ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንሳኤ—ንመንን ኣበይን፧

ትንሳኤ—ንመንን ኣበይን፧

ምዕራፍ 20

ትንሳኤ​—⁠ንመንን ኣበይን፧

1, 2. ቀዳሞት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ትንሳኤ ይአምኑ ከም ዝነበሩ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ትንሳኤ ምስ ኣመኑ ኢዮም። ብዛዕባ ኣብርሃም እቲ 2, 000 ዓመታት ቅድሚ የሱስ ምውላዱ ዝነበረ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ካብ ምዉታት [ንይስሃቅ ወዱ] ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከኣሎ” ሓሰበ። (እብራውያን 11:​17–19) ድሕሪ ገለ ግዜውን እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ እዮብ ከምዚ ኽብል ሓተተ:- “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧” ንሕቶኡ ባዕሉ ብምምላሽ ድማ ንኣምላኽ:- “ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ” በሎ። በዚ ኸኣ ኣብ ትንሳኤ ከም ዝኣምን ኣርኣየ።​—⁠እዮብ 14:​14, 15

2 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ንእግዚአብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ። ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን።” (ሉቃስ 20:​37, 38) ኣብቲ ናይ ክርስትያን ጽሑፋት ግሪኽ እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል ካብ 40 ግዜ ንላዕሊ ተጠቒሳ ኣላ። ብርግጽ ድማ ትንሳኤ ምዉታት ቀንዲ ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 6:​1, 2

3. ማርታ ብዛዕባ ትንሳኤ ከመይ ዝበለ እምነት ከም ዝነበራ ኢያ ዝገለጸት፧

3 እታ ንየሱስ ፈታዊቱ ዝነበረት ማርታ ኣልኣዛር ሓዋ ምስ ሞተ: ኣብ ትንሳኤ እምነት ከም ዝነበራ ኣርኣየት። ማርታ ምምጻእ የሱስ ምስ ሰመዐት ክትቅበሎ ቀልጢፋ ወጸት። “ጐይታይ: ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ: ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። የሱስ ድማ ጓሂኣ ርእዩ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ብምባል ኣጸናንዓ። ማርታ ድማ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ከም ዚትንስእሲ እፈልጥ አሎኹ” ኢላ መለሰትሉ።​—⁠ዮሃንስ 11:​17–24

4-6. ማርታ ብዛዕባ ትንሳኤ ንኽትኣምን እንታይ ምኽንያታት ነይርዋ፧

4 ማርታ ነቲ ኣብ ትንሳኤ ዝነበራ እምነት ከተጽንዕ ድልዱል ምኽንያታት ነይርዋ ኢዩ። ንኣብነት ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኤልያስን ኤልሳእን እተባህሉ ነብያት ኣምላኽ ነፍሲ ወከፎም ብሓይሊ ኣምላኽ ሓሓደ ቈልዓ ከም ዘተንስኡ ትፈልጥ ነይራ ኢያ። (1 ነገስት 17:​17–24፣ 2 ነገስት 4:​32–37) ከምኡ ኸኣ ሓደ ምዉት ሰብኣይ ናብ መቓብር ምስ ደርበዩዎ ነቲ ኣስከሬን ናይ ኤልሳእ ምስ ተንከዮ ህያው ከም ዝዀነውን ትፈልጥ ነይራ ኢያ። (2 ነገስት 13:​20, 21) ዝያዳ ነቲ ኣብ ትንሳኤ ዝነበራ እምነት ከጽንዓላ ዝኸኣለ ግን ኵሉ እቲ የሱስ ዝምህሮን ዝገብሮን ዝነበረ ኢዩ።

5 ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: የሱስ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባ ንምዉታት ምትንሳእ ዝህልዎ ግደ ክዛረብ ከሎ ማርታ ነይራ ከትከውን ትኽእል ኢያ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም: ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። ኣብ [ናይ ዝኽሪ ትሓዓ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ . . . እሞ በዚ ኣይትደነቑ።”​—⁠ዮሃንስ 5:​21, 28, 29

