መዝሙር 63:1-11
ኣብ በረኻ ይሁዳ ኸሎ፡ ዳዊት ዝዘመሮ መዝሙር።+
63 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ እደልየካ ኣለኹ።+
ንዓኻ ኽረክብ ሃረር እብል ኣለኹ።*+
ማይ ኣብ ዘይብሉ ደረቕን ምድሪ ኣጻምእንብናፍቖትካ ደኺመ ኣለኹ።*+
2 ስለዚ፡ ኣብ መቕደስ ጠሚተካ፡ብርታዐኻን ክብርኻን ድማ ርእየ።+
3 ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኻብ ህይወት ስለ ዚበልጽ፡+ከናፍረይ ኬሞግሳኻ እየን።+
4 ስለዚ፡ ምሉእ ህይወተይ ክውድሰካ እየ፣ብስምካ ኣእዳወይ ከልዕል እየ።
5 ብብሉጽን ብሕሩይን ግደ* ዓጊበ እየ* እሞ፡ኣፈይ ብእልልታ ኸናፍረይ ኪውድሰካ እዩ።+
6 ኣብ ዓራተይ ኰይነ እዝክረካ፡ብግዜ ሓለዋታት ለይቲ ኸኣ ብዛዕባኻ አስተንትን እየ።+
7 ንስኻስ ረዳእየይ ኢኻ፣+ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ድማ እልል እብል እየ።+
8 ናባኻ እለግብ እየ፣*የማነይቲ ኢድካ ኣጽኒዓ ትሕዘኒ።+
9 እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ* ዚደልዩ ግና፡ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኺወርዱ እዮም።
10 ናብ ሓይሊ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም።
ቀለብ ወኻሩ* ኪዀኑ እዮም።
11 ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስ እዩ።
ኣፍ እቶም ሓሶት ዚዛረቡ ኺዕበስ እዩ እሞ፡ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ዅሉ ኺፍሳህ* እዩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ንዓኻ ትጸምእ ኣላ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ስጋይ ብናፍቖትካ ደኺሙ ኣሎ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ዓጊባ እያ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ከም ብስብሕን ብህጥራንን።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ናባኻ ትለግብ እያ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ፣ ኪቐትሉኒ።”
^ ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
^ ወይ፡ “ኺምካሕ።”