ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ስምካ ይቀደስ”—ኣየናይ ስም፧

“ስምካ ይቀደስ”—ኣየናይ ስም፧

“ስምካ ይቀደስ”—ኣየናይ ስም፧

ሃይማኖታዊ ሰብ ዲኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ኴንካ: ልክዕ ከም ካልኦት ሰባት: ብዘይጥርጥር ኣብ ሓደ ዝለዓለ ኣካል ትኣምን ኢኻ። ከምኡውን ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝማሃሮም ናይ ጐይታ ጸሎት: ወይ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝበሃል ኣዝዩ ፍሉጥ ጸሎት ዓቢ ክብሪ ከም ዘሎካ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ጸሎት ከምዚ ኢሉ ይጅምር:- “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ።”​—⁠ማቴዎስ 6:​9

የሱስ ኣብዚ ጸሎት እዚ ‘ምቕዳስ’ ስም ኣም​ላኽ ስለምንታይ መጀመርታ ከም ዝጠቐሶ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ቀጺሉ: ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምዃን ከምኡውን ናይ ሓጢኣትና ይቕረታ ምሕታት ዝኣመሰለ ካልእ ነገራት ኢዩ ጠቒሱ። ናይ​ዞም ዳሕሮት ልመናታት እዚኣቶም መልሲ ማለት ድማ: ኣብ መወዳእታ: ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነባሪ ሰላም ዘምጽእ ንደቅሰብ ከኣ ዘለኣለማዊ ህይ​ወት ከም ዝረኽቡ ዝገብር ኢዩ። ካብዚ ንላ​ዕሊ ዘገድስ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ክትሓስብ ምኸአልካዶ፧ እንተዀነ ግን: የሱስ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ክንጽሊ ኢዩ ነጊሩና።

የሱስ: ሰዓብቱ ንስም ኣምላኽ ኣብ ጸሎቶም መጀመርታ ክጠቕስዎ ዝማሃሮም ብኣጋጣሚ ኣይነበረን። ክጽሊ ከሎ ደጋጊሙ ይጠቕሶ ስለ ዝነበረ: እዚ ስም እዚ ንየሱስ ብሓቂ ዝለዓለ ኣገዳስነት ነይርዎ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኰይኑ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ከሎ “ኣቦ: ንስምካ ኣኽብሮ” ክብል ተሰሚዑ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ ባዕሉ ከምዚ ብምባል መለሰሉ:⁠- “ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ: ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ።”​—⁠ዮሃንስ 12:28

የሱስ ኣብታ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት: ደቀ መዛሙርቱ እናሰምዕዎ ናብ ኣም​ላኽ ይጽሊ ነበረ: ከም ብሓድሽውን ኣገዳስነት ስም ኣምላኽ ከጕልሕ ከሎ ሰምዕዎ። ንሱ ከምዚ በለ:⁠- “ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም።” ጸኒሑ ኸኣ: “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” ብም​ባል ደጊሙ ጸለየ።​—⁠ዮሃንስ 17:​6, 26

ስም ኣምላኽ ንየሱስ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ስም ክቕደስ ክንጽሊ ብምንጋር: ንዓና እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኣየና ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ምእንቲ ክንርድኦ: ስም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይርአ ከም ዝነበረ ክንግንዘብ ከድልየና ኢዩ።

