእል ናይ ስላሴ ሃሜን ተተክአ። ብዙሕ ካብቲ ብግብጻውያን እተማህዘ ብፕላቶ እተቓመመ ናይ ኣረማውያን እምነታት ክእመን ዝግብኦ ኢዩ ተባሂሉ ተዓቀበ።”

እታ ኤዲክሸነሪ ኦቭ ረሊጀስ ኖውለጅ እትበሃል መጽሓፍ ብዙሓት ሰባት ስላሴ “ካብቲ ስዲ ዝዀነ ሃይማኖታት እተለቃሕናዮ: ምስ ናይ ክርስትና እምነት ድማ እተዳቐለ ብልሽውና ኢዩ” ኢሎም ከም ዝዛረቡ ትገልጽ። እታ ዘ ፓጋኒዝም ኢን ኣወር ክርስችያኒቲ እትበሃል መጽሓፍ ድማ “ምንጪ ናይ [ስላሴ] ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣረማውያን ኢዩ” ትብል።

ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብቲ ኤንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሬሊጅን ኤንድ ኤቲክስ ዝበሃል መጽሓፍ ጀምስ ሃስቲንግ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ:- “ንኣብነት: ኣብቲ ናይ ህንዲ ሃይማኖት ብራህማ: ሲቫ: ከምኡውን ቪሽኑ ዝባሃሉ ናይ ስላሴ ጕጅለ ዝሓዘ፣ ከምኡውን ኣብ ናይ ግብጻውያን ሃይማኖት ኦስሪስ: ኢሲስ: ከምኡውን ሆራስ: ዝበሃሉ ናይ ስላሴ ጕጅለ ዝሓዘ ንረክብ . . . ኣምላኽ ከም ስላሴ ዝርአ ምዃኑ እንረኽቦ ኣብ ታሪኻውያን ሃይማኖታት ጥራይ ኣይኰነን። ብፍላይ ነቲ ብስሉስ ነገር ተገሊጹ ዘሎ ንልዕልነት ወይ ዝለዓለ ክውንነት ዝምልከት ሓድሽ ናይ ፕላቶ ኣረኣእያ ክዝከር ይከኣል ኢዩ።” እቲ ናይ ግሪኽ ፈላስፋ ፕላቶኸ ምስ ስላሴ እንታይ ርክብ ኣለዎ፧

ናይ ፕላቶ ፍላስፍና

ፕላቶ ካብ 428 ክሳዕ 347 ቅድሚ ክርስቶስ ይነብር ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕሰብ። ንስላሴ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ገይሩ እኳ እንተ ዘይማሃረ: እቲ ናቱ ፍልስፍናታት ግን ንስላሴ ዝኸውን መገዲ ኣጣጢሑ ኢዩ። ጸኒሑ ነቲ ናይ ስሉስ ነገር እምነት ዝብል ሓዊስካ ፍልስፍናዊ ምንቅስቓሳት ጀመረ: እዚ ነገራት እዚ ድማ በቲ ፕላቶ ብዛዕባ ፍጥረትን ኣምላኽን ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ተጸልወ።

እታ ንቮ ዲክሼኔር ዩኒቨርሳል (ሓድሽ ኣድማሳዊ መዝገበ-ቃላት) እትብል ናይ ቋንቋ ፈረንሳ መጽሓፍ ብዛዕባ ናይ ፕላቶ ጽልዋ ከምዚ ትብል:- “ካብቶም ናይ መጀመርያ ሰባት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ናይ ቅድም ስላሴታት እንደገና ብምትዕርራይ እተዳለወ ናይ ፕላቶ ናይ ስላሴ ፍልስፍና: ነዚ ሕጂ ናይ ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝምህራሉ ዘለዋ ናይ ሰለስተ መለኮታውያን ኣካላት ምምጻእ ምኽንያት ዝዀነ ናይ ባህርያት ርትዓዊ ናይ ፍልስፍና ስላሴ ኢዩ ዝመስል። . . . ናይዚ ግሪኻዊ ፈላስፋ እዚ ናይ መለኮታዊ ስላሴ ሓሳብ: . . . ኣብ ኵለን እተን ናይ ቀደም [ኣረማውያን] ሃይማኖታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ።”

እቲ ዘ ኒው ስካፍ-ሄርዞግ ኤንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጀስ ኖውለጅ ዝበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ዘምጽኦ ጽልዋ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ብዛዕባ እቲ ቃልን ስላሴን ዝገልጽ ሰረተ-እምነታት ሒዝዎ ዘሎ ቅርጺ . . . ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ካብቶም ብናይ ፕላቶ ፍልስፍና እተጸልዉ ናይ ግሪኽ ኣቦታት ዝመጸ ኢዩ። . . . ካብዚ ምንጪ እዚ ናብ ቤተ-ክርስትያን ጌጋን ብልሽውናን ከም ዝሰለዀ ዝከሓድ ኣይኰነን።”