6 ክሳዕ እቲ የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበለን ግዜ ንሓደ እኳ ከም ዘተንስአ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረሉን ኢዩ። ድሕርዚ ቁሩብ ጸኒሑ ግን ናይን ኣብ እትበሃል ከተማ ንሓደ ዝሞተ ጐበዝ ወዲ ሓንቲ መበለት ኣተንስአ። እዚ ወረ እዚ ድማ ክሳዕ ደቡብ ይሁዳ ኣቢሉ ስለ ዝበጽሐ ማርታውን ብርግጽ ሰሚዓቶ ክትከውን ኣለዋ። (ሉቃስ 7:​11–17) ድሕርዚውን ማርታ ነቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ቤት ያኢሮስ እተገብረ ሰሚዓቶ ክትከውን ኣለዋ። እታ 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሉ ተወጺዓ ስለ ዝነበረት ሞተት። የሱስ ኣብ ቤት ያኢሮስ ምስ በጽሐ ድማ ኣብቲ እታ ምዉትቲ ጓል ዝነበረቶ ኣተወ እሞ “ኣቲ ጓል ተንስኢ” ምስ በላ ተንስኤት!​—⁠ሉቃስ 8:​40–56

7. የሱስ ምዉታት ከተንስእ ከም ዝኽእል ንማርታ እንታይ መረጋገጺ ሃባ፧

7 ምስናይዚ ግን ማርታ ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ንሓዋ ከተንስኦ ኢላ ኣይተጸበየትን። ስለዚ ድማ ኢያ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ እፈልጥ አሎኹ” ዝበለት። የሱስ ግን ምዉታት ኣብ ምትንሳእ ዘለዎ ግደ ንማርታ ምእንቲ ከረድኣ ከምዚ በለ:- “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ።” ድሕርዚ ኸኣ ንየሱስ ኣብቲ ኣልኣዛር እተቐብረሉ ቦታ ወሰድዎ። ኣብኡ ድማ:- “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ[!]” ኢሉ ጨደረ። እቲ ንኣርባዕተ መዓልቲ ሞይቱ ዝነበረ ኣልኣዛር ከኣ ወጸ!​—⁠ዮሃንስ 11:​24–26, 38–44

8. የሱስ ከም ዝተንስአ ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎና፧

8 ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት ድማ የሱስ ተቐትለ ኣብ መቓብርውን ኣንበርዎ። ንገለ ክፍሊ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኣብ መቓብር ጸንሔ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ምኽንያቱ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ። በዚ ንሕና ዅላትና ም[ስ]ክር ኢና።” እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንወዲ ኣምላኽ ካብ መቓብር ተንሲኡ ከይወጽእ ክዓግትዎ ኣይከኣሉን። (ግብሪ ሃዋርያት 2:​32፣ ማቴዎስ 27:​62–66፣ 28:​1–7) ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ዘጠራጥር የብሉን: ከመይሲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ተራእዩዎም ኢዩ: ሓንሳእውን ን500 ዝኣኽሉ ካባታቶም ተራእዮም። (1 ቈረንቶስ 15:​3–8) ስለዚውን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤ እምነቶም ጽኑዕ ስለ ዝነበረ ንኣምላኽ ንምግልጋል ሞትውን እንተመጸ ዝሕጥ ኣይብሉን ነበሩ።

9. ከመይ ዝበሉ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝተንስኡ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ተዛሪቡሎም ዘሎ፧

9 ምዉታት ክትንስኡ ከም ዝኽእሉ ዘረድእ ተወሳኺ መረጋገጺ ድማ ጸኒሑ ብሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ተዋሂቡ ኢዩ። ቅድም ጴጥሮስ ነታ ኣብ ዮጴ እትነብር ዝነበረት ጣቢታ: ዶርቃስንውን ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት: ምስ ሞተት ኣተንስኣ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:​36–42) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ነቲ ንሱ ክዛረብ ከሎ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ኣብ መስኮት ተቐሚጡ ዝሰምዕ ዝነበረ እሞ ጸዲፉውን ዝሞተ ኣውጢኮስ እተባህለ ጐበዝ ኣተንስኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:​7–12) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ትንሳኤ ናይ ትሽዓተ ሰባት ምዉታት ክትንስኡ ከም ዝዀኑ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ!