ስም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ

የሆዋ ኣምላኽ ንሰብ ስም ናይ ምውጻእ ባህጊ ከም ዘንበረሉ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ: ኣዳም ዝብል ስም ነበሮ። ኣብቲ ናይ ፍጥ​ረት ታሪኽ: ሓደ ካብቲ ኣዳም ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ነገራት: ንእንስሳታት ስም ምውጻእ ከም ዝዀነ ጸብጻብ ተዋሂብሉ ኣሎ። ኣምላኽ ንኣ​ዳም በዓልቲ ቤት ምስ ሃቦ: ሽዑ ንሽዑ “ሰበ⁠ይቲ” (ብእብራይስጢ: ’ኢሽ·ሻህ ʹ) ኢሉ ጸውዓ። ጸኒሑ ድማ “ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ” ብምባል: ሄዋን ማለት “ህያው” ዝብል ስም ሃባ። (ዘፍጥረት 2:​19, 23፣ 3:⁠20) ሎሚ እውን ከይተረፈ ንሰባት ስም ናይ ምሃብ ልምዲ ኣሎና። ብርግጽ: ብዘይ ስም ከመይ ኢልና ክንነብር ከም እንኽእል ምግማቱ ኣጸጋሚ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ኣብ ግዜ እስራኤላውያን ስም ስቕ ኢልካ ንመጸውዒ ጥራይ ዝወሃብ ኣይነበረን። ዓቢ ቑም ነገር ነይርዎ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ “ሰሓቕ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ናይ ይስ​ሃቅ ስም: ነቲ እቶም ብዕድመ ደፊኦም ዝነ​በሩ ወለዱ ቈልዓ ክወልዱ ምዃኖም ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሰምዑ ዝሰሓቕዎ ሰሓቕ ዘዘክር ኢዩ። (ዘፍጥረት 17:​17, 19፣ 18:⁠12) ናይ ኤሳው ስም ኣካላዊ መለለዪ ዝገልጽ: “ጸጓር” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። እቲ “ቐይሕ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ኤዶም ዝብል ካልኣይ ስሙ ድማ: ንቐይሕ ጸብሒ ብርስን ክብል መሰል ብዅርናኡ ከም ዝሸጠ ዘዘክር ኢዩ። (ዘፍጥረት 25:​25, 30⁠-​34፣ 27:​11፣ 36:⁠1) ያእቆብ: ሽሕ’ኳ ካብቲ ማንታኡ ዝነበረ ኤሳው ሓዉ ብቑሩብ ዝንእስ እንተነበረ: ነቲ መሰል ብዅርና ካብ ኤሳው ዓዲጉ እቲ ንበዅሪ ዝወሃብ በረኸት ካብ ኣቦኡ ተቐበለ። ካብቲ ኣወላልድኡ: ትርጕም ስም ያእቆብ “ኵርዅረ ምሓዝ” ወይ “ተካኢ” ዝብል ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 27:​36) ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ እዋን ግዝኣቱ እስራኤል ሰላምን ብልጽግናን ዘስተማቐረት ሰሎሞን: ትርጕም ስሙ “ሰላማዊ” ኢዩ።​—⁠1 ዜናመዋእል 22:9

ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ዘ ኢላስትረይትድ ባይብል ዲክሸነሪ [እንግሊዝኛ] (ጥራዝ 1 ገጽ 572) ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝገልጽ:⁠- “ብዛዕባ እታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘላ ‘ስም’ እትብል ቃል እተገብረ መጽናዕቲ: ብእብራይስጢ ዝያዳ ትርጕም ከም ዘለዋ ኢዩ ዝሕብር። እቲ ስም ስቕ ኢልካ ዝወሃብ መጸውዒ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ በዚ ስም እዚ ዝጽዋዕ ኣካል ሒዝዎ ዘሎ ናይ ሓቂ ባህርይ ዝውክል ኢዩ።”

ኣምላኽ ስም ኣገዳሲ ገይሩ ከም ዝርእዮ ዘረጋግጽ: ብሓደ መልኣኽ ገይሩ ነቶም ወለዲ ዮሃ​ንስ መጥምቕን የሱስን ክዀኑ ዝነበሮም ሰባት ስም ደቆም እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ነገሮም። (ሉቃስ 1:​13, 31) ከምኡውን ሰባት ኣብ ዕላማኡ ክህልዎም ዘለዎ ግደ ንምሕባር: ሓድ​ሓደ ግዜ ስም ቀይሩ: ወይ ድማ ንሰባት ተወሳኺ ስም ሂብዎም ኢዩ። ንኣብነት: ኣምላኽ ንኣገልጋሊኡ ኣብራም (“ኣቦ ኽብረት”): ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክኸውን ምዃኑ ኣቐዲሙ ምስ ተዛረበ: ስሙ ናብ ኣብርሃም (“ኣቦ ብዙሓት”) ቀየረሉ። ከምኡውን በዓልቲ ቤቱ ንኣብርሃም ኣደ ዘርኢ ኣብርሃም ክትከውን ስለ ዝነበራ: ነቲ ሳራይ (“ተኸራኻሪት”) ዝብል ትርጕም ዝነበሮ ስማ: ናብ ሳራ (“ልዕልቲ”) ቀየሮ።​—⁠ዘፍጥረት 17:​5, 15, 16፣ ምስ ዘፍጥረት 32:​28፣ 2 ሳሙኤል 12:⁠24, 25 ኣረኣእዮ።

