ክርስትያናትን እቲ ስምን
ክርስትያናትን እቲ ስምን
እቶም ደገፍቲ ልምዲ ዝነበሩ ኣይሁድ: ስም ኣምላኽ ዓው ኢሎም ምድማጽ ዘቋረጽሉን በተን ንኣምላኽን ንልዑል ጐይታን ዝውክላ ናይ እብራይስጢ ቃላት ገይሮም ድማ ዝተክእሉን ግዜ መዓስ ምዃኑ ኣርጊጹ ክዛረብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ሰብ የለን። ገሊኦም: ቅድሚ ግዜ የሱስ ንስም ኣምላኽ መዓልታዊ ምዝውታሩ ተቛሪጹ ነይሩ ኢዩ ይብሉ። ይኹን እምበር: እታ ቤተ-መቕደስ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ እትጠፍእ: እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ ቤተ-መቕደስ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ከሎ—ብፍላይ ድማ ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ—ነቲ ስም የድምጾ ከም ዝነበረ ርግጽ መርትዖ ኣሎ። ስለዚ: የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ብሰፊሑ ይዝውተር እኳ እንተ ዘይነበረ: ኣደማምጻ ናይቲ ስም ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ።
ኣይሁድ ስም ኣምላኽ ምጽዋዕ ዘቋረጹ ስለምንታይ ኢዮም፧ ብኸፊሉ: ነተን ኣብታ ሳልሰይቲ ትእዛዝ ዘለዋ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል” ዝብላ ቃላት ብጌጋ ስለ ዘውዓልወን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘጸኣት 20:7) እዛ ትእዛዝ እዚኣ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ከም ዘይትኽልክል እተረጋገጸ ኢዩ። ትኽልክል ነይራ እንተትኸውን: ከም በዓል ዳዊት ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናጻ ዀይኖም እተጠቕሙሉን ጌና ድማ በረኸት የሆዋ ዘስተማቐሩን ደኣ ስለምንታይ ኢዩ፧ ከምኡውን ኣምላኽ ንሙሴ ኣደማምጽኣ ዝነገሮን ሙሴ መን ከም ዝለኣኾ ንእስራኤላውያን ክገልጸሎም ዝነገሮ ደኣ ስለምንታይ ኢዩ፧—መዝሙር 18:1-3, 6, 13፣ ዘጸኣት 6:2-8
እንተዀነ ግን: ኣብ ግዜ የሱስ ነቲ ምኽንያታዊ ዝዀነ ትእዛዛት ኣምላኽ ወሲድካ ብኣዝዩ ዘይምኽንያታዊ ኣገባብ ናይ ምትርጓም ሓያል ዝንባለ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ራብዓይቲ: ኣይሁድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን: ንሰንበት ከም ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ መጠን ከኽብርዋ ትግድዶም ነበረት። (ዘጸኣት 20:8-11) እቶም ደገፍቲ ልምዲ ዝነበሩ ኣይሁድ: ነቲ ብሰንበት ክግበር ዝከኣልን ዘይከኣልን ቍጽሪ ዘይብሉ ንኣሽቱ ተግባራት ዝቈጻጸር ሕግታት ብምግባር: ካብቲ ግቡእ ንላዕሊ ኣኽረርዎ። ካብዚ መንፈስ እዚ ብምብጋስ: ነቲ ስም ኣምላኽ ክረክስ የብሉን ዝብል ምኽንያታዊ ትእዛዝ: እቲ ስም እውን ከይተረፈ ክጽዋዕ የብሉን ብምባል ኣዝዩ ዘይምኽንያታዊ ትርጕም ከም ዝሃብዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። a
የሱስን እቲ ስምን
የሱስከ ንኸምዚ ዝበለ ዘይጽሑፋዊ ልምዲ ስዒቡዶ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይሰዓበን! ከምዚ ምግባር ነቲ ሰብ ዘቘሞ ናይ ኣይሁድ ስርዓት ምጥሓስ ከምኡውን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ምእታው ማለት እኳ እንተ ነበረ: ብርግጽ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ንሰባት ካብ ምሕዋይ ድሕር ኣይበለን። (ማቴዎስ 12:9-14) እኳ ድኣስ: የሱስ ልምድታቶም ክንዮ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ስለ ዝሓለፈ ነቶም ፈሪሳውያን ግቡዛት ከም ዝዀኑ ገይሩ ኰኒንዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 15:1-9) ስለዚ: ብፍላይ ነቲ “የሆዋ ምድሓን ኢዩ” ዝትርጕሙ የሱስ ዝብል ስሙ ርኢኻ: ንስም ኣምላኽ ካብ ምጽዋዕ ድሕር ክብል ዘይመስል ኢዩ።