መን ኢዮም ዝትንስኡ

10, 11. (ሀ) ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ትንሳኤ ዝሰርዐ፧ (ለ) ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 24:​15 ከመይ ዝበሉ ክልተ ጉጅለ ሰባት ኢዮም ዝትንስኡ፧

10 ኣብ መጀመርታ ትንሳኤ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን: ምኽንያቱ ኣዳምን ሄዋንን እሙናት እንተዝዀኑ ነይሮም ዋላሓደ ኣይምሞተን ነይሩ። ሓጢኣት ኣዳም ግን ዘይፍጽምናን ሞትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣምጽአ። (ሮሜ 5:​12) ስለዚ ደቂ ኣዳም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ ኢሉ የሆዋ ኣምላኽ ትንሳኤ ሰርዐ። ሓደ ሰብ ዝትንስእን ዘይትንስእን ምዃኑ ዝውስኖ እንታይ ኢዩ፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:​15 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እዚ ኸኣ ንገለ ሰባት ክድንጽዎም ዝኽእል ኢዩ። ስለምንታይከ ኢዮም “ሓጥኣን” ዝትንስኡ፧ ኢሎም ይግረሙ ይዀኑ። እቲ የሱስ ኣብ ዕጸይቲ ተሰቒሉ ኸሎ ዝዀነ ነገራት ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልሸልና ይኽእል ኢዩ።

12, 13. (ሀ) የሱስ ነቲ ገባር ክፉእ እንታይ ኢሉ ኣተስፈዎ፧ (ለ) እታ የሱስ እተዛረበላ “ገነት” ኣበይ ኢያ እትርከብ፧

12 እዞም ጥቓ የሱስ ዘለዉ ሰብኡት ገበርቲ ክፉእ ኢዮም ነይሮም። ሓደ ካብኣቶም “ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን” ኢሉ ኣላገጸሉ። እቲ ኻልኣይ ግን ብየሱስ ይኣምን። ናብኡ ግልጽ ኢሉ ከኣ ከምዚ ይብል:- “ጐይታይ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ።” የሱስ ድማ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ: ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ” [ትሓዓ] ኢሉ ይመባጽዓሉ።​—⁠ሉቃስ 23:​39–43

13 የሱስ “ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ ዀን ይኸውን፧ ገነትከ ኣበይ ኢያ እትርከብ፧ እታ ኣምላኽ ብመጀመርታ ዝገበራ ገነት ኣበይ ድያ ነይራ፧ ኣብ መሬት ኢያ ነይራ: ኣይኰነን ድዩ፧ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብታ ገነት ኤደን እተባህለት ውቅብቲ ገነት ኢዩ ዘንበሮም። እቲ ገባር ክፉእ ዝነበረ ሰብ ኣብ ገነት ክኸውን ኢዩ ዝብል ጽሑፍ ምስ እነንብብ እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣስ ሰብ ዝነብረላ ውቅብቲ ገነት ከም እትኸውን ገይርና ክንሓስቦ ኢዩ ዘሎና: ምኽንያቱ ድማ እታ “ገነት” እትብል ቃል ንርእሳ “ስፍራ ኣትክልቲ” ወይ “መናፈሻ” ማለት ኢያ።​—⁠ዘፍጥረት 2:​8, 9

14. ብኸመይ ኢዩ የሱስ ምስቲ ገባር ክፉእ ዝነበረ ኣብ ገነት ክኸውን ዝኽእል፧

14 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ምስቲ ገባር ክፉእ ዝነበረ ሰብ ክኸውን ኢሉ ከም ዘይመጽእ ፍሉጥ ኢዩ። የግዳ የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ኢዩ ንምድራዊት ገነት ዝገዝኣ። ምስቲ ገባር ክፉእ ዝነበረ ሰብኣይ ክኸውን ኢዩ ክብሃል ከሎ እምበኣር የሱስ ነቲ ሰብ ካብ ምዉታት ከተንስኦ ብስጋን ብመንፈስን እውን ክሓልየሉን ከም ዝዀነ ዘመልክት ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ግን የሱስ ንሓደ ገባር ክፉእ ዝነበረ ሰብ ኣብ ገነት ክነብር ዘፍቅደሉ፧

