ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 30

ፍርሂ ንምስናፍ ዚሕግዘና ነገራት

ፍርሂ ንምስናፍ ዚሕግዘና ነገራት

ንየሆዋ ምግልጋል ቀሊል ድዩ፧⁠— እቲ ዓብዪ መምህር ቀሊል እዩ ኣይበለን። ቀቅድሚ እታ እተቐትለላ ኣብ ዝነበረት ምሸት: ንሃዋርያቱ “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም: ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ” ኢሉ ነገሮም።​—⁠ዮሃንስ 15:18

ጴጥሮስ ንየሱስ ‘ፈጺመ ኣይክሓድገካን እየ’ ብምባል ተጃሃረ: የሱስ ግን በታ ለይቲ እቲኣ ሰለስተ ሳዕ ከም ዚኽሕዶ ነገሮ። ጴጥሮስ ልክዕ ከምኡ እዩ ገይሩ። (ማቴዎስ 26:31-35, 69-75) እዚ ኸመይ ኢሉ እዩ ኼጋጥም ዚኸኣለ፧⁠— ጴጥሮስ ስለ ዝፈርሀ እዩ: እቶም ካልኦት ሃዋርያት እውን እንተዀኑ ፈሪሆም እዮም ነይሮም።

እቶም ሃዋርያት ስለምንታይ ከም ዚፈርሁስ ትፈልጥዶ፧— ሓደ ኺገብርዎ ዚግብኦም ዝነበረ ኣገዳሲ ነገር ስለ ዘይገበሩ እዮም። ዝዀነ ይኹን ሰብ: ዝበለ እንተበለ: ወይ ዝገበረ እንተ ገበረ ብዘየገድስ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ ምፍላጥና ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብመጀመርታ ግን ኣብታ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ምሸት እንታይ ከም ዘጋጠመ ንመርምር።

መጀመርታ ሓቢሮም ፋስጋ ኣብዓሉ። እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹሉ እዋን ዜዘኻኽሮም ዓመት ዓመት ፍሉይ መኣዲ ወይ ድራር ኣቕሪብካ ዚኽበር በዓል እዩ ነይሩ። ቀጺሉ የሱስ ካልእ ፍሉይ መኣዲ ሰርዐ። ነዚ ኣብ ዚቕጽል ምዕራፍ ክንመያየጠሉ ኢና: እዚ መኣዲ እዚ ንየሱስ ንምዝካር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኸኣ ኪግለጽ እዩ። ድሕሪ እቲ መኣዲ እቲ: ንሃዋርያቱ ዜተባብዕ ቃላት ተዛረቦም እሞ ናብ ኣታኽልቲ ጌተሰማኔ ወሰዶም። እዚ ኣዘውቲሮም ዝኸድዎ ዝነበሩ ዝፈትውዎ ቦታ እዩ ነይሩ።

የሱስ ኣብቲ ኣታኽልቲ ንበይኑ ዀይኑ ኺጽሊ ኻብቶም ሃዋርያቱ ርሕቕ ኢሉ ኸደ። ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እውን ኪጽልዩ ነገሮም። ንሳቶም ግን ደቂሶም ነበሩ። ሰለስተ ሳዕ እናተመላለሰ ኻባታቶም ርሒቑ ንበይኑ ጸለየ: ሰለስተ ሳዕ ምስ ተመልሶም ከኣ ጴጥሮስን እቶም ክልተ ኻልኦትን ደቂሶም ጸንሕዎ። (ማቴዎስ 26:36-47) ስለምንታይ ነቒሖም ኪጽልዩ ኸም ዝነበሮምስ ትፈልጥዶ፧⁠— ብዛዕባ እዚ እስከ ንዘራረብ።

ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኪነቕሑ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧

ኣብታ ምሸት እቲኣ: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምስ የሱስን ምስ ካልኦት ሃዋርያትን ኰይኑ ፋስጋ ኣብዒሉ እዩ። ከም እትዝክሮ: ይሁዳ ሰራቒ ዀይኑ ነበረ። ሕጂ ኸኣ ከዳዕ ኰነ። የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ጌተሰማኔ እትበሃል ስፍራ ኣታኽልቲ ምስ ሃዋርያቱ ይራኸብ ከም ዝነበረ ይሁዳ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ኸኣ ንየሱስ ምእንቲ ኺኣስርዎ ዓቀይቶት ወይ ወተሃደራት ሒዙ መጸ። ኣብኡ ምስ በጽሑ: የሱስ “ንመን ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።

