ስም ኣምላኽ ከምኡውን “ሓድሽ ኪዳን”
ስም ኣምላኽ ከምኡውን “ሓድሽ ኪዳን”
ስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ማለት “ብሉይ ኪዳን:” ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ነቕ ዘይብል ኢዩ። ኣይሁድ ኣብ መወዳእታ ምድማጹ ኣቋሪጾም እኳ እንተ ነበሩ: ሃይማኖታዊ እምነታቶም ግን ናይቲ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ቅዳሓት ከዳልዉ ከለዉ ነቲ ስም ከውጽእዎ ይኽልክሎም ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ: ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ስም ንላዕሊ ስም ኣምላኽ ብብዝሒ ሒዙ ዝርከብ።
ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ማለት “ሓድሽ ኪዳን” ግን: እቲ ኵነታት እተፈልየ ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ራእይ (እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ) ኢደ-ጽሑፋት “ያህ” ዝብል ሓጺር ኣጸሓሕፋ (ናይታ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል) ስም ኣምላኽ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ብዘይካ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ: እቲ ሎሚ ዘሎ ካብ ማቴዎስ ክሳዕ ራእይ ዝሓዘ ናይ ጥንታዊ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፍ ብምሉኡ ስም ኣምላኽ የብሉን። እዚ ግን እቲ ስም ኣብኡ ክህሉ የብሉን ማለት ድዩ፧ ነቲ ሰዓብቲ የሱስ ንኣገዳስነት ስም ኣምላኽ ሂቦምዎ ዝነበሩ ኣፍልጦ: ከምኡውን የሱስ ስም ኣምላኽ ክቕደስ ክንጽሊ ምምሃሩ ርኢኻ እቲ ስም ዘይምህላዉ ዘገርም ኢዩ። እንታይከ ተፈጸመ፧
ነዚ ምእንቲ ክትርድኦ: እቲ ሎሚ እንጥቀመሉ ዘሎና ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እቲ በዅሪ ጽሑፋት ከም ዘይኰነ ዘክር። እቲ ቐጥታ ብማቴዎስ: ሉቃስ ከምኡውን ብኻልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ብዙሕ ስለ እተዓየየሉ ኣዝዩ ኣሪጉ ኢዩ። ስለዚ: ቅዳሓት ተዳለወ: እዚ ቅዳሓት እዚ ምስ ኣረገ ድማ ካብኡ ካልእ ቅዳሓት ተዳለወ። እቲ ቅዳሓት ንኽዕቀብ ዘይኰነስ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ተባሂሉ ስለ እተዳለወ ከምዚ ክኸውን ኢና እንጽበዮ።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቅዳሓት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ሎሚ ይርከቡ ኢዮም: ይኹን እምበር መብዛሕትኦም ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና ወይ ድማ ድሕሪኡ እተዳለዉ ኢዮም። እዚ ድማ: ቅድሚ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ካብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ገለ ንስም ኣምላኽ ከም ዘይዝውተር ዝገብር ነገር ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ዝብል ምጥርጣር ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ገለ ነገር ከም እተፈጸመ ጭብጥታት የረጋግጽ ኢዩ።
እቲ ስም ነይሩ ኢዩ
ሃዋርያ ማቴዎስ ንስም ኣምላኽ ኣብቲ ወንጌሉ ከም ዘእተዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ መጀመርታ ነታ ወንጌሉ ብቛንቋ እብራይስጢ ኢዩ ጽሒፍዋ ነይሩ። ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን: እቲ ናይ ላቲን ቩልጌት ዝተርጐመ ጀሮም ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበ:- “እቲ ሃዋርያ ዝዀነ ተጋዊ: ሌዊ እውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ማቴዎስ: ቅድሚ ዅሉ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኰይኑ ናይ የሱስ ወንጌል ብቛንቋ እብራይስጢ ኣዳለወ። . . . ድሕርዚ ብቛንቋ ግሪኽ መን ከም ዝተርጐማ ዝገልጽ እኹል መረጋገጺ የልቦን። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ጽሑፍ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ናይ ቂሳርያ ቤተ-መጻሕፍቲ ተዓቂቡ ኣሎ።”