15. ስለምንታይ ኢዮም እቶም “ሓጥኣን” ዝትንስኡ፧

15 እዚ ሰብ እዚ እከይ ከም ዝገበረ ሓቂ ኢዩ። “ሓጥእ” ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ እውን ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዝፈልጥ ነይሩ እንተ ዝኸውን ግን ገባር ክፉእ ምዀነዶ ነይሩ፧ ዝምባሌ ናይዚ ሓጥእ ሰብ እዚ ምእንቲ ክፍለጥ እምበኣር የሱስ ንእኡን ንኻልኦት ዕላማ ኣምላኽ ከይፈለጡ ዝሞቱ ሚልዮናት ሰባትን ከተንስኦም ኢዩ። ንኣብነት እኳ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ብዙሓት ሰባት ንባብ ከይፈለጡ መጽሓፍ ቅዱስውን ከይርኣዩ ሞይቶም ኢዮም። እዚኣቶም ካብ ሽኦል ወይ ሃደስ ክትንስኡ ኢዮም። ድሕርዚ ድማ ኣብ ገነትዊት ምድሪ ፍቓድ ኣምላኽ ክማሃሩ ኢዮም: ምስ ፈለጡውን ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ እንተ ዀይኖም ፍቓዱ ብምምላእ ንኸርእዩ ኣጋጣሚ ይረኽቡ።

16. (ሀ) መን ኢዮም እቶም ካብ ምዉታት ዘይትንስኡ፧ (ለ) ስለምንታይ ኢና ክንፈርድ ዘይብልና፧ (ሐ) እቲ ቀንዲ ከገድሰና ዝግብኦ እንታይ ኢዩ፧

16 እዚ ግን ኵሉ ሰብ ክትንስእ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘመልክቶ እኳ እቲ ንየሱስ ዝኸሓደ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ትንሳኤ ከቶ ኣይረክብን ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ደይ መደይ ኢሉ ዝገበሮ እከይ ይሁዳ “ወዲ ጥፍኣት” ተባሂሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:​12) ንሱስ ኣብቲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ገሃነም ዝበሃል ትንሳኤ ዘይብሉ ቦታ ኢዩ ኣትዩ። (ማቴዎስ 23:​33) እቶም ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ዝፈልጡ እሞ ኰነ ኢሎም ድማ ዝእብሱ ሰባትሲ ንመንፈስ ቅዱስ ኢዮም ዝብድሉ ዘለዉ። ኣምላኽውን ነቶም ንመንፈስ ቅዱሱ ዝበደሉ ዘበሉ ፈጺሙ ኣየተንስኦምን ኢዩ። (ማቴዎስ 12:​32፣ እብራውያን 6:​4–6፣ 10:​26, 27) ብዛዕባ’ዚ ግን እቲ ፈራዲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንሕና ገለ ናይ ጥንቲ ይኹኑ ናይዚ ግዜና ሓጢኣተኛታት ክትንስኡ ኢዮም ወይ ኣይክትንስኡን ኢዮም ኢልና ምፍራድ ናትና ኣይኰነን። ኣምላኽ ኢዩ ነቶም ኣብ መቓብር ዘለዉን ኣብ ገሃነም ዘለዉን ዝፈልጦም። ንሕናስ ካብቶም ኣምላኽ ኣብቲ ሓድሽ ኣገባቡ ክነብሩ ዝደልዮም ሰባት ኴንና ምእንቲ ክንርከብ ዝከኣለና ንጽዓር።​—⁠ሉቃስ 13:​24, 29

17. እቶም ንዘለኣለም ንኽነብሩ ትንሳኤ ዘየድልዮም ሰባት መን ኢዮም፧

17 ኵሎም እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኽቡ ግድን ክትንስኡ ኣየድልዮምን ኢዩ። ሎሚ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ኣገባብ’ዚ ብህይወቶም ዘለዉ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኣርማጌዶን ክሳገርዎ ኢዮም። ክፍሊ ናይቲ ጽድቂ ዝነብረሉ “ሓድሽ ምድሪ” ኰይኖም ድማ ሞት ከይጠዓሙ ክነብሩ ኢዮም። እተን የሱስ ምስ ማርታ ክዛረብ ከሎ “ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ” ዝበለን ቃላት ድማ ቃል ብቓሉ ኣባታቶም ክፍጸማ ኢየን።​—⁠ዮሃንስ 11:​26፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:​1

