ትምህርቲ 16
ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኣርኢ
ምስ ዓርክኻ ዘሎካ ርክብ ቀጻሊ ንክኸውን: ምስኡ ኽትዘራረብ ኣሎካ። ንስኻ ጽን ኢልካ ትሰምዖ: ንሱውን ጽን ኢሉ ይሰምዓካ። ንኻልኦት እውን ብዛዕባ ዓርክኻ ጽቡቕ ነገራት ትነግሮም። ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን እውን ልክዕ ከምኡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝብል እሞ ርአ:-
ምስ የሆዋ ብጸሎት ወትሩ ተዘራረብ። “ጸሎት ኣዘውትሩ።”—ሮሜ 12:12
ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ . . . ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16
ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ምሃር። “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—ማቴዎስ 28:19, 20
ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ተኻፈል። “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል . . . ንሓድሕድና ንመዓዐድ።”—እብራውያን 10:24, 25
ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ደገፍካ ሃብ። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ።”—2 ቈረንቶስ 9:7