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ደው ኢሉ ካብቲ ናይ ኢሳይያስ ጥቕላል ሓደ ክፍሊ ኣንበበ። እቲ ሸዑ ዘንበቦ ክፍሊ: እቲ ሎሚ ኢሳይያስ 61:1, 2 ኢልና እንጽውዖ ኢዩ: ኣብዚ ድማ ስም ኣምላኽ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ተጠቒሱ ይርከብ። (ሉቃስ 4:16-21) “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ኢሉ ብምትካእ: ነቲ መለኮታዊ ስም ምድማጽ ኣብዩ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኣበየን። ከምኡ ምግባር ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ልምዲ ናይቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣይሁድ ምስዓብ ማለት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣስ “ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ: ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ” ዝብል ኢና እነንብብ።—ማቴዎስ 7:29 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
አረ: ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮስ ንሰዓብቱ “ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ ኢዩ ምሂርዎም። (ማቴዎስ 6:9) ኣብታ ቕድሚ ምቕታሉ ዝነበረት ምሸት ክጽሊ ኸሎ ድማ: ንኣቦኡ “ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። . . . ቅዱስ ኣቦይ: ነዞም ዝሀብካኒ: . . . ብስምካ ሐልዎም” በሎ።—ዮሃንስ 17:6, 11
ነዚ የሱስ ስም ኣምላኽ ዝጸውዓሉ ጥቐስታት ኣመልኪታ: እታ ደኽ ናመ ጎተስ [ቋንቋ ጀርመን] እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 76 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ብሉይ ኪዳን: ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ገሊጹ ክበሃል ከሎ ስሙ ገሊጹ ማለት ምዃኑ ዝነበሮ ምርዳእ ክሳዕ መወዳእታ ክፍልታት ናይቲ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ኢዩ: እወ: ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን እውን ዝቕጽል ኢዩ: ንኣብነት ኣብ ዮሃንስ 17:6 ‘ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ’ ዝብል እተጻሕፎ ኣሎ። ነዚ ዘገርም ሓቂ እዚ ኸኣ ክንቅበሎ ኣሎና።”
እወ: የሱስ ብፍላይ ካብቶም ስም ኣምላኽ ዝሓዙ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ክጠቅስ ከሎ: ስም ኣምላኽ ካብ ምጥቃም ዓዲ ውዒሉ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ዘይምኽንያታዊ ኢዩ።
እቶም ናይ መጀመርታ ክርስትያናት
እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ ንስም ኣምላኽ ይጥቀምሉዶ ነይሮም ኢዮም፧ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ ብየሱስ ተኣዚዞም ነይሮም ኢዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ብዙሓት ካብቶም ክስበኸሎም ዝነበሮም ሰባት ብዛዕባ እቲ ንኣይሁድ በቲ የሆዋ ዝብል ስሙ እተገለጸሎም ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ፍልጠት ኣይነበሮምን። እቶም ክርስትያናት ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዮም ከላልይዎም ዝኽእሉ ዝነበሩ፧ ንዕኡ ኣምላኽ ወይ ጐይታ ኢልካ ምጽዋዕ እኹል ድዩ፧ እኹል ኣይኰነን። ኣህዛብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣማልኽትን ጐይተትን ነይሮምዎም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 8:5) እቶም ክርስትያናት ኣብ መንጎ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽን እቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽትን ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ኢዮም ከነጽርዎ ዝኸኣሉ፧ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ስም ብምጥቃም ጥራይ ኢዮም ከነጽርዎ ዝኽእሉ ነይሮም።
ስለዚ ድማ ኢዩ: ወደ መዝሙር ያእቆብ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም እተኻየደ ናይ ሽማግለታት ዋዕላ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ: ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም: ስምኦን ኣዘንትዩ አሎ። ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ” ብምባል ሓሳባት ዝሃበ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14, 15 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሃዋርያ ጴጥሮስ: ኣብቲ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዝሃቦ ፍሉጥ ዝርርቡ: “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ኢሉ ካብ ቃላት ትንቢት ዮኤል ብምጥቃስ ናይቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ኣገዳሲ ክፍሊ ሓቢሩ ኢዩ።—ዮኤል 2:32፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:21