18. እቶም ዝትንስኡ ‘ጻድቃንከ’ መን ኢዮም፧

18 እቶም ክትስኡ ዘለዎም ‘ጻድቃንከ’ መን ኢዮም፧ ኣብ መንጎ እዚኣቶም እቶም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይርከቡ ኢዮም። ብዙሓት ካባታቶምውን ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 በብስሞም ተጠቒሶም ኣለዉ። ኣብ ምድሪ ተንሲኦም ክነብሩ ደኣ እምበር ንሰማይ ክንከይድ ኢሎም ተስፋ ኣይገብሩን ኢዮም። ኣብ መንጎ እቶም ክትንስኡ ዘለዎም ጻድቃን እቶም በዚ ቐረባ ግዜ ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽውን ኣለዉ። ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብምትንሳእ ነቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ዝነበሮም ተስፋ ክፍጽመሎም ኢዩ።

መዓስን ኣበይን ኢዮም ዝትንስኡ

19. (ሀ) የሱስ እቲ ናይ መጀመርታ ካብ ምውታት ዝተንስአ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ብድሕሪኡ ዝትንስኡኸ መን ኢዮም፧

19 የሱስ “በዅሪ ትንሳኤ ምዉታት” ከም ዝዀነ ኢዩ ዝንገረሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:​23) እዚ ማለት ድማ ንሱ ካብቶም ተንሲኦም እንደገና ዘይሞቱ በዅሪ ማለት ኢዩ። ከምኡውን እቲ ቀዳማይ ከም መንፈሳዊ ሰብ ኰይኑ ዝተንስአ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:​18) መጽሓፍ ቅዱስ ካልኦት እውን ዝትንስኡ ከም ዝህልዉ ክገልጽ ከሎ:- “ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፣ ክርስቶስ ከም በዅሪ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:​20–23) ስለዚ እምበኣር ብግዜ ትንሳኤውን ገለ ሰባት ቅድሚ ገለ ኻልኦት ክትንስኡ ኢዮም።

20. (ሀ) “ናይ ክርስቶስ ዘበሉ” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ትንሳኤ ኢዮም ዝረኽቡ፧

20 እቶም “ናይ ክርስቶስ ዘበሉ” ድማ እቶም ምስኡ ኣብታ መንግስቲ መጋዝእቱ ንክዀኑ እተሓርዩ 144, 000 እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤኦም ክዛረብ ከሎ “ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ . . . ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።”​—⁠ራእይ 20:​6፣ 14:​1, 3 (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።)

21. (ሀ) እቲ “ቀዳማይ ትንሳኤ” መኣዝ ኢዩ ዝጅምር፧ (ለ) ብዘይ ጥርጥር ድሮ ንሰማያዊ ህይወት ተንሲኦም ዘለዉኸ መን ኢዮም፧

21 ድሕሪ ትንሳኤ ክርስቶስ እምበኣር እቶም 144, 000 ቅቡኣት ኢዮም ዝትንስኡ። ኣብቲ “ቀዳማይ ትንሳኤ” ወይ ኣብቲ “ቐልጢፉ ዝኸውን ትንሳኤ ምዉታት” ግደ ኣለዎም። (ፊልጲ 3:​11 ትሓዓ ) እዚኸ መኣዝ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብምጽኣቱ” ይብለና። ኣብቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ ከም እተማሃርናዮ ህላዌ ክርስቶስ ካብ 1914 ኢዩ ጀሚሩ ዘሎ። ስለዚ እታ “መዓልቲ” ናይቲ “ቀዳማይ ትንሳኤ” ናይቶም ንሰማይ ዝኸዱ እሙናት ክርስትያናት ዛጊት ጀሚራ ኢያ። እቶም ሃዋርያትን ቀዳሞት ክርስትያናትን ብዘይጥርጥር ንሰማያዊ ህይወት ድሮ ተንሲኦም ኣለዉ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:​8