ማቴዎስ ብቛንቋ እብራይስጢ ስለ ዝጸሓፈ: ብፍላይ ካብቲ ስም ኣምላኽ ዝሓዘ ናይ “ብሉይ ኪዳን” ክፍልታት ክጠቅስ ከሎ ስም ኣምላኽ ኣይተጠቕመን ምባል ዘይሕሰብ ኢዩ። ይኹን እምበር: ካልኦት ጸሓፍቲ ናይቲ ካልኣይ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ: ዓለም ምሉእ ከም ዘንብቦ ገይሮም በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣህጉራዊ ቋንቋ ዝነበረ ግሪኽ ጸሓፍዎ። ስለዚ: ካብቲ ናይ መጀመርታ ብቛንቋ እብራይስጢ እተዳለወ ጽሑፋት ዘይኰነስ: ካብቲ ናይ ግሪኽ ትርጕም ሰብዓ-ሰገድ ኢዮም ዝጠቕሱ ነይሮም። ጸኒሑ: ናይ ማቴዎስ ወንጌል እውን ከይተረፈት ብቛንቋ ግሪኽ ተተርጒማ ኢያ። ኣብዚ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ጽሑፋትሲ ስም ኣምላኽ ነይሩዶ፧
ገለ ገለ ካብቲ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ናይ ትርጕም ሰብዓ-ሰገድ ኣዝዩ ዝኣረገ ቍርጽራጻት ክሳዕ እዚ ግዜና ጸኒሑ ኢዩ: ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብቲ ቍርጽራጻት እቲ ምህላዉ ድማ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ኢዩ። ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ [እንግሊዝኛ] (ጥራዝ 2 ገጽ 512) ከምዚ ይብል:- “ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተረኽበ ጽሑፋት: እቶም ነቲ [ሰብዓ-ሰገድ ] ዘዳለዉ ሰባት ነቲ ያህወህ ዝብል ቴትራግራማተን ክርዮስ ኢሎም ተርጒሞምዎ ኢዮም ዝበሃል ኣተሓሳስባ ከም እትጠራጠረሉ ዝገብር ኢዩ። እቲ ሎሚ ዘሎ ናይ ጥንቲ ናይ ሰብዓ-ሰገድ ኢደ-ጽሑፋት (ቍርጽራጻት): ኣብቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ ብናይ እብራይስጢ ፊደላት እተጻሕፈ ቴትራግራማተን ሒዙ ይርከብ ኢዩ። እዚ በቶም ኣብቲ ናይ መጀመርታ ክፍለ-ዘበናት ጸኒሖም ዝመጹ ንብሉይ ኪዳን ዝተርጐሙ ኣይሁዳውያን ተርጐምቲ እተዓቀበ ልምዲ ኢዩ ነይሩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እምበኣር: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ንቕዱሳት ጽሑፋት ብእብራይስጢ ይኹን ብግሪኽ የንብብዎ ብዘየገድስ: ነቲ መለኮታዊ ስም ይረኽብዎ ነይሮም ኢዮም።
ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ናይ ጆርጂያ ዩኒቨርሲቲ: ሕ.መ.ኣ. ፕሮፌሰር ጆርጅ ሃዋርድ እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ዝሃበ:- “እቲ እዛ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቤተ-ክርስትያን እትጥቀመሉን እትጠቕሶን ሰብዓ-ሰገድ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ መለኮታዊ ስም ዝሓዘ እንተድኣ ኰይኑ: እቶም ናይ ሓድሽ ኪዳን ተርጐምቲ ነቲ ቴትራግራማተን ኣብቲ ጥቕስታቶም ከም ዘእተውዎ ዘጠራጥር የብሉን።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) [ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው: (እንግሊዝኛ) መጋቢት 1978 ገጽ 14] ካብዚ እተፈልየ ነገር ክገብሩስ እንታይ ስልጣን ክህልዎም ይኽእል፧
