መዝሙር 39:1-13
ንኣላዪ፣ ናይ የዱቱን።*+ ናይ ዳዊት መዝሙር።
39 “ብልሳነይ ምእንቲ ኸይሓጥእ፡ንስጕምተይ ክሕሉ እየ።+
እኩይ ኣብ ቅድመይ ክሳዕ ዘሎ፡ንኣፈይ ብልጓም ክሕሉ እየ” ኢለ ነይረ።+
2 ዓባስ ኰይነ፡ ስቕ ድማ ኢለ፣+ብዛዕባ ጽቡቕ እኳ ኣጽቂጠ፣ስቓየይ ግና በርቲዑ።*
3 ልበይ ኣብ ውሽጠይ ፈኸም ኢሉ።*
ከስተንትን* ከለኹ፡ ሓዊ ይነድድ ኣሎ።
ልሳነይ ከኣ ተዛሪቡ፦
4 “ኦ የሆዋ፡ ህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ከም ዝዀነት* ክፈልጥሲ፡መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን+እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍልጠኒ።
5 እንሆ፡ ንመዓልትታተይ ሒደት* ጌርካየን፣+ንውሓት ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ገለ እኳ ኣይኰናን።+
ብርግጽ ኵሉ ሰብ ጸኒዑ ዝቘመ እኳ እንተ መሰለ፡ ትንፋስ ጥራይ እምበር ገለ እኳ ኣይኰነን።+ (ሴላ)
6 ብርግጽ ኵሉ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ።
ንኸንቱ ሃለኽለኽ ይብል።*
መን ከም ዚጥቀመሉ ኸይፈለጠ፡ ሃብቲ ይድልብ።+
7 ኦ የሆዋ፡ እንታይ ደኣ ተስፋ ኽገብር እየ፧
ንስኻ ጥራይ ኢኻ ተስፋይ።
8 ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣድሕነኒ።+
መላገጺ ዓሻ ኣይትግበረኒ።
9 ዓባስ ኰይነ፣እዚ ስለ ዝገበርካ ኸኣ፡+ኣፈይ ክኸፍት ኣይከኣልኩን።+
10 መዓትካ ኻባይ ኣርሕቕ።
ኢድካ ትወቕዓኒ ስለ ዘላ፡ ደኺመ።
11 ስለ ስሕተቱ ንሰብ ብመቕጻዕቲ ትእርሞ፣+ነቲ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነገራት ከም ብልዒ* ትበልዖ።
ብርግጽ ኵሉ ሰብ ትንፋስ ጥራይ እዩ።+ (ሴላ)
12 ኣነ ንዓኻ ጓና፡+ከም ኵሎም ኣቦታተይ ድማ ዚሓልፍ ተጓዓዚ* እየ እሞ፡+ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ናብ ኣውያተይ ድማ ጽን በል።+
ንንብዓተይ ዕሽሽ ኣይትበሎ።
13 ቅድሚ ምሕላፈይን ምጥፋአይንምእንቲ ኽሕጐስሲ፡ ብቝጥዓ ኣይትጠምተኒ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ተላዒሉኒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ረሲኑ።”
^ ወይ፡ “እህህ ክብል።”
^ ወይ፡ “ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ስፍሓት ኢድ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ይርብሽ።”
^ ግዝዋ ኣኽናፍ ቅድሚ ምውጻኡ፡ ክዳን ኣብ ዚበልዓሉ ደረጃ።
^ ወይ፡ “ሰፋሪ።”