ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስላሴ ብኸመይ ኢዩ ዝግለጽ፧

ስላሴ ብኸመይ ኢዩ ዝግለጽ፧

ስላሴ ብኸመይ ኢዩ ዝግለጽ፧

ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ስላሴ ነቲ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ቀንዲ ሰረተ⁠-​እምነት ንምሕባር እተዋህበ ስያመ ኢዩ . . . ስለዚ ኸኣ ብመሰረት ሕጊ ኣታናሴዎስ ‘እቲ ኣቦ ኣምላኽ ኢዩ: እቲ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ: እቲ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣምላኽ ኢዩ: እንተዀነ ግን ሓደ ኣምላኽ እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።’ ኣብዚ ስላሴ እዚ . . . እቶም ኣካላት ሰለስቲኦም ዘለኣለማውያን: ማዕረ ኢዮም:- ኵሎም ዘይተፈጥሩ: ከምኡውን ኵሉ ዝፈልጡ ኢዮም።”​—⁠ዘ ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ።

ዳርጋ ኵለን ካልኦት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ነዚ ይሰማምዓሉ ኢየን። ንኣብነት: ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን: ንስላሴ “ናይ ክርስትና መሰረታዊ ሰረተ⁠-​እምነት” ኢላ ትጽውዖ፣ አረ “ክርስትያን ዝበሃሉ እቶም ንክርስቶስ ከም ኣምላኽ ገይሮም ዝቕበልዎ ኢዮም” እውን ከይተረፈ ትብል ኢያ። እዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ: ኣብታ ኣወር ኦርቶዶክስ ክርስችያን ፈይዝ (ናይ ኦርቶዶክስ ክርስትያናዊ እምነትና) እትበሃል መጽሓፍ “ኣምላኽ ስላሴ ኢዩ። . . . እቲ ኣቦ ምሉእ ብምሉእ ኣምላኽ ኢዩ: እቲ ወዲ ምሉእ ብምሉእ ኣምላኽ ኢዩ: እቲ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣምላኽ ኢዩ” ትብል።

ስለዚ: ስላሴ “ብሰለስተ ኣካላት ዝቘመ ኣምላኽ” ተባሂሉ ኢዩ ዝሕሰብ። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ድማ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር: መጀመርታ ዘይብሉ ኢዩ ዝበሃል። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ኵሉ ዝኽእል: ሓደ ካብቲ ሓደ ኣይዓብን ኢዩ: ወይ ኣይንእስን ኢዩ ዝበሃል።

እዚ ሓሳብዚ ንኽትርድኦ ዘሸግር ድዩ፧ ንብዙሓት ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ኣመንቲ: እዚ ሓሳብዚ ኣብ ተመኵሮኦም ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ: ከምኡውን ምስቲ ኣእምሮኦም ክቕበሎ ዝኽእል ሓሳብ ዝጋጮ ብምዃኑ ዘደናግር ኰይንዎም ኢዩ። ኣቦ ኣምላኽ: የሱስ ኣምላኽ: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኰይኖም ከብቅዑስ: እንደገና ኸኣ ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኢዮም ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ ኢሎም ድማ ይሓቱ።

“ካብ ዓቕሚ ኣተሓሳስባ ሰብ ንላዕሊ”

እዚ ምድንጋር እዚ ኣብ ኵሉ ቦታ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኢዩ። እቲ ዘ ኤንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና: ሰረተ-እምነት ስላሴ “ካብ ዓቕሚ ኣተሓሳስባ ሰብ ንላዕሊ” ኢዩ ኢሉ ይገልጾ።

ብዙሓት ንስላሴ ዝቕበልዎ ሰባት እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ሞንሲኞር ኦይጊን ክላርክ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ሓደ ኢዩ: ከምኡውን ኣምላኽ ሰለስተ ኢዩ። ኣብ ፍጥረት ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ፈጺሙ ስለ ዘየሎ ስቕ ኢልና ንቕበሎ ድኣምበር ክርድኣና ኣይክእልን ኢዩ።” ካርዲናል ጆን ኦኮኖር እውን “ክሳዕ ሕጂ ክርድኣና ዘይጀመረ ዝለዓለ ምስጢር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ይግልጽ። ጳጳስ ጆን ፓውል ካልኣይ እውን “ዘይምርመር ምስጢር ናይቲ ስላሴ ኣምላኽ” ኢሎም ተዛረቡ።