ስም ኣምላኽ ኣብቲ ናይ ግሪኽ ትርጕማት ዝዀነ “ብሉይ ኪዳን” ንነዊሕ እዋን ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ መጀመርታ መፋርቕ ናይ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.: እቲ ኣይሁዳዊ ጵሮሰሊት ኣኲላ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ሓድሽ ትርጕም ኣዳለወ: ኣብዚ ትርጕም እዚ ድማ ንስም ኣምላኽ ብጥንታዊ ፊደላት እብራይስጢ ገይሩ በቲ ቴትራግራማተን ተክኦ። ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን: ኦሪገን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብቲ ኣዝዩ ቅኑዕ ዝዀነ ኢደ-ጽሑፋት እቲ ስም ብናይ እብራይስጢ ፊደላት ተጻሒፉ ይርከብ ኢዩ: እንተዀነ ግን በቲ ኣዝዩ ጥንታዊ ዝዀነ ድኣ’ምበር በቲ ሎሚ ዘሎ ናይ እብራይስጢ [ፊደላት] ኣይርከብን ኢዩ።”
ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን እውን ከይተረፈ: ጀሮም ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ሳሙኤልን ነገስትን መቅድም ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብ ገለ ክሳዕ ሎሚ እውን ከይተረፈ ዘሎ ናይ ግሪኽ ጥራዛት ብጥንታዊ ፊደላት ተገሊጹ ዝርከብ ስም ኣምላኽ: ማለት ቴትራግራማተን [יהוה] ንረክብ ኢና።”—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ናይቲ ስም ካብ ቦታኡ ምውጻእ
ይኹን እምበር: ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ብየሱስ ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ ክሕደት ይዓዪ ብምንባሩ: እቲ ስም ኣብቲ ኢደ-ጽሑፋት እኳ እንተ ነበረ: ብእኡ ምጥቃም ግን በብቑሩብ እናጐደለ ኸደ። (ማቴዎስ 13:24-30፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ኣብ መወዳእታ: ብዙሓት ኣንበብቲ እቲ ስም እንታይ ከም ዝነበረ እውን ከይተረፈ ክፈልጥዎ ኣይከኣሉን: ጀሮም ድማ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ኵነታት ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ሓድሓደ ደንቆሮታት እቲ ፊደላት ተመሳሳሊ ብምንባሩ: ነቲ [ቴትራግራማተን ] ኣብ ናይ ግሪኽ መጻሕፍቲ ምስ ረኸብዎ ΠΙΠΙ (ብቛንቋ ግሪኽ “ፒፒ”) ኢሎም ከንብብዎ ጀመሩ።”—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ኣብቲ ዳሕረዋይ ቅዳሓት ናይ ሰብዓ-ሰገድ: ስም ኣምላኽ ወጸ: ከም “ኣምላኽ” (ቴዮ·ስʹ) ከምኡውን “ጐይታ” (ኪʹሪ·ዮስ) ብዝኣመሰለ ካልእ ቃላት ተተክአ። እዚ ከም እተገብረ ንፈልጥ ኢና: ምኽንያቱ እቲ ስም ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ቅድም ቍርጽራጽ ሰብዓ-ሰገድ ከምኡውን ልክዕ እዚ ክፍሊ ናይ ሰብዓ-ሰገድ ዝዀነ ጽሑፍ ዝሓዘ: እሞ ኸኣ ስም ኣምላኽ ዘይብሉ ዳሕረዋይ ቅድሓት ኣሎ።
ነቲ “ሓድሽ ኪዳን” ወይ ድማ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እውን ልክዕ ከምዚ ኢዩ ኣጋጢምዎ። ፕሮፌሰር ጆርጅ ሃዋርድ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ትርጕም ሰብዓ-ሰገድ እቲ ናይ ቋንቋ ግሪኽ መተካእታ ክኣቱ ተባሂሉ እቲ ናይ እብራይስጢ ኣጸሓሕፋ ናይቲ መለኮታዊ ስም ምስ ወጸ: ካብቲ ካብ ትርጕም ሰብዓ-ሰገድ እተጠቕሰ ጥቕስታት ሓድሽ ኪዳን እውን ወጸ። . . . ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ሓድሓደ ስም ተሓዊሱ ብምእታው ወይ በቶም ምሁራት ጥራይ ክዝከር እንተ ዘይኰይኑ ካብቲ ናይ ኣህዛብ ቤተ-ክርስትያን ጠፍአ።”
ስለዚ: ኣይሁድ ንስም ኣምላኽ ምጽውዑ ክኣብዩ ከለዉ: እታ ከሓዲት ናይ ክርስትና ቤተ-ክርስትያን ድማ ካብቲ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋት ዝዀነ ክልቲኡ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ካልእ ቋንቋ ትርጕማትን ኣውጽኣቶ።
ናይቲ ስም ኣድላይነት
ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: ኣብ መወዳእታ እቲ ስም ኣብ ብዙሕ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ትርጕማት ኣትዩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት
