መዝሙር 14:1-7

  • እንታይነት ዓሻ ተገልጸ

    • “የሆዋ የሎን” (1)

    • (3)(3)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። 14  ዓሻ ብልቡ፡“የሆዋ የሎን” ይብል።+ ተግባሮም ብልሹው፡ ግብሮም ከኣ ፍንፉን እዩ፣ጽቡቕ ዚገብር የልቦን።+  2  የሆዋ ግና፡ ልቦና ዘለዎ፡ ንየሆዋ እውን ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፡ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።+  3  ኵላቶም ኣልጊሶም፡+ኵላቶም ብሓደ ተበላሽዮም እዮም። ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፣ሓደ እኳ የልቦን።  4  ገበርቲ ኽፉእዶ ኣይርድኡን እዮም፧ ንህዝበይ ከምቲ እንጌራ ዚብላዕ ገይሮም ይበልዕዎ። ናብ የሆዋ ኣይምህለሉን።  5  ግናኸ፡ የሆዋ ምስ ወለዶ ጻድቕ እዩ እሞ፡ብዓብዪ ሽበራ ኺምልኡ እዮም።+  6  ኣቱም ገበርቲ ኽፉእ፡ ንውጥናት ትሑት ከተፍሽሉ ትፍትኑ፡የሆዋ ግና ዕቝባኡ እዩ።+  7  ኣየ፡ ድሕነት እስራኤል ካብ ጽዮን እንተ ዚመጽእ!+ የሆዋ ንምሩኻት ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፡ያእቆብ ይተሓጐስ፡ እስራኤል እውን ባህ ይበሎ።

እግረ ጽሑፍ