ኢሳይያስ 15:1-9

  • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-9)

15  ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ ብሓንቲ ለይቲ ስለ ዝዓነወት፡ኣብ ሞኣብ ዘላ ዓር+ ስቕ ክትብል እያ። ብሓንቲ ለይቲ ስለ ዝዓነወት፡ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር+ ስቕ ክትብል እያ።  2  ኪበክስ ናብታ ቤትን* ናብ ዲቦንን፡+ናብ በረኽቲ ደዪቡ። ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን+ ኣብ ልዕሊ ሜድባን+ ዋይዋይ ትብል ኣላ። ኵሉ ርእሲ ተላጽዩ እተመልጠ፡+ ኵሉ ጭሕሚ ድማ ቍሩጽ እዩ።+  3  ኣብ ጐደናታት ማቕ ተዓጢቖም ኣለዉ። ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምን ኵላቶም ዋይዋይ ይብሉ ኣለዉ፣እናበኸዩ ይወርዱ ኣለዉ።+  4  ሔስቦንን ኤልዓለን+ የእውያ ኣለዋ፣ድምጸን ክሳብ ያሃጽ+ ይስማዕ ኣሎ። ስለዚ፡ ዕጡቓት ሞኣብ ይጭርሑ ኣለዉ። ንሱ የንቀጥቅጥ ኣሎ።*  5  ልበይ ንሞኣብ የእውየላ ኣሎ። ህዱማታ ኽሳብ ጾዓርን+ ኤግላት-ሸሊሽያን+ ሃዲሞም ኣለዉ። ኣብ ዓቐበት ሉሒት ኪድይቡ ኸለዉ ይበኽዩ፡ናብ ሖሮናይም ኣብ ዚወስድ መገዲ እውን በቲ መዓት የእውዩ ኣለዉ።+  6  ማያት ኒምሪምሲ ነጺፉ፡ሳዕሪ ኸኣ ነቒጹ፣ሳዕሪ ተወዲኡ፡ ሓምላይ ዘበለ እውን ኣይተረፈን።  7  ስለዚ፡ ነቲ ኻብ መኽዘኖምን ካብ ሃብቶምን ዝተረፈ ይወስድዎ፡ስንጭሮ* ኣእዋም ዓራባ ድማ ይሳገሩ ኣለዉ።  8  እቲ ኣውያትሲ ኣብ ብዘሎ ሃገር ሞኣብ የቃልሕ ኣሎ።+ እቲ ዋይዋይታ ኽሳብ ኤግላይም ይበጽሕ፡እቲ ዋይዋይታ ኽሳብ ብኤር-ኤሊም ይበጽሕ ኣሎ።  9  ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፣ንዲሞን ከኣ ገና ተወሳኺ ነገር ኣሎኒ፦ ነቶም ዘምለጡ ናይ ሞኣብ፡ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናብታ ቤተ መቕደስን።”
ወይ፡ “ነፍሱ ተንቀጥቅጥ ኣላ።”
ወይ፡ “ርባ።”