ግሪኽከ፧ ሓቂ ኢዩ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጐምትን ተማሃሮን: ብዘይ ስም ኣምላኽ ንገለ ገለ ክፍልታት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብግቡእ ክትርድኦም ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምዃኑ ተገንዘቡ። ናይቲ ስም ምምላስ ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹርን ዝርዳእን ኣብ ምግባር ዓቢ ሓገዝ ዘለዎ ኢዩ።ንኣብነት: እቲ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ዝበሎም ቃላት ከምቲ ኣብ ኣውቶራይዝድ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ተጻሒፍዎ ዘሎ እስከ ርአ:- “ስም ጐይታ ዝጽውዕ ዘበለ ዅሉ ክድሕን ኢዩ።” (ሮሜ 10:13) ምእንቲ ክንድሕን ናይ መን ስም ኢና ክንጽውዕ ዘሎና፧ የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ “ጐይታ” ተባሂሉ ስለ ዝጽዋዕ ከምኡውን ሓደ ጥቕሲ “ብጐይታ የሱስ እመን እሞ: ክትድሕን ኢኻ” እውን ስለ ዝብል: ጳውሎስ ኣብዚ ብዛዕባ የሱስ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢልና ክንድምድምዶ ንኽእል፧—ግብሪ ሃዋርያት 16:31 ኣውቶራይዝድ ቨርሽን
ኣይፋልናን: ከምኡ ኢልና ክንድምድም የብልናን። ኣብ ኣውቶራይዝድ ቨርሽን ዘሎ ናይ ሮሜ 10:13 ናይ ሕድጋት መወከሲ ናብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝርከብ ዮኤል 2:32 ይሕብረና። ነቲ መወከሲ እቲ እንተድኣ ርኢኻዮ: ጳውሎስ ኣብቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ነቲ ናይ ዮኤል ቃላት ከም ዝጠቐሶ ክትርዳእ ኢኻ፣ እቲ ዮኤል ኣብቲ በዅሪ ቋንቋ እብራይስጢ ዝበሎ ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” ‘NW ’] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” እወ: ጳውሎስ ከምዚ ክብል ከሎ ስም የሆዋ ክንጽውዕ ኣሎና ማለቱ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: ኣብ የሱስ ክንኣምን እኳ እንተሎና: ድሕነትና ዝያዳ ምስቲ ንስም ኣምላኽ ዘሎና ግቡእ ምርዳእ እተተሓሓዘ ኢዩ።
እዚ ኣብነት እዚ ስም ኣምላኽ ካብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ምውጽኡ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እንታይነት የሱስን የሆዋን ንኽደናገሩ ክሳዕ ክንደይ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ዘርኢ ኢዩ። ብዘይጥርጥር: ንምዕባለ ሰረተ-እምነት ስላሴ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ!
እቲ ስም ኣብ ቦታኡ ክምለስ ኣለዎዶ ኢዩ፧
እቶም ሕጂ ዘለዉ ኢደ-ጽሑፋት ስም ኣምላኽ ዘይብሎም እኳ እንተዀኑ: ሓደ ተርጓሚ ነቲ ስም ናብ ቦታኡ ክመልሶ መሰል ኣለዎዶ፧ እወ: መሰል ኣለዎ። መብዛሕትኦም ናይ ቋንቋ ግሪኽ መዝገበ-ቃላት እቲ “ጐይታ” ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበዝሕ ግዜ ንየሆዋ ከም ዘመልክት ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኤ ግሪክ ኤንድ ኢንግሊሽ ሌክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት [እንግሊዝኛ–ግሪኽኛ] እተባህለ (ብ1859 እተሓትመ) ናይ ሮቢንሰን መጽሓፍ: ኣብ ትሕቲ እታ ኪʹር·ዮስ (“ጐይታ”) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ከም ዝለዓለ ጐይታ ከምኡውን ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ገዛኢ መጠን ኣምላኽ ማለት ኢያ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትርጕም ሰብዓ-ሰገድ ነቲ ናይ እብራይስጢ יהוה ዝብል የሆዋ እተመልክት ኢያ” ብምባል ይዛረብ። ስለዚ: ኣብቲ ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ካብ ናይ ቅድም ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቒሶምሉ ዘለዉ ቦታታት: እቲ ተርጓሚ ነታ ኪʹር·ዮስ