እታ ዘ ቸርች ኦቭ ዘ ፈርስት ስሪ ሰንችሪስ እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “እቲ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ቀስ ብቐስ ከምኡውን ብተዛማዲ ደንጕዩ ዝቘመ ኢዩ፣ . . . ካብቲ ናይ ኣይሁድን ክርስትያናትን ቅዱሳት ጽሑፋት ፈጺሙ ዝረሓቐ ናይ ባዕዲ ምንጪ ኢዩ ዘለዎ፣ . . . እናዓበየ ብምኻድ ድማ በቶም ናይ ፕላቶ ፍልስፍና እተኸተሉ ኣቦታት ኣቢሉ ኣብ ክርስትና ኣተወ።”

ኣብ መወዳእታ ናይ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. “ክርስትና” ከምኡውን እቲ ሓድሽ ናይ ፕላቶ ፍልስፍናታት ከም ዘይፈላለዩ ኰይኖም ሓበሩ። ከምቲ ኣዶልፍ ሃርናክ ኣብታ ኣውትላይንስ ኦቭ ዘ ሂስትሪ ኦቭ ዶግማ እትበሃል መጽሓፍ ዝገለጾ እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነት “ኣብ ናይ ሄለኒዝም [ኣረማዊ ናይ ግሪኽ ኣተሓሳስባ] ሓመድ ኣጸቢቑ ሱር ሰደደ። ካብኡ ንድሓር ድማ ንመብዛሕትኦም ክርስትያናት ምስጢር ኰኖም።”

እታ ቤተ-ክርስትያን እዚ ሓድሽ ሰረተ-እምነት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኢዩ በለት። ሃርናክ ግን ከምዚ ይብል:- “ብሓቂ ኣብ ማእከላ ነቲ ናይ ግሪኽ ኣተሓሳስባ: ናይ ማሪት ኣረኣእያ: ኣረማዊ ናይ ምስጢር ኣምልኾ ልምድታት ዝገልጽ ኣተሓሳስባ ሕጋዊ ገይራ ሒዛቶ ኢያ።”

ኣብታ ኤ ስተትመንት ኦቭ ሪዝንስ እትበሃል መጽሓፍ ኣንድሪው ኖርቶን ብዛዕባ ስላሴ ከምዚ ይብል:- “ታሪኽ ናይዚ ሰረተ-እምነት እዚ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና: ምንጩ ድማ ኣብቲ ናይ ክርስትያን መግለጺታት ዘይኰነስ ኣብቲ ናይ ፕላቶ ፍልስፍና ኢና ክንረኽቦ እንኽእል። . . . ስላሴ ሰረተ-እምነት ክርስቶስን ሃዋርያትን ዘይኰነስ ልቢ ወለድ ናይቶም ዳሕራይ ናይ ፕላቶ ትምህርቲ ዝሰዓቡ ሰባት ኢዩ።”

ስለዚ ድማ: ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እቲ ብየሱስን ሃዋርያትን ተነጊሩ ዝነበረ ክሕደት ምሉእ ዕቤት ረኸበ። ናይ ስላሴ ምዕባለ ድማ ሓደ መረጋገጺ ናይዚ ኢዩ። እተን ከሓድቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ነቲ ከም ሲኦል ሓዊ: ናይ ነፍሲ ዘይሙማት: ከምኡውን ኣምልኾ ጣኦት ዝኣመሰለ ካልእ ናይ ኣረማውያን ሓሳባት ክሓቝፋ ጀመራ። ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ: ህዝበ ክርስትና ናብቲ ኣቐዲሙ እተባህለ እናወሰኸ ብዝኸይድ ናይ ኣቕሽሽቲ ክፍሊ: “ሰብኣይ ዓመጻ:” እተዓብለለ ናይ ጸልማት መዋእል ኣተወት።​—⁠2 ተሰሎንቄ 2:​3, 7

ነብያት ኣምላኽ ብዛዕባኡ ዘይማሃሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

ንኣሽሓት ዓመታት ዝኣክል ካብ ነብያት ኣምላኽ: ዋላ ሓደ እውን ይኹን ንህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ስላሴ ዘይማሃረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ መወዳእታ ብምምጽኡ የሱስ ነቲ ከም ዓቢ መምህር መጠን ዝነበሮ ክእለት ንሰዓብቱ ብዛዕባ ትምህርቲ ስላሴ ንጹር ገይሩ ክገልጸሎም ኣይምተጠቕመሉንዶ ምበልካ፧ ስላሴ “ናይ ሰረተ-እምነት ቀንዲ ትምህርቲ” እንተድኣ ዀይኑ: ኣምላኽ ብዛዕባ ስላሴ ዘይምህር በማእታት ዝቝጸር ገጻት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመንፈስ ከም ዝጸሓፍ ምገበረዶ፧

