መዝሙር 82:1-8

  • ቅኑዕ ፍርዲ ንምርካብ ዝቐረበ ጻውዒት

    • ኣምላኽ ኣብ መንጎ “ኣማልኽቲ” ይፈርድ (1)

    • “ንትሑትን ንዘኽታምን ተጣበቑሎም” (3)

    • “ኣማልኽቲ ኢኹም” (6)

ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ 82  ኣምላኽ ኣብ መለኮታዊ ኣኼባ* ይቐውም፣+ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ* ኸምዚ ኢሉ ይፈርድ፦+  2  “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ብዓመጻ እትፈርዱ፡+ንእኩያትሲ እተዳልዉ፧+ (ሴላ)  3  ንትሑትን ንዘኽታምን* ተጣበቑሎም።*+ ንረዳኢ ኣልቦን ንነዳይን ፍትሒ ኣውጽኡሎም።+  4  ንትሑትን ንድኻን ኣናግፍዎም፣ካብ ኢድ እኩያት ኣድሕንዎም።”  5  ኣይፈልጡን፡ ኣይርድኡን እውን እዮም፣+ኣብ ጸልማት ይመላለሱ ኣለዉ፣ኵሉ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ ኣሎ።+  6  “ኣነ፡ ‘ኣማልኽቲ* ኢኹም፣+ኵላትኩም ደቂ እቲ ልዑል ኢኹም።  7  ግናኸ፡ ከም ሰብ ክትሞቱ፡+ከም ዝዀነ መስፍን እውን ክትወድቁ ኢኹም’ ኢለ።”+  8  ኦ ኣምላኽ፡ ኵሎም ኣህዛብ ናትካ እዮም እሞ፡ተንስእ፡ ንምድሪ ፍረዳ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ኣኼባ እቲ መለኮት (ኣምላኽ)።”
ወይ፡ “ከም ኣምላኽ ዝበሉ።”
ወይ፡ “ፍረዱሎም።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉን።”
ወይ፡ “ከም ኣምላኽ ዝበልኩም።”