እትብል ቃል ኣብቲ ብዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ እተረኽበሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ “የሆዋ” ኢሉ ክትርጕማ መሰል ኣለዎ።ብዙሓት ተርጐምቲ ከምዚ ገይሮም ኢዮም። እንተ ወሓደ ካብ መበል 14 ክፍለ-ዘበን ኣትሒዙ: ካብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ብዙሕ ዝቝጽሮም ናይ እብራይስጢ ትርጕማት ተዳልዮም ኢዮም። እቶም ተርጐምቲ ካብቲ ስም ኣምላኽ ዘለዎ “ብሉይ ኪዳን” እተጠቕሰ ጥቕሲ ክረኽቡ ከለዉ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም፧ መብዛሕትኡ ግዜ: ነቲ ስም ኣምላኽ ናብቲ ቦታኡ ክመልስዎ ከም ዘለዎም ተሰሚዕዎም ኢዩ። ካብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ናብ እብራይስጢ እተገብረ ክፋል ወይ ምሉእ ትርጕማት መብዛሕትኡ ስም ኣምላኽ ዝሓዘ ኢዩ።
ብዘመናዊ ቋንቋታት እተዳለዉ ትርጕማት: ብፍላይ ድማ እቶም ሚስዮናውያን ዝጥቀምሎም ዝነበሩ ትርጕማት: ነዚ ኣብነት እዚ ኢዮም ስዒቦም። ስለዚ ድማ ኢዩ: ብዙሕ ብናይ ኣፍሪቃ: ኤስያ: ኣመሪካ ከምኡውን ናይ ፓስፊክ-ኣይላንድ ቋንቋታት እተዳለወ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ናጻ ዀይኑ ዝጥቀመሉ: በዚ ኸኣ ኣንበብቲ ኣብ መንጎ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽን ናይ ሓሶት ኣማልኽትን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ክርድእዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ስም ኣብቲ ብናይ ኣውሮጳ ቋንቋታት እተዳለወ ትርጕማት እውን ይርከብ ኢዩ።
ሓደ ካብቶም ተቢዑ ግቡእ ሓላፍነት ብምውሳድ ንስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ዝመለሰ ትርጕም: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኢዩ። እዚ ንእንግሊዝኛ ሓዊስካ ኣብዚ እዋን እዚ ብ13 ዘመናዊ ቋንቋታት ክርከብ ዝኽእል ትርጕም: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተጠቒሱ ኣብ ዝረኸበሉ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ መሊስዎ ኢዩ። ኵሉዅሉ: እቲ ስም ኣብቲ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ብቑዕ መሰረት ብምርካብ 237 ግዜ ይርከብ ኢዩ።
ነቲ ስም ዘጋጠሞ ምጽራር
ብዙሓት ተርጐምቲ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምላስ እኳ እንተጸዓሩ: ነቲ ስም እቲ ንምውጻእ ኵሉ ግዜ ሃይማኖታዊ ጸቕጢ የጋጥም ነይሩ ኢዩ። ኣይሁድ ካብ መጽሓፍ ቅዱሳቶም እኳ እንተ ዘየውጽእዎ: ምጽውዑ ኣብዮም ኢዮም። እቶም ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ክፍለ-ዘበናት ዝነበሩ ከሓድቲ ክርስትያናት ነቲ ብቛንቋ ግሪኽ እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት ክቐድሑ ከለዉ ነቲ ስም ኣውጽእዎ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ከዳልዉ ከለዉ ድማ ነቲ ስም ኣየእተውዎን። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ዘመናውያን ተርጐምቲ: እቲ ዘዳለውዎ ትርጕም ኣብቲ እቲ ስም ዳርጋ 7,000 ግዜ ዝርከበሉ በዅሪ ቋንቋ እብራይስጢ እተመስረተ እኳ እንተዀነ ኣውጺኦምዎ ኢዮም። (ኣብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ሕታም 1984: እቲ ስም 6,973 ግዜ ይርከብ።)
