መዝሙር 114:1-8
114 እስራኤል ካብ ግብጺ፡ቤት ያእቆብ ካብቲ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ህዝቢ ምስ ወጸ፡+
2 ይሁዳ መቕደሱ፡እስራኤል ግዝኣቱ ዀነ።+
3 ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፣+ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ።+
4 ኣኽራን ከም ደዓውል፡ኵርባታት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ።+
5 ኦ ባሕሪ፡ እንታይ ኣህዲሙኪ፧+
ኦ ዮርዳኖስከ፡ ስለምንታይ ንድሕሪት ተመሊስካ፧+
6 ኦ ኣኽራን፡ ከም ደዓውል፡ኦ ኵርባታትከ፡ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም ስለምንታይ ኢኹም፧
7 ኦ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ያእቆብ ራዕራዕ በሊ፣+
8 ንሱ ንኸውሒ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያታት ማይ፡ንኸውሒ ኣዝሒት ድማ ናብ ዓይኒ ማያት ይልውጦ።+