እሞ ክርስትያናትሲ ነዚ ብድሕሪ ክርስቶስን መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣምላኽ ብመንፈሱ ምስ ኣጽሓፎ: ዘበናት ጸኒሑን ዝመጸ: ንኣሽሓት ዓመታት ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘይፍሉጥ ዝነበረ: ሓደ “ካብ ዓቕሚ ኣተሓሳስባ ሰብ ንላዕሊ” ዝዀነ “ዘይምርመር ምስጢር”: ብርግጽ ሓደ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎ ከምኡውን “ብዓቢኡ ናይ ቤተ ክርስትያን ፖለቲካ ዝዀነ” ትምህርትስ ክኣምንዎዶ ኣለዎም፧

ትምህርቲ ስላሴ: ካብቲ ሓቂ እተገብረ ዕልወት: ካብኡ ዝወጸ ክሕደት ምዃኑ ታሪኽ ዝህቦ ምስክርነት ብሩህ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

‘እቲ ናይ ራብዓይ ዘበን እምነት ስላሴ ካብቲ ናይ ቅድም ናይ ክርስትና ትምህርቲ ምዕላው ኢዩ ነይሩ።’ —⁠ዘ ኤንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

“ስሉስ ነገር ናይቶም ዓበይቲ ኣማልኽቲ”

ብዙሕ ዘበናት ቅድሚ ግዜ ክርስቶስ: ኣብ ጥንታዊት ባቢሎንን ኣሶርን ዝነበሩ ናይ ስሉስ ነገር ወይ ስላሴታት ኣማልኽቲ ነይሮም ኢዮም። እቲ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ “ላኹስ ኤንሳይክሎፔድያ ኦቭ ማይዞሎጂ” እተባህለ መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ መሶጶታምያውያን ከባቢ ዝነበረ ስሉስ ነገር ከምዚ ይብል:- “ኣድማስ ነፍሲ ወከፉ ክፍሊ ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ኣብ ሰለስተ ቦታታት እተኸፋፈለ ኢዩ። ናይ ኣኑስ ግደ ሰማይ ኢዩ። ምድሪ ድማ ንኤንሊል ተዋህበት። ኣ ድማ ገዛኢ ናይ ማያት ኰነ። እዚኣቶም ብሓባር ናይቶም ዓበይቲ ኣማልኽቲ ስሉስ ነገር የቑሙ።”

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ሂንዱ ስላሴ

እታ “ዘ ሲምቦሊዝም ኦቭ ሂንዱ ጎድስ ኤንድ ሪችዋልስ” እትበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ክርስቶስ ዘበናት ይገብር ዝነበረ ናይ ሂንዱ ስላሴ ኣመልኪታ ከምዚ ትብል:- “ሲቫ ሓደ ካብቶም ናይ ስላሴ ኣማልኽቲ ኢዩ። ኣምላኽ ዕንወት ከኣ ኢዩ ዝበሃል። እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ብራህማ: ኣምላኽ ፍጥረትን: ቪሽኑ: ዝሕሉ ኣምላኽን ኢዮም . . . እዞም ሰለስተ መስርሓት እዚኣቶምን እቶም ሰለስተ ኣማልኽትን ሓደ ምዃኖም ንምምልካት ኣብ ሓደ መልክዕ ኢዮም ተጠሚሮም ዘለዉ።”​—⁠ብኤ. ፓርታሳራቲያ: ኣብ ቦምቦይ እተሓትመ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

“ቆስጣንጢኖስ ብመሰረቱ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ኣብቲ ናይ ግሪኽ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝሕተት ዝነበረ ሕቶታት ዝፈልጦ ኣይነበሮን።”​—⁠ኤ ሾርት ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያን ዶክትሪን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]

1. ግብጺ። ኣብ 2ይ ሽሓዊ ዓመት ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ብሆራስ: ኢሲሪስ: ኢሲስ ዝቘመ ስሉስ ነገር

2. ባቢሎን። ኣብ 2ይ ሽሓዊ ዓመት ቅ.ኣ.ዘ.ዝነበረ ብኢሽታር: ሲን: ሻማሽ ዝቘመ ስሉስ ነገር

3. ፓልሚራ። ኣብ ከባቢ 1ይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ብናይ ወርሒ ኣምላኽ: ብናይ ሰማያት ጐይታ: ብናይ ጸሓይ ኣምላኽ ዝቘመ ስሉስ ነገር

4. ህንዲ። ኣብ ከባቢ 7ይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ስላሴኣዊ ናይ ሂንዱ ኣምላኽ

5. ካምፑቺያ። ኣብ ከባቢ መበል 12 ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ስላሴኣዊ ናይ ቡድሂስት ኣምላኽ

6. ኖርወይ። ኣብ ከባቢ መበል 13 ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ስላሴ (ኣቦ: ወዲ: መንፈስ ቅዱስ)

7. ፈረንሳ። ኣብ ከባቢ መበል 14 ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ስላሴ

8. ኢጣልያ። ኣብ ከባቢ መበል 15 ክፍለ⁠-​­ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ስላሴ

9. ጀርመን። ኣብ ከባቢ መበል 19 ክፍለ⁠-​­ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ስላሴ

10. ጀርመን። ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ስላሴ