የሆዋ ነቶም ስሙ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘውጽኡ ሰባት ብኸመይ ይርእዮም፧ ንስኻ ደራሲ ነይርካ እንተ ትኸውን: ብዛዕባ ሓደ ካብቲ ባዕልኻ ዝደረስካዮ መጽሓፍ ስምካ ክሳዕ ምውጻእ ዝደፍር ሰብ ከመይ ምተሰምዓካ፧ እቶም ብናይ ኣደማምጻ ግድል ወይ ልምዲ ኣይሁድ ኣሳቢቦም ነቲ ስም ዝጻረሩ ተርጐምቲ: ምስቶም የሱስ “ቃርማ እተጽርዩ: ገመል ከኣ እትውሕጡ” ዝበሎም ሰባት ክመሳሰሉ ይኽእሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 23:24) በዚ ንኣሽቱ ግድላት ተዓንቂፎም: እንተዀነ ግን ንስም ናይቲ ኣብዚ ኣድማስ እዚ ዝዓበየ ኣካል ካብቲ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ መጽሓፍ ብምውጽኦም: ከቢድ ግድል ፈጠሩ።
እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ ኣምላኽ: እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍ፧ ጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧” ብምባል ጸሓፈ።—መዝሙር 74:10
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]
“እቲ ጐይታ” —መተካእታ ናይ “የሆዋ” ድዩ፧
ነቲ ፍሉይ ዝዀነ ናይ ብሕቲ ስም ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጺእካ ብኸም “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ዝኣመሰለ መዓርጋት ምትካእ: ነቲ ጽሑፍ ብብዙሕ መገድታት ድኹምን ዘየዕግብን ኢዩ ዝገብሮ። ንኣብነት: ናብ ትርጕም ዘይብሉ ናይ ቃላት ምትሕውዋስ ይመርሕ ኢዩ። ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ) ኣብቲ መእተዊኡ ከምዚ ይብል:- “ ‘እቲ ጐይታ ኣምላኽ ኢዩ’ ምባል ብርግጽ ኮለል [ዘየደሊ: ወይ ትርጕም ዘይብሉ ምድግጋም ኢዩ]: ‘ያህወህ ኣምላኽ ኢዩ’ ምባል ግን ከምኡ ኣይኰነን።”
ከምዚ ዝኣመሰለ መተካእታታት ምጥቃም ርዱእ ናብ ዘይኰነ ሓረጋት እውን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢያ: ኣብ ኣውቶራይዝድ ቨርሽን መዝሙር 8:9 ከምዚ እትንበብ:- “ዎ ጐይታ ጐይታና: ስምካስ ኣብ ኵላ ምድሪ ክሳዕ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ!” ከምዚ ዝበለ ጽሑፍ በቲ የሆዋ ዝብል ስም ምስ ዝትካእ ናይቲ ጥቕሲ ትርጕም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣዝዩ ርዱእ ኢዩ ዝኸውን! በዚ ኸኣ: ያንግስ ሊተራል ትራንስለሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ባይብል (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትንበብ:- “የሆዋ ጐይታና: ስምካስ ኣብ ኵላ ምድሪ ክሳዕ ክንደይ ክቡር ኰን ኢዩ!”
ነቲ ስም ምውጻእ ናብ ምድንጋር እውን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። መዝሙር 110:1 ከምዚ ትብል:- “ጐይታ ንጐይታይ: ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ: በሎ።” መን ንመን ኢዩ ዝዛረቦ ዘሎ፧ እቲ ትርጕም “የሆዋ ንጐይታይ ‘ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ” እንተ ዝኸውንስ እቲ ሓሳባት ክሳዕ ክንደይ ንጹር ኰን ምዀነ።—ትርጕም ሓዳስ ዓለም።
ብተወሳኺ ነቲ “የሆዋ” ዝብል ብ“ጐይታ” ምትካእ ማለት: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ መሰረታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር: ማለት ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምውጻእ ማለት ኢዩ። ዘ ኢላስትረይትድ ባይብል ዲክሸነሪ [እንግሊዝኛ] (ጥራዝ 1 ገጽ 572) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ንጹር ብዝዀነ ኣዘራርባ: ያህወህ እንኮ ‘ስም’ ኣምላኽ ኢዩ።”
ዘ ኢምፔርያል ባይብል-ዲክሸነሪ [እንግሊዝኛ] (ጥራዝ 1 ገጽ 856) ነቲ ኣብ መንጎ “ኣምላኽ” (ኤሎሂም) ከምኡውን “የሆዋ” ዘሎ ፍልልይ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “[የሆዋ] ነቲ ብሕታዊ ኣምላኽ ንበይኑ ጥራይ ብምምልካት: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ናይ ብሕቲ ስም ኢዩ፣ ኤሎሂም ግን ብርግጽ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓባር ስም እምበር: ግድን ወይ ድማ ኵሉ ግዜ ነቲ ልዑል ዘመልክት ኢዩ ማለት ኣይኰነን።”