22. (ሀ) መን ካልእ ኢዩ ኣብቲ “ቀዳማይ ትንሳኤ” ግደ ዘለዎ፧ (ለ) መአዝከ ኢዮም ዝትንስኡ፧

22 እንተዀነ ግና ኣብ ሰማይ ክገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ኣብዚ እዋን ናይ ዘይርአ ህላዌ ክርስቶስ ኸኣ ብህይወቶም ዘለዉ ክርስትያናት ኣለዉ። እዚኣቶም ድማ ተረፍ ናይቶም 144, 000 ቅቡኣት ኢዮም። መኣዝከ ኢዮም ዝትንስኡ፧ ብሞት ክድቅሱ ኣየድልዮምን ኢዩ። ምውት ምስ በሉ ብኡንብኡ ኢዮም ዝትንስኡ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኵላትና ኽንልወጥ እምበር ኵላትና ኣይክንድቅስን ኢና። ብሓንሳእ ብቕጽበት ዓይኒ በቲ ናይ ድሕሪ ዅሉ መለኸት: እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ እቶም ምዉታት ድማ . . . ኪትንስኡ እዮም።”​—⁠1 ቈረንቶስ 15:​51, 52፣ 1 ተሰሎንቄ 4:​15–17

23. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ምልዋጥ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ፧

23 ርግጽ ኢዩ: እዚ “ቀዳማይ ትንሳኤ” ንሰማያዊ ህይወት እዚ ብኣዒንቲ ሰባት ዘይርአ ኢዩ። ከም መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ናብ ህይወት ክትንስኡ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ለውጢ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ብዚሐልፍ ይዝራእ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። ብውርደት ይዝራእ ብኽብሪ ይትንስእ። . . . [ስጋዊ ኣካል ይዝራእ: መንፈስ ኣካል ትሓዓ] ይትንስእ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 15:​42–44

24. (ሀ) ድሕሪ እቲ “ቀዳማይ ትንሳኤ” ከመይ ዝበለ ትንሳኤ ኢዩ ዝስዕብ፧ (ለ) ስለምንታይከ ኢዩ “ዚሐይሽ ትንሳኤ” ዝበሃል፧

24 እንተዀነ ግን እቲ “ቀዳማይ ትንሳኤ” ዝብል ኣዘራርባ እንተደኣ ኣስተብሂልናሉስ ካልኣይ ትንሳኤ ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕብረልና። እዚ ኸኣ እቶም ጻድቃንን ሓጥኣንን ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት ንምንባር ዝትንስእዎ ትንሳኤ ኢዩ። እዚ ድማ ብድሕሪ ኣርማጌዶን ኢዩ ክኸውን። እዚ ትንሳኤ እዚ ኸኣ ካብ ትንሳኤ ናይቶም ኤልያስን ኤልሳእን ዘተንስእዎም ኣወዳትን ካልኦት ንግዜኡ ተንሲኦም ዝነበሩ ሰባትን “ዝሓይሽ ትንሳኤ” ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ድሕሪ ኣርማጌዶን ዝትንስኡ ሰባት ንኣምላኽ ከገልግሉ እንተደኣ መሪጾም እንደገና ኣይክሞቱን ኢዮም።​—⁠እብራውያን 11:​35

ናይ ኣምላኽ ተኣምራት

25. (ሀ) እቲ ዝሞተ ስጋ ዘይትንስእ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዝትንስእ እንታይ ኢዩ: ነቶም ዝትንስኡኸ እንታይ ኢዩ ዝወሃቦም፧

25 ሓደ ሰብ ምስ ሞተ እንታዩ ኢዩ ዝትንስእ፧ እቲ ዝሞተ ኣካሉ ኣይኰነን ዝትንስእ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ክዛረብ ከሎ ነዚ ኣብሪህዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 15:​35–44) እቶም ምድራዊ ትንሳኤ ረኺቦም ኣብ ገነት ዝነብሩ ሰባትውን ነቲ ቅድሚ ሞቶም ዝነበሮም ኣካል ሒዞም ኣይትንስኡን ኢዮም። እቲ ዝሞተ ኣካሎም ምናልባሽ ተባላሽዩን ሓመድውን ኰይኑን ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜውን ንጥረ ነገር ናይቲ ዝሞተ ኣካሎም ክፍሊ ናይ ካልኦት ህያዋን ኰይኑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኣምላኽ ነቲ ዝሞተ ኣካል ዘይኰነስ ነቲ ዝሞተ ሰብ ኢዩ ዘተንስእ። ነቶም ንሰማይ ዝኸዱ ሰባት ሓድሽ መንፈሳዊ ኣካል ይህቦም። ነቶም ኣብ ምድሪ ንምንባር ዝትንስኡ ሰባት ድማ ሓድሽ ስጋዊ ኣካል ይህቦም። እዚ ሓድሽ ስጋዊ ኣካል እዚ ድማ እቶም ዝፈልጡዎ ሰባት ምእንቲ ኸለልዩዎስ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሞቱ ዝነበሮ መልክዕ ኢዩ ዝወሃቦ።

