ሚክያስ 2:1-13

  • ጨቈንቲ ወይለኦም! (1-11)

  • እስራኤል ብሓደ ኺእከብ እዩ (12, 13)

    • ኣብታ ምድሪ ጫውጫውታ ህዝቢ ኪኸውን እዩ (12)

2  “እቶም ጕድኣት ዚሓስቡ፡ኣብ ዓራቶም እከይ ዚኣልሙ፡ ወይለኦም! ኣብ ኢዶም ሓይሊ ኣሎ እሞ፡ንግሆ ምስ በርሀ፡ ይገብርዎ።+  2  ግራውቲ ይምነዩ፡ ይምንዝዕዎ ኸኣ፣+ኣባይቲ እውን ይምነዩ፡ ይወስድዎ ድማ፣ንሰብኣይ ዓሚጾም ቤቱ የግድፍዎ፣+ንሰብ እውን ርስቱ የሕድግዎ።  3  ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ኣንጻር እዚ ዓሌት እዚ ዘይተምልጡሉ*+ መዓት ምሂዘ ኣለኹ።+ ግዜ መዓት እዩ እሞ፡+ ደጊም ብትዕቢት ኣይክትመላለሱን ኢኹም።+  4  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዛዕባኹም ኪምስሉ፡ኣምሪሮም እውን ኬልቅሱልኩም እዮም።+ “ጠሪስና ጠፊእና ኢና!+ ግደ ህዝበይ ለዊጥዎ፡—ከመይ ገይሩ ዀን እዩ ዘሕደገኒ!+ ግራውትና ድማ ንዘይእሙን ዓዲልዎ” ኺብሉ እዮም።  5  ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ነታ ምድሪ ብዕጫ ንምዕዳልሲ፡ገመድ መለክዒ ዚዝርግሕ ኣይኪህልወካን እዩ።  6  “ኣይትስበኹ! እዚ ነገራት እዚ ኺሰብኩ የብሎምን፣ውርደት ኣይኬርክበናን እዩ!” ኢሎም ይሰብኩ።  7  ኣታ ቤት ያእቆብ፡ ከምዚዶ ይብሃል ኣሎ፦ “መንፈስ የሆዋዶ ዓቕሊ ዘይብሉ ዀይኑ እዩ፧ እዝስ ግብርታቱ ድዩ፧” ቃላተይ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ጽቡቕ ደይኰነን ዜምጽኣሎም፧  8  ኣብ ቀረባ ግዜ ግና ህዝበይ ከም ጸላኢ ተንሲኡ ኣሎ። ካብቶም ካብ ውግእ ከም ዚምለሱ ዀይኖም ብምትእምማን ዚሓልፉስ፡ክቡር ስልማት ምስ* ክዳን ብግህዶ ትቕንጥጡ።  9  ንኣንስቲ ህዝበይ ካብቲ ደስ ዜብል ኣባይተን ትሰጕጉወን፣ካብ ደቀን ግርማይ ንዘለኣለም ትወስዱ። 10  እዚ ቦታ ዕረፍቲ ኣይኰነን እሞ፡ ተንስኡ፡ ኪዱ። ብሰሪ ርኽሰት፡+ ጥፍኣት፡ ብርቱዕ ጥፍኣት ኣሎ።+ 11  ሰብ ደድሕሪ ንፋስን ምትላልን እንተ ተመላሊሱ፡“ብዛዕባ ወይንን ኣልኮላዊ መስተን ክሰብከልካ እየ” ኢሉ ድማ ሓሶት እንተ ተዛሪቡ፡ነዚ ህዝቢ እዚ ዚኸውን ሰባኺ ንሱ እዩ!+ 12  ኣታ ያእቆብ፡ ንዅልኻ ብርግጽ ክእክበካ፡ንዝተረፉ እስራኤል እውን ብርግጽ ክእክቦም እየ።+ ከም ኣባጊዕ ኣብ ደምበ፡ከም መጓሰ ኣብ መጓሰዪ፡ ብሓደ ኽገብሮም እየ፣+ኣብኡ ጫውጫውታ ህዝቢ ኪኸውን እዩ።’+ 13  እቲ ዚፍንጥስ ኣብ ቅድሚኦም ኪኸይድ እዩ፣ንሳቶም ኪፍንጥሱን በታ ኣፍ ደገ ኺሓልፉን ብእኣ ኺወጹን እዮም።+ ንጉሶም ቀቅድሚኦም ኪሓልፍ፡የሆዋ እውን ኪመርሖም* እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኽሳድኩም ዘይተርሕቑሉ።”
ወይ፡ “ካብ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ርእሶም ኪኸውን።”