መዝሙር 126:1-6
መዝሙር ምድያብ።
126 የሆዋ ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፡+ንሓልም ዘለና መሲሉና ነይሩ።
2 ሽዑ፡ ኣፍና ብሰሓቕ፡ልሳንና ድማ ብእልልታ መሊኡ።+
ሽዑ፡ ኣህዛብ፡“የሆዋ ንዓታቶም ዓብዪ ነገር ገይሩሎም” ተባሃሂሎም።+
3 የሆዋ ዓብዪ ነገር ገይሩልና፣+ንሕና ኸኣ ተሓጒስና።
4 ኦ የሆዋ፡ ከም ወሓይዝ ነጌብ* ጌርካንምሩኻትና ምለሶም።
5 እቶም ብንብዓት ዚዘርኡ፡ብእልልታ ኺዓጽዱ እዮም።
6 እቲ ኸረጺት ዘርኢ ተሰኪሙብብኽያት ዚወፍር፡እንዳእቱ ተሰኪሙብርግጽ ብእልልታ ኺምለስ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ርባታት ደቡብ።”