ስለዚ ኸኣ ኤ ዲክሸነሪ ኦቭ ረሊጀስ ኖውለጅ ከምዚ ትብል:- “ኣመንቲ ስላሴ እቲ ሰረተ-እምነት ብልክዕ እንታይ ምዃኑ: ወይ ብኸመይ ከም ዝግለጽ ኣብ ንሓድሕዶም ኣይሰማምዑን ኢዮም።”

ስለዚ እምበኣር: እቲ ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ ስለምንታይ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትዕዝብቱ ከም ዝገለጸ ክንርዳእ ንኽእል ኢና:- “ካብቶም ኣብቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ሃይማኖታዊ ኣብያተ-ትምህርትታት ዘለዉ መምህራን ውሑዳት ጥራይ ኢዮም በቲ ‘ሓደ ሰብ ብዛዕባ ስላሴ ብኸመይ ክሰብኽ ይኽእል፧’ ዝብል ሕቶ ብተማሃሮኦም ዘይተሃወኹ። እዚ ሕቶ እዚ ብወገን እቶም ተማሃሮ ምድንጋር ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክት እንተድኣ ዀይኑ: ብወገን መምህራኖም እውን ተመሳሳሊ ምድንጋር ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ።”

ሓቅነት ናይዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ትዕዝብቲ ናብ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ብምኻድ ነቲ ንስላሴ ዝድግፍ መጻሕፍቲ ድማ ብምምርማር ክረጋገጽ ይከኣል ኢዩ። ንስላሴ ንምግላጽ ብምፍታን ዘይተኣደነ ገጻት ተጻሒፉ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ተመራመርቲ ነቲ ኣብኡ ዘሎ እተሓላለኸ ኣደናጋሪ ሃይማኖታዊ ስያመታትን መግለጺታትን ምስ መርመሩ ጌና ኣይዓገቡን።

ብዛዕባ እዚ: ጀስዊት ጆሰፍ ብራከን ኣብታ ዋት ኣር ዘይ ሰይንግ ኣባውት ዘ ትሪኒቲ? (ብዛዕባ ስላሴ እንታይ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ፧) እትበሃል መጽሓፉ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “እቶም ኣብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ንስላሴ ብኽንደይ ጻዕሪ . . . እተማህሩዎ ኣቕሽሽቲ: ኣብቲ ናይ ስላሴ ሰንበት እውን ከይተረፈ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ንህዝቢ ብዛዕባኡ ክምህሩ ኣይደፍሩን ኢዮም። . . . ሓደ ሰብ ኣብ መወዳእታ ብግቡእ ክርድእዎ ዘይክእሉ ሓሳባት ገይሩ ስለምንታይ ንሰባት ዘጨንቕ፧” ከምዚ ዝስዕብ ድማ ይብል:- “ስላሴ ወግዓዊ እምነት ኢዩ: እንተዀነ ግን: ነቲ መዓልታዊ ክርስትያናዊ ናብራን ኣምልኾን ብውሑድ ኢዩ [ዝትንክፎ] ወይ ድማ ፈጺሙ [ኣይትንክፎን] ኢዩ።” ጌና ግን: ናይ ኣብያተ ክርስትያናት “ቀንዲ ሰረተ⁠-​እምነት” ኢዩ!