ሃዋርያ ጳውሎስ: ስም ኣምላኽ ንዕኡ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጠራጥር ነገር ኣይሓደገን። ኣብታ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ: ነዘን ብነብዪ ዮኤል እተዘርባ ቃላት ጠቒሱ ንክርስትያናት ብጾቱ ካልኦት ሰባት እውን ምእንቲ ክድሕኑ ስም ኣምላኽ ብምስባኽ ነቲ ኣብዘን ቃላት እዚኣተን ዘለዎም እምነት ከርእዩ ኣተባብዖም። (ሮሜ 10:13-15) ጸኒሑ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝስደዳ መልእኽቲ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሐቕ” ብምባል ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 2:19) ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከኣ: ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብቲ ጽሑፋቱ ተጠቒምሉ ኢዩ። እቲ “ምስጋና ንያህ” ዝትርጕሙ “ሃሌሉያ” ዝብል መግለጺ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብተደጋጋሚ ይርከብ ኢዩ።—ራእይ 19:1, 3, 4, 6
ይኹን እምበር: የሱስን ሰዓብቱን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክሕደት ከም ዝመጽእ ተነብዮም ነይሮም ኢዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም።” (2 ጴጥሮስ 2: 1፣ ከምኡውን ማቴዎስ 13:36-43፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:3፣ 1 ዮሃንስ 2:18, 19 ርአ።) እዚ መጠንቀቕታታት እዚ ተፈጺሙ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ውጽኢቱ ድማ ስም ኣምላኽ ንጐድኒ ዕሽሽ ተባህለ። ካብቲ ቅዳሓትን ትርጕማትን መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ኣልገሰ! እዚ ከመይ ኢሉ ከም እተፈጸመ እስከ ንርአ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ገሊኦም ሰባት ከምዚ ዝብል ካልእ ምኽንያት የቕርቡ:- እቶም ኣይሁድ በቲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ተጸልዮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ዳርጋ ኣብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዝነብር ዝነበረ ፊሎ እተባህለ ኣይሁዳዊ ፈላስፋ: በቲ ብመንፈስ ከም እተደረኸ ዝሓስብ ዝነበረ ፕላቶ እተባህለ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣጸቢቑ ተጸልዩ ነበረ። ሌክሲኮን ደስ ሁደንቱምስ [ፈረንሳይኛ] ኣብ ትሕቲ “ፊሎ” ዝብል ኣርእስቲ: ፊሎ “ነቲ ናይ ግሪኽ (ፕላቶ) ፍልስፍና ቋንቋን ሓሳባትን ምስቲ እተገልጸ እምነት ኣይሁድ ሓወሶ:” እዚ ድማ “ኣብቶም ናይ ክርስትያን ቤተ-ክርስትያን ኣቦታት ርኡይ ሳዕቤን ነበሮ” ብምባል ትገልጽ። ፊሎ: ኣምላኽ ከምዚ ኢዩ ኢልካ ክግለጽ ዘይክኣል ስለ ዝዀነ ስም ክትህቦ ዘይከኣል ኢዩ ኢሉ መሃረ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
እዚ ብቛንቋ እብራይስጢ “ቅድስና ናይ የሆዋ ኢዩ” ዝብል ትርጕም ዝሓዘ ምልክት ኣብ መጠምጠምያኡ ዘለዎ: ናይ ሓደ ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት ስእሊ: ኣብ ቫቲካን ኣሎ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እዚ ብ1805 እተዳለወ ናይ ቋንቋ ጀርመን ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሕብሮ: የሱስ ኣብቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ካብ ናይ ኢሳይያስ ጥቕላል ከንብብ ከሎ: ንስም ኣምላኽ ዓው ኢሉ ኣንቢብዎ ኢዩ።—ሉቃስ 4:18, 19
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእልታት]
ጴጥሮስን ጳውሎስን ካብ ትንቢት ዮኤል ክጠቕሱ ከለዉ ስም ኣምላኽ ተጠቒሞም ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:21፣ ሮሜ 10:13