መዝሙር 21:1-13
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
21 ኦ የሆዋ፡ ንጉስ ብብርታዐኻ ይሕጐስ፣+ብግብርታት ድሕነትካስ ክንደይ ኰን እዩ ኣዝዩ ዚሕጐስ!+
2 ትምኒት ልቡ ሂብካዮ፣+ልማኖ ኸናፍሩ እውን ኣይከላእካዮን። (ሴላ)
3 ከመይሲ፡ ብብዙሕ በረኸት ተቐቢልካዮ፣ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፊእካሉ።+
4 ህይወት ለሚኑካስ፡ነዊሕ ዕድመ* ንዘለኣለመ ኣለም ሂብካዮ።+
5 ግብርታት ድሕነትካ ዓብዪ ኽብሪ የምጽኣሉ።+
ክብርን ግርማን ትዕድሎ።
6 ንዘለኣለም እተባረኸ ትገብሮ፣+ኣብ ቅድሜኻ* ብምግባርካ ብሓጐስ ተደስቶ።+
7 ንጉስሲ ብየሆዋ ይእመን* እዩ፣+እቲ ልዑል ብተኣማንነት ስለ ዜፍቅሮ፡ ከቶ ኣይናወጽን።*+
8 ኢድካ ንዅሎም ጸላእትኻ ኽትረኽቦም፡የማነይትኻ ድማ ንዚጸልኡኻ ኽትረኽቦም እያ።
9 ምስ ኣቕለብካሎም፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኸም እቶን ሓዊ ኽትገብሮም ኢኻ።
የሆዋ ብቝጥዓኡ ኺውሕጦም፡ ሓዊ ኸኣ ኪበልዖም እዩ።+
10 ንፍሪኦም ካብ ምድሪ፡ንዘርኦም እውን ካብ ደቂ ሰብ ከተጥፍእ ኢኻ።
11 ንሳቶምሲ ኽፉእ ሓሊኖምልካ፣+ዘይሰልጥ ተንኰል ድማ ሓሲቦም።+
12 ቀስትኻ* ናባታቶም* ብምቕናዕ፡ከም ዜንሳሕቡ ኽትገብሮም ኢኻ።+
13 ኦ የሆዋ፡ ብብርታዐኻ ተንስእ።
ንሓይልኻ ውዳሰ ኽንዝምር* ኢና።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ገጽካ።”
^ ወይ፡ “ይውከል።”
^ ወይ፡ “ሰንከልከል ኣይብልን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣውታር ቀስትኻ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ናብ ገጾም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኽንዝምርን ከነዝይምን።”