ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተውን ትሕዝቶን

መእተውን ትሕዝቶን

ገለ ኻብቲ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ትምህርትታት የሱስ፡ ኣብ ሓደ ኸረን ኣብ ዝሃቦ መደረ ኺርከብ ይከኣል እዩ፣ እቲ ኸረን ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ከተማ ቅፍርናሆም እዩ ዚርከብ ነይሩ። እዚ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ተባሂሉ ዚፍለጥ መደረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ኽሳብ 7 ተመዝጊቡ ኣሎ። ካብ ጥበብ የሱስ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ እዚ ትምህርትታት እዚ ኣብዚ ቐሪቡልካ ኣሎ።

  • ምዕራፍ 5

    • የሱስ ኣብ ከረን ኪምህር ጀመረ (1, 2)

    • ሓጐስ ዜምጽእ ትሽዓተ ነገር (3-12)

    • ጨውን ብርሃንን (13-16)

    • የሱስ ንሕጊ ኺፍጽሞ መጸ (17-20)

    • ምኽሪ ብዛዕባ ቝጥዓ (21-26)፡ዝሙት (27-30)፡ ፍትሕ (31, 32)፡ማሕላ (33-37)፡ ምፍዳይ ሕነ (38-42)፡ ምፍቃር ጸላእቲ (43-48)

  • ምዕራፍ 6

    • ንርኣዩለይ ካብ ዚግበር ጽድቂ ርሓቑ (1-4)

    • ከመይ ከም ዚጽለ (5-15)

      • ኣብነት ዚኸውን ጸሎት (9-13)

    • ጾም (16-18)

    • ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማይ መዝገብ ግበሩ (19-24)

    • ኣይትጨነቑ (25-34)

      • ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ድለዩ (33)

  • ምዕራፍ 7

    • ኣይትፍረዱ (1-6)

    • ብቐጻሊ ለምኑ፡ ድለዩ፡ ኳሕኵሑ (7-11)

    • ወርቃዊት ሕጊ (12)

    • ጸባብ ኣፍ ደገ (13, 14)

    • ብፍሪኦም ይልለዩ (15-23)

    • ኣብ ከውሒ እተሃንጸት ቤት፡ኣብ ሑጻ እተሃንጸት ቤት (24-27)

    • እቶም ህዝቢ ብትምህርቲየሱስ ተገረሙ (28, 29)