ህዝቅኤል 15:1-8
-
የሩሳሌም፡ ዘይትጠቅም ተኽሊ ወይኒ (1-8)
15 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦
2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዕንጨይቲ ተኽሊ ወይንስ ምስ ካልእ ኦም ወይ ምስ ጨንፈር ኣእዋም ዱር ከመይ ኢሉ ይነጻጸር፧
3 ካብኡ ዚግበር ዘንጊዶ ንስራሕ የገልግል እዩ፧ ኣቕሑ ኪሰቕሉሉኸ ኻብኡዶ ሽንካር ይገብሩ እዮም፧
4 እንሆ፡ ኪነድድ ኣብ ሓዊ ተደርብዩ ኣሎ፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጫፉ ይበልዖ፡ ንማእከሉ እውን የሕርሮ ኣሎ። ድሕርዚኸ ንዝዀነ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ፧
5 ብምሉኡ ኸሎ እኳ ንገለ ነገር ኣየገልገለን። ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!”
6 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንነበርቲ እስራኤል ከምቲ ብሓዊ ኺነድድ ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ዚርከብ ዕንጨይቲ ተኽሊ ወይኒ ኽገብሮም እየ።+
7 ገጸይ ናባታቶም ክገብር እየ። ካብ ሓዊ ኣምሊጦም ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። ገጸይ ናባታቶም ምስ ገበርኩ ኸኣ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።’”+
8 “‘ስለ ዝጠለሙ ድማ፡+ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”