የሱስ እውን ነቲ ስም ዘለዎ ኣገ⁠ዳ⁠ስ⁠ነት ኣፍ​ልጦ ሂብሉ ኢዩ: ንጴጥሮስ ናይ ኣገልግሎት መሰል ክህቦ ከሎ ድማ ብስሙ ጸዊዕዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 16:​16⁠-​19) መንፈሳውያን ፍጡራት እውን ከይተረፈ ስም ኣለዎም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ክልተ መላእኽቲ ገብርኤልን ሚካኤልን ኢዮም። (ሉቃስ 1:​26፣ ይሁዳ 9) ሰብ እውን ንኸም ከዋኽብቲ: ፕላኔታት: ከተማታት: ኣኽራን ከምኡውን ኣፍላጋት ዝኣመሰሉ ህይወት ዘይብሎም ነገራት ስም ከውጽኣሎም ከሎ ፈጣሪኡ ዝገበሮ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንዅሎም ከዋኽብቲ በብስሞም ከም ዝጽውዖም ይነግረና ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 40:⁠26

እወ: ስም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲ ኢዩ: ከምኡውን ንሰባትን ንነገራትን በብስሞም ገይርካ ናይ ምጽዋዕ ባህጊ ኣብ ውሽጢ ሰብ ኣሕዲሩ ኢዩ። ስለዚ: መላእኽቲ: ሰባት: እንስሳታት: ከምኡውን ከዋኽብትን ካልኦት ህይወት ዘይብሎም ነገራትን ስም ኣለዎም። እቲ ፈጣሪ ናይዚ ዅሉ ነገራት እዚኸ ንገዛእ ርእሱ ብዘይ ስም ክሓድጋስ ዝሰማማዕ ድዩ፧ ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ: ብፍላይ ድማ ብቓላት ናይቲ “ኵሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ [ናይ ኣምላኽ] ንዘለኣለመ ኣለም ይባርኾ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ክርአ ከሎ ኣይሰማማዕን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 145:⁠21

ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ [እንግሊዝኛ] (ጥራዝ 2 ገጽ 649) ከምዚ ይብል:⁠- “ሓደ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጸልና ኣዝዩ መሰረታውን ኣድላ⁠ይን ዝዀነ ነገራት: ኣምላኽ ስም ዘለዎ ምዃኑ ኢዩ:- ብእኡ ገይርካ ክትጽውዖን ክትልምኖን ዝከኣል ብሕታዊ ስም ኣለዎ።” የሱስ ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ክጽልዩ ክምህሮም ከሎ: ብርግጽ እዚ ስም እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:​9 (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)

ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ: ስም ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ብርግጽ ኣገ​ዳሲ ኢዩ። ንስኻኸ ናይ ኣምላኽ ብሕታዊ ስም ትፈልጦዶ ኢኻ፧

ስም ኣምላኽ መን ኢዩ፧

እቲ ዘገርም: ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝ​ጸሩ ኣባላት ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ኣብ⁠ያተ⁠-ክር​ስትያናት: ነዚ ሕቶ እዚ ክምልሱ ኣሸ​ጋሪ ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ገሊኣቶም ስም ኣም​ላኽ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ይብሉ። እንተዀነ ግን: የሱስ “ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም” ክብል ከሎ ናብ ሓደ ካልእ ኣካል ኢዩ ዝጽሊ ነይሩ። (ዮሃንስ 17:6 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ልክዕ ከምቲ ውሉድ ንኣቦኡ ዝዛረቦ: ናብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣምላኽ ኢዩ ዝጽሊ ነይሩ። (ዮሃንስ 17:​1) እቲ ‘ክቕደስ’ ዘለዎ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ስም ኢዩ ነይሩ።

እንተዀነ ግን: መብዛሕትኡ ዘመናዊ መጽ​ሓፍ ቅዱሳት እዚ ስም እዚ የብሉን: ኣብ ኣብ​ያተ⁠-ክርስትያናት ድማ ስሕት ኢልካ ኢዩ ዝዝ​ውተር። በዚ ምኽንያት እዚ: እቲ ስም ኣብ ክንዲ ‘ዝቕደስ’ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጠፊእዎም ኢዩ ዘሎ። ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ ዝምልከት ዝገበርዎ ነገር ንምፍላጥ ከም ኣብነት: ኣብ መዝሙር 83:​18 ዘላ ሓንቲ ጥቕሲ ጥራይ እስከ ርአ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ኣርባዕተ እተፈላለየ መጽሓፍ ቅዱሳት ብኸመይ ከም እተተርጐመት ቀጺሉ ተገሊጹ ኣሎ:-

“ንስኻ: ጐይታ ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ።” (ናይ 1952 ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርዥን [እንግሊዝኛ])

“ዎ ዘለኣለማዊ: ንስኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ኣዚኻ ልዑል ኣምላኽ ምዃንካ ምእንቲ ክትምህሮም።” (ኤ ኒው ትራንዝለሽን ኦቭ ዘ ባይብል: [እንግሊዝኛ] ብጀምስ ሞፋት ናይ 1922 ትርጕም)

