መዝሙር 123:1-4

  • ሞገስ ንምርካብ ናብ የሆዋ ምጥማት

    • ‘ከም ግዙኣት ናብ የሆዋ ንጥምት ኣለና’ (2)

    • “ንዕቀት እምብዛ በዚሑና” (3)

መዝሙር ምድያብ። 123  ኣታ ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን እትቕመጥ፡ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ።+  2  ከምቲ ኣዒንቲ ገላዉ ናብ ኢድ ጐይታኦም፡ኣዒንቲ ገረድ ድማ ናብ ኢድ እመቤታ ዚጥምታ፡ከምኡ ኸኣ ኣዒንትና፡ ንሱ ሞገሱ ኽሳዕ ዜርእየና፡ናብ የሆዋ ኣምላኽና ይጥምታ ኣለዋ።+  3  ንዕቀት እምብዛ በዚሑና እዩ እሞ፡+ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየና፡ ሞገስ ኣርእየና።  4  ላግጺ እቶም ብርእሶም ዚተኣማመኑንንዕቀት ዕቡያትን እምብዛ በዚሑና ኣሎ።*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍስና እምብዛ በዚሕዋ ኣሎ።”