ህዝቅኤል 6:1-14

  • ኣንጻር ኣኽራን እስራኤል እተነግረ ትንቢት (1-14)

    • ጽዩፋት ጣኦታት ኪዋረዱ እዮም (4-6)

    • ‘ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ (7)

6  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ግበር እሞ ተነበየሎም። 3  ከምዚ እውን በል፦ ‘ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስምዑ፦ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንኣኽራንን ንዅርባታትን ንወሓይዝን ንስንጭሮታትን ከምዚ ይብሎም ኣሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ሰይፊ ኸምጽኣልኩም እየ፣ በረኽትኹም እውን ከጥፍእ እየ። 4  መሰውኢታትኩም ኪፈርስ፡ መሰውኢታት ዕጣንኩም ድማ ኪሰባበር፡+ ንቕቱላትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም* ክድርብዮም እየ።+ 5  ሬሳታት ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ክድርብዮ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ፋሕ ከብሎ እየ።+ 6  ኣብ ኵሉ እቲ እትቕመጡሉ ቦታታት፡ ከተማታት ኪባድማ፡+ በረኽቲ እውን ኪፈርስን ኪባድምን እዩ።+ መሰውኢታትኩም ኪፈርስን ኪሕምሸሽን፡ እቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ከኣ ኪጠፍኡ፡ መሰውኢታት ዕጣንኩም ድማ ኪቝረጽ፡ ግብርታትኩም ከኣ ኪድምሰስ እዩ። 7  እቶም ቅቱላት ድማ ኣብ ማእከልኩም ኪወድቁ እዮም፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 8  “‘“ግናኸ፡ ኣብ ብዘለዋ ሃገራት ፋሕ ምስ በልኩም፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ኼምልጡ እዮም እሞ፡ ተረፍ ክሓድግ እየ።+ 9  እቶም ዘምለጡ ኸኣ ኣብ መንጎ እቶም ተማሪኾም ዝኸድዎም ኣህዛብ ኪዝክሩኒ እዮም።+ በቲ ኻባይ ዝረሓቐ ጠላም* ልቦምን በተን ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት ብፍትወት* ዚስዕባ ኣዒንቶምን+ ልበይ ከም እተሰብረ ኺፈልጡ እዮም።+ ብዅሉ እከዮምን ፍንፉን ተግባራቶምን ኪሓፍሩን ንዕኡ ኺፍንፍንዎን እዮም።+ 10  ኣነ የሆዋ ምዃነይ፡ እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እተዛረብክዎ ዘረባ ኸኣ ባዶ ኸም ዘይኰነ ኺፈልጡ እዮም።”’+ 11  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኪወድቁ እዮም እሞ፡ ብኣእዳውካ ኣጣቕዕ፡ ብእግርኻ ድማ ዲጕዲጕ ኣብል፡ በቲ ብቤት እስራኤል እተገብረ ዅሉ እከይን ፍንፉን ነገራትን እውን ቈዝም።+ 12  እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብለበዳ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸኣ ብሰይፊ ኺወድቕ፡ ካብዚ ዜምልጥ ዘበለ ተረፍ ድማ ብጥሜት ኪመውት እዩ፣ ኣነ ኸኣ ነድረይ ኣባታቶም ምሉእ ብምሉእ ክፍኑ እየ።+ 13  ቅቱላቶም ኣብ መንጎ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶምን ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶምን ኣብ ኵሉ በሪኽ ኵርባን ኣብ ኵሉ ርእሲ ኣኽራንን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን ኣብ ትሕቲ እቲ ንጽዩፋት ጣኦታቶም ባህ ኬብሉ ኢሎም ምዑዝ መስዋእቲ* ዜቕርቡሉ ጨናፍር ዓበይቲ ኣእዋምን+ ምስ ተዘርግሑ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 14  ኢደይ ከኣ ኣንጻሮም ክዝርግሕ፡ ነታ ምድሪ ድማ ከባድማ፡ ኵሉ መንበሪታቶም እውን ካብቲ ኣብ ጥቓ ዲብላ ዘሎ በረኻ ዚገድድ ባድም ክገብሮ እየ። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”

እግረ ጽሑፍ

እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ወይ፡ “ብምንዝርና።”
ወይ፡ “ኣመንዝራ።”
ወይ፡ “ጥዑም ዝጨናኡ።”