ንስኻ በይንኻ ያህወህ ዝብል ስም ዝሓዝካ: ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ድማ ኣዚኻ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።” (ጀሩሳሌም ባይብል [እንግሊዝኛ] ናይ 1966 ናይ ካቶሊክ ትርጕም)

“ንስኻ የሆዋ ዝስምካ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ ሰባት ይፍለጡ።” (ኣውቶራይዝድ ወይ ኪንግ ጀምስ ቨርዥን [እንግሊዝኛ] ናይ 1611 ትርጕም)

ኣብዚ ትርጕማት እዚ ስም ኣምላኽ እተፈላለየ መልክዕ ዝሓዘ ስለምንታይ ኢዩ፧ ስሙ ጐይታ: ዘለኣለማዊ: ያህወህ: ወይ የሆዋ ድዩ፧ ወይስ ኵሉ እዚ ስም እዚ ቅቡል ኢዩ፧

ነዚ ምእንቲ ክንምልስ: መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርታ ብእንግሊዝኛ ከም ዘይተጻሕፈ ክንዝክር ኣሎና። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እብራውያን ኢዮም ነይሮም: ዝበዝሕ ድማ በቲ ኣብ ግዜኦም ልሙድ ዝነበረ ናይ እብራይስጥን ግሪ​ኽን ቋንቋታት ኢዮም ጽሒፎምዎ። መብዛሕትና ኸኣ ነዞም ጥንታውያን ቋንቋታት እዚኣቶም ኣይንፈልጦምን ኢና። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ብዙሕ ዘመናዊ ቋንቋታት ተተርጒሙ ኢዩ: ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ምስ እን​ደሊ ድማ ነዚ ትርጕማት እዚ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

ክርስትያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ክብሪ ኣለዎም: ‘[“ኵሉ ቅዱስ:” NW ] ጽሑፍ መን​ፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ’ ምዃኑ ድማ ብልክዕ ይኣምኑ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:​16) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓም ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ። ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ንገለ ካብቲ ትሕዝቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝቕይር ወይ ድማ ገለ ኻብኡ ዘትርፍ እንተድኣ ኰይኑ: ኣብቲ መን​ፈስ ዝነፈሶ ቃል ጠልቀፍቀፍ ኢዩ ዝብል ዘሎ። ንኸምዚ ዝበለ ሰብ እቲ “ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ: ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ: ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይ⁠ወትን እታ ቕድስቲ ኸተማን ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ መጠንቀቕታ ኣብኡ ይውዕል ኢዩ።​—ራእይ 22:​18, 19፣ ከምኡውን ዘዳግም 4:⁠2 ርአ።

መብዛሕትኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይጥርጥር ንመጽሓፍ ቅዱስ የኽብርዎ: ኣብዚ ዘመናዊ መዋእል ርዱእ ከም ዝኸውን ንምግባሩ ድማ ብቕንዕና ይደልዩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ተርጐምቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተደረኹ ኣይኰኑን። መብዛሕትኦም እውን ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ጽኑዕ ኣረኣእያ ዘለዎም: ብብሕታዊ ሓሳ⁠ባ⁠ትን ምርጫታትን ድማ ክጽለዉ ዝኽእሉ ኢዮም። ፍርዲ ኣብ ምሃብ ከኣ ሰብኣዊ ጕድለት ወይ ጌጋ ክፍጽሙ ይኽእሉ ኢዮም።

ስለዚ: ገለ ኣገደስቲ ዝዀኑ ሕቶታት ክንሓትት መሰል ኣሎና:⁠- ናይ ሓቂ ስም ኣም​ላኽ መን ኢዩ፧ እተፈላለዩ ትርጕማት መጽ​ሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ እተፈላለየ ስም ዝሃብዎኸ ስለምንታይ ኢዮም፧ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም መልሲ ምስ ረኸብና: ናብቲ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዝብል ናይ መጀመርታ ሕቶና ክንምለስ ንኽ​እል ኢና።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መላእኽቲ: ሰባት: እንስሳታት: ከምኡውን ከዋኽብትን ካልኦት ህይወት ዘይብሎም ነገራትን ስም ኣለዎም። እቲ ናይዚ ዅሉ ነገራት እዚ ፈጣሪ ንገዛእ ርእሱ ብዘይ ስም ክሓድጋስ ዝሰማማዕ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሱስ ንስም ኣምላኽ ኣብ ጸሎቱ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ ስለ ዝነበረ ንዕኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