ህዝቅኤል 39:1-29
39 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር ጎግ ተነበ፡+ ከምዚ እውን በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ጎግ፡ ርእሲ ሹም* ሜሴክን ቱባልን፡+ ኣነ ኣንጻርካ እየ።
2 ክመልሰካ፡ መሪሐ ድማ ካብ ግሉል ክፋላት ሰሜን ከደይበካ፡+ ናብ ኣኽራን እስራኤል እውን ከምጽኣካ እየ።
3 ንቐስትኻ ኻብ ጸጋመይቲ ኢድካ ኽወቕዖ፡ ንፍላጻታትካ ኸኣ ካብ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ።
4 ንስኻ ምስ ኵሎም ተዋጋእትኻን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ህዝብታትን ኣብ ኣኽራን እስራኤል ክትወድቕ ኢኻ።+ ንዅሉ ዓይነት ኣሞራታትን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ገይረ ኽህበካ እየ።”’+
5 “‘ኣነ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፡+ ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።
6 “‘ኣብ ማጎግን ኣብቶም ኣብ ደሴታት ብደሓን ዚነብሩን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
7 ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ከፍልጥ እየ፣ ድሕሪ ደጊም እቲ ቕዱስ ስመይ ኪረክስ ድማ ኣይክፈቅድን እየ፣ ኣህዛብ ከኣ ኣነ የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ+ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።’+
8 “‘እወ፡ እዚ ይመጽእ ኣሎ፣ ኪግበር እውን እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘እታ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ።
9 ነበርቲ ኸተማታት እስራኤል ኪወጹ፡ ብኣጽዋር፡ ማለት ብንኣሽቱ ዋላቱን* ብዓበይቲ ዋላቱን ብቐስትታትን ብፍላጻታትን ብሻፎታትን* ብሕላሳትን ከኣ ሓዊ ኺኣጕዱ እዮም። ሸውዓተ ዓመት እውን ንዕኡ ሓዊ ንምንዳድ ኪጥቀሙሉ እዮም።+
10 ነቲ ኣጽዋር፡ ሓዊ ንምንዳድ ኪጥቀሙሉ እዮም እሞ፡ ካብ መሮር ዕንጨይቲ ኣይኬምጽኡን፡ ካብ ዱር እውን ዕንጨይቲ ኣይኪኣርዩን እዮም።’
“‘ነቶም ዝገፈፍዎም ኪገፍፍዎም፡ ነቶም ዚዘምትዎም ዝነበሩ ድማ ኪዘምትዎም እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።
11 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጎግ+ ኣብኡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ስንጭሮ እቶም ብምብራቕ ባሕሪ ዚጕዓዙ፡ መቓብር ክህቦ እየ፣ እዚ ድማ ነቶም ዚሓልፉ ዘበሉ መገዲ ኺዓጽዎም እዩ። ኣብኡ ኸኣ ንጎግን ንዅሉ ጭፍራኡን ኪቐብርዎ፡ ስንጭሮ ሃሞን-ጎግ* እውን ኪብልዎ እዮም።+
12 ቤት እስራኤል ድማ ነታ ምድሪ ምእንቲ ኼጽርዩስ፡ ንምቕባሮም ሸውዓተ ወርሒ ኺወስደሎም እዩ።+
13 ኵሉ ህዝቢ እታ ምድሪ ንምቕባሮም ኪዓዪ እዩ፣ እዚ ኸኣ በታ ንርእሰይ ዘኽብረላ መዓልቲ ዝና ኼምጽኣሎም እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።
14 “‘ንምድሪ ምእንቲ ኼጽርይዋስ፡ ወትሩ ብእኣ ዚሓልፉን ኣብ ገጽ ምድሪ ዝተረፉ ሬሳታት ዚቐብሩን ሰባት ኪምደቡ እዮም። ሸውዓተ ወርሒ ኼናድዩ እዮም።