26. (ሀ) ትንሳኤ ዘገርም ተኣምራት ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ምህዞ ናይ ደቅሰብ ኢዩ ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ንኽዝክር ዝዓበየ ክእለት ከም ዘለዎ ከረድአና ዝኽእል፧

26 ብርግጽ እምበኣር ትንሳኤ ሓደ መስተንክር ዝዀነ ተኣምራት ኢዩ። እቲ ሰብ ብህይወቱ ኸሎ ዝደለቦ ማእለያ ዘይብሉ ተመኩሮታትን ፍልጠትን ብዙሕ ተዘክሮታትን ነይሩዎ ይኸውን። ካብ ካልእ ሰብ እተፈልየ ዝገብሮ ባህሪውን ኣማዕቢሉ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ዝርዝራት እዚ ይዝክሮ ስለ ዝዀነ ከተንስኦ ኸሎ ምስ ኵሉ እቲ ዝነበሮ ምሉእ ገይሩ ኢዩ ዘተንስኦ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ዝትንስኡ ምዉታት ክዛረብ ከሎ:- “ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም” ይብሎም። (ሉቃስ 20:​38) ደቅሰብ ድምጽን ስእልን ናይ ሰባት ይቐርጹ እሞ እቶም እተሳእሉ ሰባት ምስ ሞቱ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ድማ እቶም ሰባት እቲኦም ክዛረቡን ክንቀሳቐሱን ከለዉ ክርእዩዎም ይኽእሉ። የሆዋ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ዝኽሩ ዘለዉ ሰባት እንደገና ህይወት ንክረኽቡ ከተንስኦም ይኽእል ኢዩ: ብርግጽ ድማ ከተንስ​ኦም ኢዩ!

27. ከመይ ዝበለ ሕቶታት ብዛዕባ ትንሳኤ ኢዩ ቀጺሉ ክምለሸልና ዘለዎ፧

27 መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ትንሳኤ ምዉታት ሰብ ኣብ ገነት ብኸመይ ከም ዝነብር ብዙሕ ኢዩ ዘዘንትወልና። ንኣብነት እኳ የሱስ ገለ ሰባት “ናብ ትንሳኤ ህይወት” ገሊኦም ድማ “ናብ ትንሳኤ ፍርዲ” ከም ዝወጹ ተዛሪቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 5:​29) እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ እቶም “ሰናይ ዝገበሩ” ምስ ተንስኡኸ እቲ ኵነታት ካብቶም “እኩይ ዝገበሩ” እተፈልየዶ ክኸውን ኢዩ፧ ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ምስ ኣጽናዕና እዚ ሕቶ እዚ ክምለሸልና ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 167 ዘሎ ስእልታት]

“ብትንሳኤ ከም ዝትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ”

ኤልያስ ወዲ ሓንቲ መበለት ኣተንሲኡ

ኤልሳእ ሓደ ቈልዓ ኣተንሲኡ

ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ዝተንከፈ ሰብ ተንሲኡ

[ኣብ ገጽ 168 ዘሎ ስእሊ]

ብየሱስ ዝተንስኡ ሰባት:-

ወዲ እታ መበለት ጓል ናይን

ኣልኣዛር

ጓል ያኢሮስ

[ኣብ ገጽ 169 ዘሎ ስእሊ]

ካልኦት ዝተንስኡ ሰባት:-

ዶርቃስ

የሱስ ባዕሉ

ኣውጢኮስ

[ኣብ ገጽ 170 ዘሎ ስእሊ]

እታ የሱስ ነቲ ገባር ክፉእ እተመባጽዓሉ ገነት ኣበይ ኢያ፧