ራእይ 16:1-21

  • ሸውዓተ ጭሔሎ ቝጥዓ ኣምላኽ ፈሰሰ (1-21)

    • ናብ ምድሪ (2)፡ ናብ ባሕሪ (3)፡ ናብ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን (4-7)፡ ናብ ጸሓይ (8, 9)፡ ናብ ዝፋን እቲ ኣራዊት (10, 11)፡ ናብ ኤፍራጥስ (12-16)፡ ናብ ኣየር (17-21)

    • ኣብ ኣርማጌዶን እተገብረ ውግእ ኣምላኽ (14,16)

16  ካብታ መቕደስ+ ከኣ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፡ “ኪዱ እሞ ነቲ ሸውዓተ ጭሔሎ ቝጥዓ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ”+ ዚብሎም ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ። 2  እቲ ቐዳማይ ከይዱ፡ ጭሔሎኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ።+ ነቶም ምልክት እቲ ኣራዊት ዘለዎምን+ ንምስሉ ዝሰገዱን+ ሰባት ክፉእን ብርቱዕን ቍስሊ ወጾም።+ 3  እቲ ኻልኣይ ድማ ጭሔሎኡ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ።+ እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፣+ ኣብቲ ባሕሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ፍጡር* እውን ሞተ።+ 4  እቲ ሳልሳይ ድማ ጭሔሎኡ ናብ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ።+ ንሱ ኸኣ ደም ኰነ።+ 5  እቲ መልኣኽ ማያት ድማ ከምዚ ኺብል ከሎ ሰማዕኩ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን+ እሙን፡+ እዚ ፈሪድካ ኢኻ እሞ፡ ጻድቕ ኢኻ፣+ 6  ምኽንያቱ፡ ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም፣+ ንስኻ ኸኣ ኪሰትዩ ደም ሂብካዮም ኢኻ።+ ይግብኦም እዩ።”+ 7  እቲ መሰውኢ ድማ፡ “እወ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽ፡ ፍርድታትካ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ።+ 8  እቲ ራብዓይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፣+ ንጸሓይ እውን ንሰብ ብሓዊ ኸተሕርር ተፈቕደላ። 9  እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ሓረሩ፣ ግናኸ፡ ንስም እቲ ኣብዚ መዓታት እዚ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ጸረፍዎ እምበር፡ ኣይተነስሑን፡ ክብሪ እውን ኣይሃብዎን። 10  እቲ ሓምሻይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። መንግስቱ ኸኣ ጸልመተት፣+ ብሰሪ ስቓዮም እውን ልሳኖም ሓየኹ፣ 11  ብሰሪ እቲ ስቓዮምን ኣቝሳሎምን ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮም እውን ኣይተነስሑን። 12  እቲ ሻድሻይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ፣+ ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም ከኣ፡+ እቲ ማዩ ነጸፈ።+ 13  ካብ ኣፍ እቲ ገበልን+ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ናይ ሓሶት ነብይን ድማ ቍርዖብ ዚመስሉ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረቡ ሰለስተ ርኹሳት ዘረባታት* ኪወጹ ኸለዉ ረኣኹ። 14  እዚኣቶም ከኣ ብድራኸ ኣጋንንቲ ዚዝረቡ ዘረባታት እዮም፣ ትእምርትታት እውን ይገብሩ እዮም፣+ ናብ ውግእ+ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪእክብዎም ድማ፡+ ናብ ነገስታት ብዘላ ዓለም ይወጹ። 15  “እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣለኹ።+ ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ፡ ንሕፍረቱ እውን ከይርእይዎ፡+ እቲ ዚነቅሕን+ ክዳውንቱ ዚሕሉን ሕጉስ እዩ።” 16  ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን* ዚብሃል ቦታ ኣከብዎም።+ 17  እቲ ሻውዓይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ፡+ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ “ኰይኑ!” ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ወጸ። 18  በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን እውን ኰነ፣ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚኸውን ኣትሒዙ ኸቶ ዘይኰነ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣+ እወ፡ ኣዝዩ ሓያልን ብርቱዕን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። 19  እታ ዓባይ ከተማ+ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተጨድደት፡ ከተማታት ኣህዛብ እውን ወደቓ፣ ዓባይ ባቢሎን+ ድማ ጽዋእ ወይኒ ነድሪ ቝጥዓኡ ኺህባስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት።+ 20  ደሴት ዘበለት ከኣ ሃደመት፣ ኣኽራን እውን ኣይተረኽቡን።+ 21  ሽዑ፡ ኣስታት ሓሓደ ታለንት* ዝምኽባዱ ዓበይቲ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰባት ወረደ፣+ እቲ መዓት ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰባት ብሰሪ እቲ መዓት በረድ+ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሲ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ።”
ብግሪኽኛ ሃር ማጌዶን፣ “ከረን መጊዶ” ዚብል ትርጉም ካብ ዘለዎ ናይ እብራይስጢ መጸውዒ እተወስደ።
ታለንት ግሪኽ 20.4 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።