15 እቶም በታ ምድሪ ዚሓልፉ ኸኣ ዓጽሚ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ ጥቓኡ ምልክት ኪገብሩ እዮም። ሽዑ፡ እቶም ኪቐብሩ እተመደቡ ኣብ ስንጭሮ ሃሞን-ጎግ ኪቐብርዎ እዮም።+
16 ኣብኡ ድማ ሃሞና* እትብሃል ከተማ ኽትህሉ እያ። ነታ ምድሪ ኸኣ ኬጽርይዋ እዮም።’+
17 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንዅለን ዓይነት ኣዕዋፍን ንዅሎም ኣራዊት መሮርን ከምዚ በሎም፦ “ተኣኪብኩም ንዑ። ኣብ ዙርያ እቲ ዘዳልወልኩም ዘለኹ መስዋእተይ፡ ኣብቲ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ዚግበር ዓብዪ መስዋእቲ ተኣከቡ።+ ስጋ ኽትበልዑን ደም ክትሰትዩን ኢኹም።+
18 ስጋ ጀጋኑ ኽትበልዑ፡ ደም ሹማምንቲ ምድሪ ኽትሰትዩ ኢኹም፣—ንሳቶምሲ ደዓውልን ገንሸላትን* ድቤላታትን ዝራብዓትን፡ ኰታስ ኵላቶም ዝሰብሑ እንስሳታት ባሳን እዮም።
19 ካብቲ ዘዳሎኹልኩም መስዋእቲ፡ ክሳዕ እትጸግቡ ስብሒ ኽትበልዑ፡ ክሳዕ እትሰኽሩ እውን ደም ክትሰትዩ ኢኹም።”’
20 “‘ኣብ መኣደይ ብኣፍራስን ብሰብ ሰረገላን ብጀጋኑን ብዅሎም ዓይነት ተዋጋእትን ክትጸግቡ ኢኹም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።
21 “‘ክብረይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከርኢ፡ ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ነቲ ዝፈጸምክዎ ፍርድን ነቲ ኣባታቶም ዘርኣኽዎ ሓይልን* ኪርእዩ እዮም።+
22 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ቤት እስራኤል ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
23 ቤት እስራኤል ስለ ዝጠለሙኒ ብሰሪ ስሕተቶም ናብ ምርኮ ኸም ዝኸዱ ኸኣ፡ ኣህዛብ ኪፈልጡ እዮም።+ ስለዚ፡ ገጸይ ሓቢአሎም፡+ ንጸላእቶም ከኣ ኣሕሊፈ ሂበዮም፡+ ኵላቶም እውን ብሰይፊ ወዲቖም።
24 ከም ርኽሰቶምን ከም ኣበሳኦምን ገይረዮም፣ ገጸይ ድማ ሓቢአሎም።’
25 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንምሩኻት ያእቆብ ክመልሶም፡+ ንብዘሎ ቤት እስራኤል ድማ ክምሕሮ እየ፣+ ነቲ ቕዱስ ስመይ ከኣ ብቕንኣት ክከላኸለሉ እየ።*+
26 ብሰሪ እቲ ዝጠለሙኒ ዅሉ ጥልመት ምስ ተዋረዱ፡+ ኣብ ምድሮም ዜፍርሆም ዘይብሎም ብደሓን ኪነብሩ እዮም።+
27 ካብ ህዝብታት ምስ መለስክዎምን ካብ ሃገራት ጸላእቶም ምስ ኣከብክዎምን እውን፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ብዙሓት ኣህዛብ ኣብ መንጎኦም ክቕደስ እየ።’+
28 “‘ኣብ መንጎ ኣህዛብ ናብ ምርኮ ምስ ሰደድክዎም፡ ድሕሪኡ ድማ ካባታቶም ሓደ እኳ ኸየትረፍኩ ናብ ምድሮም ምስ መለስክዎም፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።+
29 መንፈሰይ ኣብ ቤት እስራኤል ከፍስስ እየ እሞ፡+ ደጊም ገጸይ ኣይክሓብኣሎምን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ቀንዲ መስፍን።”
^ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።
^ ወይ፡ “ብጭማራን” ኪኸውን ይኽእል፣ ማለት፡ ጫፉ በሊሕ ዝዀነ ዓይነት ኵናት።
^ ወይ፡ “ስንጭሮ ጭፍራ ጎግ።”
^ ትርጉሙ፡ “ጭፍራ።”
^ ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ኢድን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ነቲ ቕዱስ ስመይ ክቐንኣሉ እየ።”