ብዛዕባ ትምህርቲ ሃይማኖት ካቶሊክ እተማህረ ሃንስ ኩንግ ኣብታ ክርስችያኒቲ ኤንድ ዘ ዎርልድ ረሊጅንስ (ክርስትናን ናይ ዓለም ሃይማኖታትን) እትበሃል መጽሓፉ ሓደ ካብቲ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብቶም ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ርኡይ ዝዀነ ጽልዋ ክገብራ ዘይከኣላሉ ምኽንያት ትምህርቲ ስላሴ ምዃኑ ተገንዘበ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ይገልጽ:- “ልክዕ ከምቲ ኣይሁድ ነቲ ሓሳባት ናይ ስላሴ ክርድእዎ ዘይከኣሉ: እቶም ኣጸቢቖም እተማህሩ ኣስላም እውን ፈጺሞም ክስዕብዎ ኣይከኣሉን። . . . ነቶም በቲ ካብ ናይ ሲርያክ: ግሪኽ: ከምኡውን ላቲን ዝመጸ ሃይማኖታዊ ስያመታት ፍልጠት ኣብ ክንዲ ዝረኽቡ እተደናገሩ ኣስላም: እቲ ብመሰረት ሰረተ-እምነት ስላሴ ኣብ መንጎ ሓደ ኣምላኽን እቶም ሰለስተ ኣካላትን ዘሎ ፍልልይ ከዕግቦም ኣይከኣለን። እቶም ኣስላም ነዚ ናይ ቃላት ጸወታ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦምዎ። . . . ስለምንታይ ኢዩ ሓደ ሰብ ነቲ ሓድነትን ፍሉይነትን ኣምላኽ ዘበላሹ ወይ ዋጋ ከም ዘይብሉ ዝገብር ገለ ነገር ኣብቲ ሓድነቱን ፍሉይነቱን ዝውስኽ፧”

“ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን”

እዚ ከምዚ ዝበለ ዘደናግር ሰረተ-እምነት ብኸመይ ክጅምር ከኣለ፧ እቲ ዘ ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “መለኮታዊ ራእይ ገይርካ ዝውሰድ ሓደ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝዀነ ዘይልወጥ ነገር።” ናይ ካቶሊክ ምሁራት ካርል ራነርን ሄርበርት ቮርግሪምለርን ኣብቲ ዘዳለውዎ ቴኦሎጂካል ዲክሸነሪ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ይገልጹ:- “ስላሴ ምስጢር ኢዩ . . . ብጽኑዕ ዝዀነ ኣበሃህላ . . . ብዘይ ሓደ ራእይ ክፍለጥ ዘይክኣል: ከምኡ ድማ ድሕሪ ራእይ እውን ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ከተስተውዕሎ ዘይትኽእል ኢዩ።”

ይኹን እምበር: ስላሴ ሓደ ዘደናግር ምስጢር ስለ ዝዀነ: ካብ መለኮታዊ ራእይ ዝመጸ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ ምክታዕ እውን ካልእ ዓቢ ግድል ዝፈጥር ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መለኮታዊ ራእይ ንርእሱ “ኣምላኽሲ . . . ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን” ስለ ዝብል: ብዛዕባ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ክህሉ ኣየፍቅድን ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 14:​33

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት መሰረት ብምግባር: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ናይ እብራይስጢ: ናይ ግሪኽ: ከምኡውን ናይ ላቲን ምሁራት እውን ከይተረፈ ብሓቂ ክገልጽዎ ዘይከኣሉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘሎ ኣዝዩ ዘደናግር ሰረተ-እምነት ብሓላፍነት ዝሕተት ድዩ፧

ብተወሳኺ ድማ: ሰባት ‘ነቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽን ነቲ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን ክፈልጡ’ ግድን ናይ ሃይማኖት ምሁራት ክዀኑ ኣለዎም ማለት ድዩ፧ (ዮሃንስ 17:​3) ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን: ስለምንታይ ደኣ ኢዩ ካብቶም ናይ ኣይሁድ ምሁራት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ውሑዳት ጥራይ ንየሱስ ከም መሲሕ ዘለለይዎ፧ ኣንጻር ናይዚ ድማ: እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ትሑታት ሓረስቶት: ገፈፍቲ ዓሳ: ተገውቲ: ኣንስቲ ሓዳር ኢዮም ነይሮም። እዞም ተራ ህዝቢ እዚኣቶም: ብዛዕባ እቲ የሱስ ንኣምላኽ ኣመልኪቱ ዝማሃሮም ትምህርቲ ርግጸኛታት ብምንባሮም: ንኻልኦት ንኽምህሩ ከምኡውን ብእምነቶም ዝመጸ ንሞት እውን ከይተረፈ ድሉዋት ነበሩ።​—⁠ማቴዎስ 15:​1-9፣ 21:​23-32, 43፣ 23:​13-36፣ ዮሃንስ 7:​45-49፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:​13

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እቶም ትሑታት ተራ ሰባት ድኣምበር እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይኰኑን ነይሮም