ምዕራፍ 39
እቲ ዘይሰምዕ ወለዶ ወይለኡ
-
የሱስ ንገሊአን ከተማታት ነቐፈን
-
እፎይታን ዕረፍትን ይህብ
የሱስ ንዮሃንስ መጥምቕ ዓብዪ ኣኽብሮት እኳ እንተ ነበሮ፡ ብዙሓት ግና ንዮሃንስ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ ዝነበሩ፧ የሱስ ብዛዕባ እቲ “ወለዶ” እቲ፡ “ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ንመጻውቶም ዚደሃዩ ቘልዑ ይመስሉ። ከምዚ ኸኣ ይብልዎም፦ ‘ሻምብቆ ነፊሕናልኩም፡ ግናኸ ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቂስናልኩም፡ ግናኸ ደረትኩም ኣይወቓዕኩምን’” በለ።—ማቴዎስ 11:16, 17።
የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዮሃንስ ከይበልዐን ከይሰተየን ምስ መጸ፡ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ይብሉ። ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን ምስ መጸ ድማ፡ ‘እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን’ ይብሉ” በለ። (ማቴዎስ 11:18, 19) በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ዮሃንስ ከም ናዝራዊ ቐሊል ናብራ እዩ ነይርዎ፣ ወይኒ እውን ኣይሰትን እዩ ነይሩ፣ እቲ ወለዶ እቲ ግና ብዛዕባኡ ‘ጋኔን ኣለዎ’ በለ። (ዘሁልቍ 6:2, 3፣ ሉቃስ 1:15) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ የሱስ ኣብ ኣነባብራኡ ኸም ካልኦት ሰባት እዩ ነይሩ። ሚዛናዊ ዀይኑ ይበልዕን ይሰትን እኳ እንተ ነበረ፡ መጠን ዝሓለፈ ገይሮም ከሰስዎ። ነቶም ሰባት እቲኦም ከተሐጕሶም ዘይከኣል እዩ ነይሩ።
የሱስ ነቲ ወለዶ እቲ፡ ብጾቶም ሻምብቆ ምስ ነፍሑሎም ምስዕሳዕ ምስ ዚኣብዩ፡ ምስ ኣልቀሱሎም ከኣ ደረቶም ምውቃዕ ምስ ዚኣብዩ ቘልዑ እዩ ኣመሳሲልዎም። “ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥበብ ብግብራ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ” ድማ በሎም። (ማቴዎስ 11:16, 19) እወ፡ እቲ ‘ግብሪ፡’ ማለት እቲ ዮሃንስን የሱስን ዘፍረይዎ መርትዖ፡ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ሓሶት ምዃኑ የረጋግጽ እዩ።
የሱስ፡ እቲ ወለዶ እቲ ዘይሰምዕ ምዃኑ ምስ ገለጸ፡ ነተን ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት ኰራዚንን ቤት-ሳይዳን ቅፍርናሆምን ነቐፈን። እቲ ግብርታት ሓይሊ እቲ ኣብተን ከተማታት ፊንቄ ዝዀና ጢሮስን ሲዶንን እንተ ዚገብሮ ነይሩ፡ እተን ከተማታት እቲአን ምተነስሓ ነይረን። ነታ መበገሲቱ ዝነበረት ቅፍርናሆም እውን ጠቒስዋ እዩ። ኣብኣ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ኣይሰምዑን። የሱስ ነታ ኸተማ እቲኣ፡ “ብመዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ንዓኺ ንሶዶም ኪቐልል እዩ” በላ።—ማቴዎስ 11:24።
የሱስ ቀጺሉ ነቲ ንመንፈሳዊ ሓቅታት “ካብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን” ዝሓብኦ፡ ከም ሕጻናት ትሑታት ንዝዀኑ ግና ዝገለጾ ሰማያዊ ኣቦኡ ብግህዶ ወደሶ። (ማቴዎስ 11:25) ነቶም ትሑታት ከኣ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ” ኢሉ ማራኺ ጻውዒት ኣቕረበሎም።—ማቴዎስ 11:28-30።
የሱስ ዕረፍቲ ዚህብ ብኸመይ እዩ፧ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት በቲ ቐያዲ ሕጊ ሰንበትን ካልእ ኣብ ባርነት ዜእቱ ስርዓታቶምን ገይሮም ንሰባት ጾር የሰክምዎም ነበሩ። የሱስ ግና ብዛዕባ ኣምላኽ ካብቲ ስርዓታቶም ሓራ ዝዀነ ሓቂ ብምምሃር ዕረፍቲ ይህቦም ነበረ። ነቶም ብፖለቲካውያን ሰብ ስልጣን እተደቝሱን ነቶም ሓጢኣቶም ዝኸበዶምን እውን እፎይታ ዚረኽቡሉ መገዲ የርእዮም ነበረ። እወ፡ የሱስ ንዓታቶም፡ ሓጢኣቶም ብኸመይ ከም ዚሕደገሎምን ምስ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚዕረቑን ገሊጹሎም እዩ።
ኵሎም እቶም ነቲ ምሹእ ኣርዑት የሱስ ዚቕበሉ፡ ርእሶም ንኣምላኽ ኪውፍዩ፡ ነቲ ርሕሩሕን መሓርን ሰማያዊ ኣቦና ኸኣ ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ትእዛዛት ኣምላኽ ከቢድ ስለ ዘይኰነ፡ ከምኡ ምግባር ከቢድ ጾር ኣይኰነን።—1 ዮሃንስ 5:3።