ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 24

ፈጺምካ ኣይትስረቕ!

ፈጺምካ ኣይትስረቕ!

ሓደ ሰብ ገለ ነገር ሰሪቑካዶ ይፈልጥ፧⁠— ሽዑ እንታይ ተሰሚዑካ፧⁠— እቲ ዝሰረቐ መን ምዃኑ ብዘየገድስ: ሰራቒ እዩ። ንሰራቒ ዝፈትዎ ሰብ ከኣ የለን። ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ሰራቒ ኸም ዚኸውንሲ ትፈልጥዶ፧ ሰራቒ ዀይኑ ድዩ ዚውለድ፧⁠—

ሰባት ብሓጢኣት ከም ዚውለዱ ተማሂርና ኢና። ስለዚ: ኵላትና ዘይፍጹማት ኢና። ሰራቒ ዀይኑ ዚውለድ ግን ዋላ ሓደ የለን። ሓደ ሰራቒ ኻብ ጥዑያት ስድራ​ቤት ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወለዱ: ኣሕዋቱ: ኣሓቱ ቕኑዓት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: እቲ ንገንዘብን ነቲ ብገንዘብ ዚዕደግ ነገራትን ዘለዎ ባህጊ ሰራቒ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ መጀመርታ ሰራቒ መን እዩ ምበልካ፧⁠— ብዛዕባኡ እስከ ንሕሰብ። እቲ ዓብዪ መምህር ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ነቲ ሰራቒ እቲ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። እቲ ሰራቒ እቲ መልኣኽ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንዅሎም መላእኽቲ ፍጹማት ገይሩ ኻብ ፈጠሮም እቲ መልኣኽ እቲ ኸመይ ኢሉ እዩ ሰራቒ ዀይኑ፧⁠— ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 8 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ ዘይናቱ ኺውንን ደለየ። እዚኸ እንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠—

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይ ሰበይትን ምስ ፈጠሮም: እቲ መልኣኽ ብኣታቶም ኪምለኽ ደለየ። ኣምልኾኦም ኪረክብ መሰል ኣይነበሮን። ኣምልኾኦም ንኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚግባእ ነይሩ። ንሱ ግን ሰረቖ! ንኣዳምን ሄዋንን ከም ዜምልኽዎ ብምግባር ሰራቒ ዀነ። ሰይጣን ድያብሎስ ድማ ኰነ።

ንሓደ ሰብ ሰራቒ ኪኸውን ዚደፋፍኦ እንታይ እዩ፧⁠— ዘይናቱ ኺወስድ ስለ ዚደሊ እዩ። እዚ ባህጊ እዚ ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ነቶም ሰናይ ዚገብሩ ሰባት እውን ከይተረፈ ኽፉእ ከም ዚገብሩ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ: እቶም ሰረቕቲ ዝዀኑ ሰባት ስርቆም ገዲፎም ሰናይ ኪገብሩ ኣይሓስቡን እዮም። ሓደ ኻብዚኣቶም ሃዋርያ የሱስ ዝነበረ እዩ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኸኣ ይበሃል።

ይሁዳ ኻብቲ ንእሽቶ ወዲ ዝነበረሉ እዋን ኣትሒዙ ሕጊ ኣምላኽ ስለ እተማህረ: ስርቂ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሓደ እዋን ኣምላኽ ንህዝቡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ “ኣይትስረቕ” ኢሉ ኸም እተዛረቦም ይፈልጥ ነበረ። (ዘጸኣት 20:15) ይሁዳ ምስ ዓበየ: ነቲ ዓብዪ መምህር ረኸቦ እሞ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ዀነ። ጸኒሑ እውን የሱስ ንይሁዳ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ኪኸውን መረጾ።

የሱስን ሃዋርያቱን ብሓደ ይጐዓዙ ነበሩ። ሓቢሮም ከኣ ይምገቡ ነበሩ። ናይ ኵላቶም ገንዘብ ከኣ ኣብ ሓደ ሳጹን ይቕመጥ ነበረ። የሱስ: ነቲ ሳጹን ንኺቈጻጸሮ ኢሉ ንይሁዳ ሓላፍነት ሃቦ። እቲ ገንዘብ ናይ ይሁዳ ኸም ዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ ግዜያት ይሁዳ እንታይ ከም ዝገበረስ ትፈልጥዶ፧⁠—