እቶም ወተሃደራት ከኣ “ንየሱስ” ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከይፈርሀ “ኣነ እየ” በሎም። እቶም ወተሃደራት: ትብዓት የሱስ ኣዝዩ ስለ ዝደንጸዎም ኣድሓርሒሮም ኣብ ምድሪ ወደቑ። ሽዑ የሱስ ‘ንዓይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ: ንሃዋርያተይ ይኺዱ ሕደግዎም’ በሎም።​—⁠ዮሃንስ 18:1-9

እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ሒዞም ምስ ኣሰርዎ: እቶም ሃዋርያት ፈሪሆም ሃደሙ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ግን ንየሱስ እንታይ ከም ዘጋጥሞ ንኺርእዩ: ርሕቕ ኢሎም ሰዓብዎ። ኣብ መወዳእታ እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ኣብ ቤት እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ ኣምጽእዎ። ዮሃንስ ኣብ ቤት ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ: እታ ሓላዊት ማዕጾ ንዕኡን ንጴጥሮስን ናብቲ ቐጽሪ ኺኣትዉ ፈቐደትሎም።

እቶም ካህናት ንኺፈርድዎ ኣቐዲሞም ኣብ ቤት ቀያፋ ተኣኪቦም ነበሩ። ንየሱስ ኬቕትልዎ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ስለዚ ድማ ብዛዕባኡ ሓሶት ዚዛረቡ መሰኻኽር ሒዞም መጹ። እቶም ሰባት ንየሱስ ወቕዕዎን ጸፍዕዎን። እዚ ዅሉ ኼጋጥም ከሎ ጴጥሮስ ኣብቲ ኸባቢ ነበረ።

እታ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ኪኣትዉ ዝፈቐደትሎም ሓላዊት ማዕጾ ንጴጥሮስ ኣለለየቶ። ንስኻውን “ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ። ንሱ ግን ንየሱስ “ኣይፈልጦን” ኢሉ ኸሓደ። ቍሩብ ምስ ጸንሐ: ሓንቲ ኻልእ ገረድ ኣለለየቶ እሞ ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ: “እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ” በለቶም። ጴጥሮስ እንደገና “ኣይፈልጦን” ኢሉ ኸሓደ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ድማ ጕጅለ ሰባት ረኣይዎ እሞ “ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ” በልዎ። ንሱ ሳልሳይ ሳዕ “ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሓቂ ይዛረብ ከም ዝነበረ ኣምሲሉ ይምሕል ነበረ። ሽዑ የሱስ ግልጽ ኢሉ ጠመቶ።​—⁠ማቴዎስ 26:57-75፣ ሉቃስ 22:54-62፣ ዮሃንስ 18:15-27

ጴጥሮስ ብዛዕባ የሱስ ክሳዕ ዚሕሱ ኣዝዩ ዝፈርሀ ስለምንታይ እዩ፧

ጴጥሮስ ስለምንታይ ከም ዝሓሰወስ ትፈልጥዶ፧⁠— እወ: ስለ ዝፈርሀ እዩ። ስለምንታይ እዩ ግን ፈሪሁ፧ ትብዓት ንኺረክብ እንታይ እዩ ኺገብር ነይርዎ፧ ሕስብ እሞ ኣብል። የሱስ ትብዓት ንኺረክብ እንታይ እዩ ገይሩ፧⁠— ናብ ኣምላኽ ጸለየ: ኣምላኽ ከኣ ንኺተብዕ ሓገዞ። የሱስ ንጴጥሮስ ኪጽልን ኪነቅሕን ከም ዘለዎ ሰለስተ ሳዕ ከም ዝነገሮ ኣይትረስዕ። እንተዀነ ግን: እንታይ እዩ ገይሩ፧⁠—

