ህዝቅኤል 14:1-23
14 ገለ ኻብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።+
2 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦
3 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዞም ሰብኡት እዚኦም ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም* ኪስዕቡ ቘሪጾም፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ ድማ ኣንቢሮም እዮም። እሞኸ በዚኣቶምዶ ኽሕተት እየ፧+
4 ሕጂ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ እስራኤላዊ ንጽዩፋት ጣኦታቱ ኺስዕብ እንተ ቘሪጹ፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ ድማ እንተ ኣንቢሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ነብዪ ኺሓትት እንተ መጺኡ፡ ከም ብዝሒ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቱ፡ ኣነ የሆዋ ብግቡእ ክምልሰሉ እየ።
5 ኵሎም ካባይ ርሒቖም ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታቶም ከይዶም እዮም እሞ፡ ልቢ ቤት እስራኤል ከሸብር እየ።”’*+
6 “ስለዚ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ተመለሱ፡ ካብቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ተመለሱ፡ ገጽኩም ካብ ኵሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም ምለሱ።+
7 ዝዀነ እስራኤላዊ ወይ ኣብ እስራኤል ዚነብር ጓና ርእሱ ኻባይ እንተ ፈልዩ፡ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቱ ኺስዕብ እንተ ቘሪጹ፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ እንተ ኣንቢሩ እሞ፡ ድሕሪኡ ንነብየይ ኪሓትት እንተ መጺኡ፡+ ኣነ የሆዋ ባዕለይ ክምልሰሉ እየ።
8 ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽገብር፡ ምልክት መጠንቀቕታን መመሰልን እውን ክገብሮ እየ፣ ካብ ህዝበይ ድማ ክምንቍሶ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።”’
9 “‘እቲ ነብዪ ተሓቢሉ ምላሽ እንተ ሂቡ ግና፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዝሓባበልክዎ ኣነ የሆዋ እየ።+ ኣንጻሩ ኢደይ ዘርጊሐ፡ ካብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ።
10 በደሎም ከኣ ኪጾሩ እዮም፣ በደል እቲ ሓታቲ፡ ከም በደል እቲ ነብዪ ኪኸውን እዩ፣
11 ቤት እስራኤል ካባይ ምዅብላል ምእንቲ ኺሓድጉን ብዅሉ ኣበሳኦም ገዛእ ርእሶም ምርካስ ምእንቲ ኺሓድጉን፡ ከምኡ ኽገብር እየ። ንሳቶም ከኣ ህዝበይ ኪዀኑ፡ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”
12 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦
13 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሃገር ብጥልመት ኣብ ቅድመይ እንተ ሓጢኣ፡ ኢደይ ናብኣ ኽዝርግሕ፡ ቀረብ ምግባ እውን ከጥፍእ እየ፣*+ ኣብኣ ድማ ጥሜት ክሰድድ፡+ ሰብን እንስሳን ከኣ ካብኣ ኽምንቍስ እየ።”+
14 “‘እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም፡—ኖህን+ ዳንኤልን+ እዮብን፡+—ኣብኣ እኳ እንተ ዚነብሩ፡ ብጽድቆም ርእሶም* ጥራይ መድሓኑ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”
15 “‘ወይ ሕሱማት ኣራዊት በታ ሃገር እንተ ዘሕልፍ እሞ፡ ንሳቶም ንህዝባ እንተ ዘህልቑ፡* ብሰሪ እቶም ኣራዊት ከኣ ሓደ እኳ ዘይሓልፋ ባድም እንተ ዚገብርዋ፡+
16 ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም ኣብኣ እኳ እንተ ዚነብሩ፡ ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ርእሶም ጥራይ መድሓኑ፣ እታ ሃገር እውን ምባደመት።’”
17 “‘ወይ ኣብታ ሃገር ሰይፊ እንተ ዘምጽእ እሞ፡+ “ሰይፊ በታ ሃገር ይሕለፍ” እንተ ዝብል፡ ሰብን እንስሳን ከኣ ካብኣ እንተ ዝምንቍስ፡+
18 እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም እኳ ኣብኣ እንተ ዚነብሩ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ርእሶም ጥራይ መድሓኑ።’”
19 “‘ወይ ለበዳ ናብታ ሃገር እንተ ዝሰድድ+ እሞ ብምፍሳስ ደም ሰብን እንስሳን ካብኣ ኽምንቍስ ኢለ ነድረይ ኣብኣ እንተ ዝኽዑ፡
20 ኖህን+ ዳንኤልን+ እዮብን+ እኳ ኣብኣ እንተ ዚነብሩ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ብጽድቆም ርእሶም* ጥራይ መድሓኑ።’”+
21 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ካብኣ ሰብን እንስሳን ንምምንቋስ፡+ ነቲ ኣርባዕተ መቕጻዕተይ፡*+—ሰይፍን ጥሜትን ሕሱም ኣራዊትን ለበዳን፡+—ናብ የሩሳሌም ምስ ሰደድኩ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
22 ግናኸ፡ ገለ ኣብኣ ዝተረፉ ኣወዳትን ኣዋልድን ኬምልጡ እዮም፣ ኬውጽእዎም ድማ እዮም።+ ናባኻትኩም ከኣ ኪመጹ እዮም፣ መገድታቶምን ተግባራቶምን ምስ ረኣኹም ድማ፡ በቲ ኣብ የሩሳሌም ዘምጻእክዎ መዓት፡ ብዅሉ እቲ ኣብኣ ዝገበርክዎ ነገር፡ ብርግጽ ክትጸናንዑ ኢኹም።’”
23 “‘መገድታቶምን ተግባራቶምን ምስ ረኣኹም፡ ኬጸናንዑኹም እዮም፣ እቲ ንዓኣ ዝገበርክዎ፡ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”
እግረ ጽሑፍ
^ እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ንቤት እስራኤል ብልቦም ክሕዞም እየ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “በትሪ እንጌራኣ እውን ክሰብር እየ።” እንጌራ ንምንባር ዜገልግል በትሪ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነፍሶም።”
^ ወይ፡ “ደቃ እንተ ዘስእንዋ።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም።”
^ ወይ፡ “ነቲ ኣርባዕተ ዚጐድእ ፍርደይ።”