ይሁዳ ስለምንታይ እዩ ሰሪቑ፧

ይሁዳ ዘይግብኦ ኽነሱ ኻብቲ ሳጹን ገንዘብ ኪወስድ ጀመረ። ካልኦት ኣብ ዘይርእይዎ እዋናት እዩ ዚወስድ ነይሩ: ኣብዚሑ ዚወስደሉ መገዲ ኺረክብ እውን ይጽዕር ነበረ። ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ ገንዘብ ኪሓስብ ጀመረ። እዚ ኽፉእ ባህጉ እዚ ግን እቲ ዓብዪ መምህር ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ ሒደት መዓልትታት ናብ ምንታይ ከም ዝመርሖ ንርአ።

ማርያም: ሓብቱ ንኣልኣዛር ዓርኪ የሱስ: ብሉጽ ዘይቲ ሒዛ መጺኣ ኣብ እግሪ የሱስ ኣፍሰሰቶ። ይሁዳ ግን ኣጕረምረመ። ስለምንታይ ከም ዘጕረምረመስ ትፈልጥዶ፧⁠— እዚ ዝበለሉ ምኽንያት እቲ ዘይቲ ተሸይጡ እቲ ገንዘብ ንድኻታት ኪወሃብ ኣለዎ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ እዩ። እቲ ብሓቂ ኸምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ግን ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ገንዘብ ኪእከብ እሞ ደሓር ኪሰርቆ ስለ ዝደለየ እዩ።​—⁠ዮሃንስ 12:1-6

የሱስ ንይሁዳ ነታ ሕያውነት ዘርኣየት ማርያም ከየሸግራ ነገሮ። ይሁዳ በቲ የሱስ ዝበሎ ስለ ዘይተሓጐሰ: ናብቶም ጸላእቲ የሱስ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። ንሳቶም ንየሱስ ኪሕዝዎ ይደልዩ ነበሩ: ይኹን እምበር ሰባት ምእንቲ ኸይርእይዎም ብለይቲ ኺገብርዎ ደለዩ።

ይሁዳ ነቶም ካህናት ‘ገንዘብ እንተደኣ ሂብኩምኒ: ንየሱስ ብኸመይ ከም እትሕዝዎ ኽነግረኩም እየ። ክንደይ ኢኹም እትህቡኒ፧’ በሎም።

እቶም ካህናት ከኣ ‘ሰላሳ ቕርሺ ኽንህበካ ኢና’ በልዎ።​—⁠ማቴዎስ 26:14-16

ይሁዳ ነቲ ገንዘብ ወሰዶ። በዚ ኸምዚ ነቲ ዓብዪ መምህር ናብቶም ሰባት ሸይጥዎ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኽፉእ ነገር ኪገብርሲ ኣየገርመካንዶ፧⁠— እቲ ዘጕሂ ግን ሓደ ሰብ ሰራቒ ዀይኑ ገንዘብ ኪሰርቕ ከሎ ኸምዚ እዩ ዚገብር። ካብ ሰባት ወይ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ንገንዘብ እዩ ዜፍቅር።

ምናልባት ‘ኣነ እኳ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ንላዕሊ ንማንም ኣየፍቅርን እየ’ ትብል ትኸውን። ከምዚ ዓይነት ስምዒት እንተልዩካ: ጽቡቕ እዩ። የሱስ ንይሁዳ ሃዋርያ ኪኸውን ኪመርጾ ኸሎ: ምናልባት ይሁዳ ኸምኡ ተሰሚዕዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልኦት ሰረቕቲ ዝዀኑ ሰባት እውን ከምኡ ተሰሚዕዎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ኻባታቶም እስከ ንርአ።

ኣካንን ዳዊትን ብዛዕባ እንታይ ሕማቕ ነገራት እዮም ዚሓስቡ ዘለዉ፧

ሓደ ኻባታቶም እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ኣካን ዚበሃል ሰብኣይ እዩ። ኣካን እቲ ዓብዪ መምህር ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ: ነዊሕ ዓመታት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። ንሱ ጽቡቕ ባርኖስ: ወርቂ: ከምኡውን ሰልዲ ብሩር ረኣየ። እዚ ዅሉ ናቱ ኣይነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ስለ እተወስደ: ናይ የሆዋ ኸም ዝዀነ እዩ ዚነግረና። እንተዀነ ግን: ኣካን ኣጸቢቑ ስለ ዝበሃጎ ሰረቖ።​—⁠እያሱ 6:​19፣ 7:11, 20-22

