ምሳሌ 29:1-27

  • ስዲ ውሉድ የሕፍር (15)

  • ብዘይ ራእይ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ (18)

  • ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል (22)

  • ትሑት ዝመንፈሱ፡ ክብሪ ይረክብ (23)

  • ፍርሂ ሰብ መፈንጠራ እዩ (25)

29  ድሕሪ ብዙሕ መግናሕቲ ኽሳዱ ዜትርር* ሰብ፡+ብሃንደበት ከም ዘይሓዊ ዀይኑ ይስበር።+  2  ጻድቃን እንተ በዝሑ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፣እኩይ እንተ ገዝአ ግና፡ ህዝቢ እህህ ይብል።+  3  ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+ምስ ኣመናዝር ዚቀራረብ ግና፡ ሃብቱ ይዘሩ።+  4  ንጉስ ብፍትሒ ኣብ ሃገር ርግኣት የምጽእ፣+ጉቦ ዚደሊ ሰብ ግና የጥፍኣ።  5  ንብጻዩ ዚሽሕጦ ሰብንኣእጋሩ መርበብ ይዝርግሓሉ።+  6  ንእኩይ ሰብሲ ኣበሳኡ ይፍንጥሮ፣+ጻድቕ ግና እልል ይብል፡ ይሕጐስ እውን።+  7  ጻድቕሲ ሕጋዊ መሰላት ድኻታት የተሓሳስቦ፣+እኩይ ግና እዚ ኣየተሓሳስቦን።+  8  ምኩሓት ሰባት፡ ከተማ የቃጽሉ፣+ጥበበኛታት ግና ቍጥዓ ይመልሱ።+  9  ጥበበኛ ምስ ዓሻ ምስ ዚከራኸር፡ታዕታዕን ላግጽን እምበር፡ ዕግበት ኣይረክብን።+ 10  ደም ዝጸምኡ ሰባት ንንጹህ* ይጸልእዎ፣+ህይወት* ቅኑዓት ኬጥፍኡ ድማ ይደልዩ።* 11  ዓሻ ንዅሉ ስምዒቱ* ይድርጕሖ፣+ጥበበኛ ግና ብህድኣት ይቈጻጸሮ።+ 12  ገዛኢ ኣብ ሓሶት ምስ ዜቕልብ፡ኵሎም ገላዉኡ እኩያት ይዀኑ።+ 13  ድኻ ሰብን ጭቁንን ሓደ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፣*የሆዋ ንኣዒንቲ ኽልቲኦም ብርሃን ይህበን።* 14  ንጉስ ንድኻ ብቕንዕና ምስ ዚፈርዶ፡+ዝፋኑ ወትሩ ይጸንዕ።+ 15  ሻቦጥን* መግናሕትን ጥበብ ይህብ፣+ስዲ እተሓድገ ውሉድ ግና ንኣዲኡ የሕፍራ። 16  እኩያት ምስ ዚበዝሑ፡ ኣበሳ ይበዝሕ፣ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ።+ 17  ንወድኻ ገስጾ እሞ ኼዕርፈካ፡ብዙሕ እውን ባህ ኬብለካ እዩ።*+ 18  ራእይ* ኣብ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፣+ሕጊ ዚሕልዉ ግና ሕጉሳት እዮም።+ 19  ጊልያ እንተ ተረድኦ እኳ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ብቓላት ኣይእረምን እዩ።+ 20  ተሃዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧+ ካብኡስ ንዓሻ ዝያዳ ተስፋ ኣለዎ።+ 21  ካብ ንእስነቱ ዝሓንቀቐ ጊልያ፡ደሓር ዘየመስግን ይኸውን። 22  ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል፣+ነዳሪ ድማ ብዙሕ ይእብስ።+ 23  ንሰብ ትዕቢቱ የትሕቶ፣+ትሑት ዝመንፈሱ ግና ክብሪ ይረክብ።+ 24  መሻርኽቲ ሰራቒ ንርእሱ* ይጸልኣ። ኪምስክር ጻውዒት ሰሚዑስ፡* ገለ እኳ ኣይገልጽን።+ 25  ፍርሂ ሰብ መፈንጠራ እዩ፣+ብየሆዋ ዚእመን* ግና ይዕቈብ።+ 26  ብዙሓት ኣብ ቅድሚ ገዛኢ ኪቐርቡ ይደልዩ፣*ሰብ ፍትሒ ዚረክብ ግና ካብ የሆዋ እዩ።+ 27  ዓማጺ ሰብ ኣብ ጻድቃን ፍንፉን እዩ፣+ቅኑዕ ዝመገዱ ኸኣ ኣብ እኩይ ፍንፉን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብንቕጽና ዚቕጽል።”
ወይ፡ “መንቅብ ንዘይብሉ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ቅኑዓት ግና ህይወቱ ኼዕቍብዋ ይደልዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይራኸቡ።”
ማለት፡ ህይወት ይህቦም።
ወይ፡ “ተግሳጽን፣ መቕጻዕትን።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ እውን ብዙሕ ባህ ኬብላ እዩ።”
ወይ፡ “ትንቢታዊ ራእይ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “መርገም ዜጠቓልል ማሕላ ሰሚዑስ።”
ወይ፡ “ዚውከል።”
ወይ፡ “ሞገስ ገዛኢ ይደልዩ” ኪኸውን ይኽእል። ቃ.ቃ.፡ “ገጽ ገዛኢ ይደልዩ።”