ጴጥሮስ ኣብ ሰለስቲኡ ግዜ ደቂሱ ነበረ። ኣይጸለየን: ነቒሑ እውን ኣይተኸታተለን። ስለዚ: የሱስ ኪእሰር ከሎ ጴጥሮስ ሰንበደ። ኣብ እዋን እቲ ፈተና ንየሱስ ምስ ወቕዕዎ እሞ ንኪቐትልዎ መደብ ምስ ገበሩ ኸኣ ረዓደ። ይኹን እምበር: ቅድሚ ቝሩብ ሰዓታት የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ኪጽበዩ እዩ ዝነገሮም፧⁠— የሱስ ከምቲ ዓለም ዝጸልኣቶ ንዓታቶም እውን ክትጸልኦም ምዃና እዩ ዝነገሮም።

ምስቲ ንጴጥሮስ ዘጋጠሞ ዚመሳሰል እንታይ ዓይነት ኵነታት እዩ ኼጋጥመካ ዚኽእል፧

ምስቲ ንጴጥሮስ ዘጋጠሞ ዅነታት ዚመሳሰል ንዓናውን እንታይ ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል እሞ ንሕሰብ። ምናልባት ኣብ ዘለኻሉ ኽፍሊ ኻልኦት ተመሃሮ ብዛዕባ እቶም ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ዘይህቡ ወይ በዓል ልደት ዘየብዕሉ ሰባት ይዛረቡ ኣለዉ ንበል። ሓደ ኻብቶም ተመሃሮ ናባኻ እናኣመልከተ “ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኣይትህብን ዲኻ፧” እንተ ዚብለካ: ወይ ካልኦት ተመሃሮ: “በዓል ልደት ከም ዘይተብዕል ሰሚዕና ኢና” እንተ ዚብሉኻ ሓቂ ንምዝራብ ምፈራህካዶ፧⁠— ከም ጴጥሮስ ሓሶት ክትዛረብ ምተፈተንካዶ፧⁠—

ድሕሪኡ: ጴጥሮስ ንየሱስ ብምኽሓዱ ኣዝዩ ተጣዕሰ። ዝገበሮ ምስ ተፈለጦ ናብ ወጻኢ ኸይዱ በኸየ። እወ: ተነሲሑ እንደገና ሰዓቢ የሱስ ኰነ። (ሉቃስ 22:32) ሕስብ እሞ ኣብል። ኣዚና ኻብ ምፍራህና እተላዕለ ኸምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ንኸይንብል እንታይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧⁠— ጕድለት ጴጥሮስ ዘይምጽላይን ነቒሕካ ዘይምጽናሕን ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። ስለዚ እምበኣር: ሰዓብቲ እቲ ዓብዪ መምህር ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ክንገብር የድልየና ምበልካ፧⁠—

የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘና ግድን ክንጽሊ የድልየና። የሱስ ምስ ጸለየ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረሉ ትፈልጥዶ፧⁠— ዜበርትዖ መልኣኽ እዩ ልኢኹሉ። (ሉቃስ 22:43) መላእኽቲ ኣምላኽ ኪሕግዙና ይኽእሉ ድዮም፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ” ይብል። (መዝሙር 34:7) ሓገዝ ኣምላኽ ንኽንረክብ ግን ኣብ ርእሲ ጸሎት ክንገብሮ ዘሎና ነገር ኣሎ። እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናስ ትፈልጥዶ፧⁠— የሱስ ንሰዓብቱ ኺነቕሑን ኪከታተሉን ነጊርዎም ነበረ። ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ምበልካ፧⁠—

ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንመሃሮ ትምህርቲ ተጠንቂቕና ኽንሰምዖ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ሓሳባት ከኣ ከነቕልበሉ ይግብኣና። ይኹን እምበር: ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣዘውቲርና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ: ንኸነገልግሎ ምእንቲ ኺሕግዘና ኸኣ ክንልምኖ የድልየና። ከምዚ እንተደኣ ጌርና ፍርሂ ንኸነሰንፍ ሓገዝ ክንረክብ ኢና። ሽዑ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዓብዪ መምህርን ኣቦኡን ንኽንነግሮም ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና ኽንሕጐስ ኢና።

እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ፍርሂ ሰባት ቅኑዕ ካብ ምግባር ንኺዓግተና ፈጺምና ንኸይነፍቅደሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ:- ምሳሌ 29:25፣ ኤርምያስ 26:12-15, 20-24፣ ከምኡውን ዮሃንስ 12:42, 43