መዝሙር 3:1-8

  • ኣብ ሓደጋ እኳ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ምሕዳር

    • “ስለምንታይ ተጻረርተይ በዚሖም፧” (1)

    • “ድሕነት ናይ የሆዋ እዩ” (8)

ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ኪሃድም ከሎ ዝዘመሮ መዝሙር።+ 3  ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ተጻረርተይ በዚሖም፧+ ስለምንታይከ ብዙሓት ኣንጻረይ ይትንስኡ ኣለዉ፧+  2  ብዙሓት ብዛዕባይ፡*“ኣምላኽ ኣይኬድሕኖን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።+ (ሴላ)*  3  ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣+ክብረይን+ ንርእሰይ ልዕል እተብላን ኢኻ።+  4  ዓው ኢለ ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ፣ንሱ ድማ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኺምልሰለይ እዩ።+ (ሴላ)  5  በጥ ክብልን ክድቅስን እየ፣የሆዋ ይድግፈኒ እዩ እሞ፡ብደሓን ክነቅሕ እየ።+  6  ነቶም ብዙርያይ ዚስርዑ ኣእላፋትኣይፈርሆምን እየ።+  7  ኦ የሆዋ፡ ተንስእ! ኦ ኣምላኸይ፡ ኣድሕነኒ!+ ንስኻስ ንዅሎም ጸላእተይ ምንጋጋኦም ትወቕዖም፡ኣስናን እኩያት እውን ትሰብር ኢኻ።+  8  ድሕነት ናይ የሆዋ እዩ።+ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ እዩ። (ሴላ)

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብዛዕባ ነፍሰይ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።