ካልእ ኣብነት ከኣ ንርአ። ነዊሕ ዓመታት ይገብር: የሆዋ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን መረጾ። ሓደ መዓልቲ ዳዊት ነታ ምልክዕቲ ሰበይቲ ዝነበረት ባትሴባ ጠመታ። ስቕ ኢሉ ናብኣ እናጠመተ ኸኣ ምስኡ ኽት​ከውን ናብ ገዛኡ ኺወስዳ ኺሓስብ ጀመረ። ንሳ ግን ሰበይቲ ኡርያ እያ ነይራ። ዳዊት እንታይ እዩ ኺገብር ነይርዎ፧⁠—

ዳዊት ብዛዕባ ባትሴባ ኻብ ምሕሳብ ኬቋርጽ ነበሮ። ንሱ ግን ኣየቋረጸን። ስለዚ ድማ ናብ ገዛኡ ወሰዳ። ንኡርያ ድማ ኣቕተሎ። ዳዊት እዚ ሕማቕ ነገራት እዚ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧⁠— ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ: ሰበይቱ ኽትከውን ይብህግ ስለ ዝነበረ እዩ።​—⁠2 ሳሙኤል 11:2-27

ኣቤሴሎም ከመይ ኢሉ እዩ ሰራቒ ዀይኑ፧

ዳዊት ስለ እተናስሐ: የሆዋ ኣይቀተሎን። ይኹን እምበር: ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ዳዊት ብዙሕ መከራ ኣሕለፈ። ሓደ ኻብኡ: ወዱ ኣቤሴሎም ነቦኡ ዳዊት ካብ ስልጣኑ ኣልጊሱ ኣብ ክንዳኡ ኺነግስ ደለየ። ስለዚ: ሰባት ናብ ዳዊት ኪመጹ ኸለዉ: ኣቤሴሎም ኢዱ ዘርጊሑ ብምሕቛፍ ይስዕሞም ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቤሴሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ” ይብለና። ኣብ ክንዲ ዳዊት ንሱ ኺነግሶም ከም ዝደልዩ ገበሮም።​—⁠2 ሳሙኤል 15:1-12

ከም ኣካንን ዳዊትን ኣቤሴሎምን ሓደ ነገር ንኺህልወካ ኣጸቢቕካ ብሂግካዶ ትፈልጥ፧⁠— እቲ ዝበሃግካዮ ነገር ናይ ካልእ እንተደኣ ዀይኑ: ከየፍቀድካ ኽትወስዶ ስርቂ እዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ሰራቒ ዝነበረ ሰይጣን እንታይ ደልዩ ኸም ዝነበረ ትዝክሮዶ፧⁠— ሰባት ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንዕኡ ኼምልኽዎ እዩ ደልዩ። ስለዚ: ንኣዳምን ሄዋንን ንዕኡ ኸም ዚእዘዙ ኺገብሮም ከሎ: ይሰርቕ እዩ ነይሩ።

ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ምስ ዚውንን: ንመን ኪህቦ ኸም ዘለዎ ኺውስን መሰል ኣለዎ። ንኣብነት: ምስ ካልኦት ቈልዑ ኽትጻወት ገዛኦም ትኸይድ ትኸውን። ካብ ገዛኦም ሓደ ነገር ኣልዒልካ ንገዛኻ ኽትወስድስ ግቡእዶ ይመስለካ፧⁠— ኣቦኦም ወይ ኣዲኦም ክትወስድ ከም እትኽእል እንተ ዘይነጊሮምኻ: ባዕልኻ ኽትወስድ ግቡእ ኣይኰነን። ከይሓተትካዮም ገለ ነገር ንገዛኻ እንተደኣ ወሲድካ: ስርቂ እዩ።

ንኽትሰርቕ እትፍተን ስለምንታይ ኢኻ፧⁠— ዘይናትካ ኺህልወካ ስለ እትደሊ እዩ። ክትወስዶ ኸለኻ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ እንተ ዘይረኣየካ: መን እዩ ዚርእየካ፧⁠— እወ: የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዚርእየካ። ኣምላኽ ስርቂ ኸም ዚጸልእ ከኣ ክንዝክር ኣሎና። ስለዚ: ንኣምላኽን ንብጻይካን ዘሎካ ፍቕሪ: ፈጺምካ ንኸይትሰርቕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ስርቂ ጌጋ ምዃኑ ኣነጺሩ ይነግረና እዩ። በጃኻ ማርቆስ 10:​17-19፣ ሮሜ 13:9፣ ከምኡውን ኤፌሶን 4:28 ኣንብብ።