መዝሙር 91:1-16

  • ኣብ ስቱር ቦታ ኣምላኽ ዚርከብ ዕቝባ

    • ካብ ኣፈንጣሪ ዑፍ ኬናግፈካ እዩ (3)

    • ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኣምላኽ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ (4)

    • ኣሽሓት እኳ እንተ ወደቑ፡ ደሓን ክትረክብ ኢኻ (7)

    • ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ (11)

91  ኣብ ስቱር ቦታ እቲ ልዑል ዚቕመጥ፡+ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይሓድር።+  2  ንየሆዋ፡ “መዕቈብየይን ዕርደይን+ዝውከሎ ኣምላኸይን ኢኻ” ኽብሎ እየ።+  3  ንሱስ ካብ መጻወድያ ኣፈንጣሪ ዑፍ፡ካብ ዜጥፍእ ለበዳ ኼናግፈካ እዩ።  4  ብመንገብገቡ ኺጋርደካ፡ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ።+ ተኣማንነቱ+ ኸም ዓብዪ ዋልታን+ ዕርድን እዩ።  5  ሽበራታት ለይቲ ዀነ፡+ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ ኣይክትፈርህን ኢኻ።+  6  ብድነ ዚቃጾ ለበዳ ዀነ፡ብቐትሪ ዜጽንት ጥፍኣት ኣይክትፈርህን ኢኻ።  7  ኣብ ጐድንኻ ሽሕ፡ኣብ የማንካ እውን ዓሰርተ ሽሕ ኪወድቁ እዮም፣ናባኻ ግና ኣይኪቐርብን እዩ።+  8  ብኣዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፡መቕጻዕቲ* እኩያት እውን ክትርኢ ኢኻ።  9  “የሆዋ መዕቈብየይ እዩ” ስለ ዝበልካ፡ነቲ ልዑል መንበሪኻ* ጌርካዮ ኢኻ፣+ 10  ጥፍኣት ኣይኪረኽበካን እዩ፣+መዓት እውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። 11  ብዅሉ መገድታትካ ኺሕልዉኻስ፡+ንመላእኽቱ+ ኺእዝዘልካ እዩ። 12  እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡+ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።+ 13  ኣብ ልዕሊ ዘይባጽሐ ኣንበሳን መንደላይ ተመንን ክትከይድ፡ሽደን ኣንበሳን ዓብዪ ተመንን ድማ ክትረግጽ ኢኻ።+ 14  ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ፦ “ስለ ዚፈትወኒ፡* ከናግፎ እየ።+ ስመይ ስለ ዚፈልጥ፡* ከዕቍቦ እየ።+ 15  ኪጽውዓኒ፡ ኣነ እውን ክምልሰሉ፡+ብግዜ ጭንቂ ምስኡ ክኸውን፡+ከናግፎን ከኽብሮን እየ። 16  ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡+ግብርታት ድሕነተይ* ከኣ ከርእዮ እየ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መስጣ።”
ወይ፡ “ዕርድኻ፡ መዕቈቢኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ዝለገበኒ።”
ወይ፡ “ንስመይ ስለ ዚእመነሉ።”
ወይ፡ “ኣነ ዝገብሮ ድሕነት።”