ጀይ. ኤ. ሞትየር ናይቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ትሪኒቲ ኮለጅ ዳይረክተር ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበ ከሎና: ክንዮ እቲ ብሕታውን ቀንድን ስም ኣምላኽ ንምትካእ ተባሂሉ ዝኣተወ ቃል [ጐይታ ወይ ኣምላኽ] ምርኣይ እንተድኣ ረሲዕና: ብዙሕ ነገራት ይጐድለና ኢዩ። ኣምላኽ ንህዝቡ ስሙ ብምንጋር: ነቲ ውሽጣዊ ባህሪኡ ክገልጸሎም ኢዩ ደልዩ ነይሩ።”—ኤርድማንስ ሃንድቡክ ቱ ዘ ባይብል [እንግሊዝኛ] ገጽ 157
ዝዀነ ይኹን ሰብ ንሓደ ፍሉይ ናይ ብሕቲ ስም ተራ መዓርግ ብምሃብ ክትርጕሞ ኣይክእልን ኢዩ። መዓርግ: ነቲ ምሉእን ዓብን ትርጕም ናይቲ በዅሪ ስም ኣምላኽ ፈጺሙ ከመሓላልፎ ኣይክእልን ኢዩ።
[ሳጹን/ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]
እዚ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ከምኡውን ዘካርያስ 8:19-21፣ 8:23-9:4 ዝሓዘ: ናይ ሰብዓ-ሰገድ ቍራጽ (ብየማን ዘሎ): ኣብ የሩሳሌም ቤተ-መዘክር እስራኤል ዝርከብ ኢዩ። ስም ኣምላኽ ኣብኡ ኣርባዕተ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ: ሰለስተ ካብኡ ድማ ኣብዚ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኣለክሳንደርያ ኢደ-ጽሑፍ (ብጸጋም ዘሎ): 400 ዓመታት ጸኒሑ እተዳለወ ናይ ሰብዓ-ሰገድ ቅዳሕ: ልክዕ ኣብቶም ጥቕስታት እቲኣቶም ዝርከብ ስም ኣምላኽ ብKY ከምኡውን KC ተተኪኡ ይርከብ: እዚ ድማ ናይቲ ኪʹር·ዮስ (“ጐይታ”) ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ሓጺር ኣጸሓሕፋ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ኣብ ቻይና ሚስዮናዊ ዝነበረ: ጆን. ዳብሊው. ዴቪስ: ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክህሉ ኣለዎ ኢሉ ስለምንታይ ከም ዝኣምን ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይ እብራይስጢ የሆዋ ዝብል እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ተርጓሚ ብእንግሊዝኛ ወይ ብቛንቋ ቻይና የሆዋ ዘይብል ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብዚ ቦታ እዚ የሆዋ ክጥቀም ኢየ: ኣብቲ ቦታ እቲ ድማ ካልእ መተካእታ ክጥቀም ኢየ: ንኽብል እንታይ መሰል ኣለዎ፧ . . . ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ምዝውታር ጌጋ ዝዀነሉ ቦታታት ኣሎ ዝብል እንተድኣ ኰይኑ: ስለምንታይ ከም ዝዀነ ምኽንያት የቕርብ፣ መርትዖታት ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ባዕሉ ኢዩ ዝስከሞ። እዚ ሓላፍነታት እዚ ከቢድ ኰይኑ ክረኽቦ ኢዩ: ከመይሲ ነዚ ዝስዕብ ቀሊል ሕቶ ክምልሶ ኣለዎ:- ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት: ኣብቲ ትርጕም የሆዋ ምጥቃም ጌጋ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ጸሓፊ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እተጠቕመሉ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧”—ዘ ቻይኒዝ ሪኮርደር ኤንድ ሚሸነሪ ጆርናል: (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 7: ሻንጋይ 1876
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንስም ኣምላኽ ግቡእ ብዝዀነ መገዲ 237 ግዜ ይጥቀመሉ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእልታት]
ስም ኣምላኽ: ኣብ ማይኖርካ: ስጳኛ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን
ኣብ ጥቓ ፓሪስ: ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ
ከምኡውን ኣብ ኪየዛ ዲ ሳን ሎሬንዞ: ፓርማ: ኢጣልያ