ኢሳይያስ 23:1-18
-
ብዛዕባ ጢሮስ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-18)
23 ብዛዕባ ጢሮስ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+
ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡+ ዋይዋይ በላ!
ወደብሲ ጠፊኡ እዩ፣ ኪእቶ ኣይከኣልን እዩ።
ካብ ምድሪ ኪቲም+ ተገሊጹሎም ኣሎ።
2 ኣቱም ነበርቲ ገምገም ባሕሪ፡ ስቕ በሉ።
እቶም ባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን+ መሊኦምኺ ኣለዉ።
3 እኽሊ* ሺሖር፡*+ ምህርቲ ኒል፡ ኣታዊኣ፡መኽሰብ ኣህዛብ ኬምጽእ፡+ብልዕሊ ብዙሕ ማያት ከይዱ።
4 ኣቲ ሲዶን፡ ኣቲ ዕርዲ ባሕሪ፡ ሕፈሪ፣ባሕርስ ከምዚ ኢሉ እዩ፦
“ቅልውላው ኣይሓዘንን፡ ኣይወለድኩን ከኣ፣ኣጕባዝ ኣየዕበኹን፡ ኣዋልድ* እውን ኣየዕበኹን።”+
5 ከምቲ ወረ ግብጺ ምስ ሰምዑ ዝዀንዎ፡+በቲ ወረ ጢሮስ ኪሳቐዩ እዮም።+
6 ናብ ተርሲስ ተሳገሩ!
ኣቱም ነበርቲ ገምገም ባሕሪ፡ ዋይዋይ በሉ!
7 እታ ኻብ ቀደም፡ ካብ ጥንቲ ፍስህቲ ዝነበረት ከተማኹምሲ እዚኣ ድያ፧
ኣእጋራ ኸኣ ኣብኡ ኽትነብር ናብ ርሑቕ ሃገራት ይወስዳኣ ነይረን።
8 ኣብ ልዕሊ እታ ወሃቢት ዘውድታት ዝነበረት፡መሳፍንቲ ዝነጋዶኣ፡ኣብ ኵላ ምድሪ ዚኽበሩ ድማ ዝሸቃጦኣ ጢሮስ፡+እዚ ዝወሰነ መን እዩ፧
9 ብጽባቐኣ ዘለዋ ትምክሕቲ ኼርክስ፡ነቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚኽበሩ ድማ ኬዋርድ ኢሉ፡+የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ ወሲንዎ።
10 ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ፈለግ ኒል ኴንኪ ምድርኺ ተሳገሪ።
ደጊም መዐሸጊ መርከብ* የልቦን።+
11 ንሱ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡ንመንግስትታት ድማ ኣናዊጽዎም ኣሎ።
የሆዋ፡ ዕርድታት ፊንቄ ኺጠፍእ ኣዚዙ ኣሎ።+
12 “ኣቲ ጭቍንቲ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ሲዶን፡ደጊም ኣይክትፍስህን ኢኺ።+
ተንስኢ፡ ናብ ኪቲም ተሳገሪ።+
ኣብኡ እኳ ዕረፍቲ ኣይክትረኽብን ኢኺ” ድማ ይብል ኣሎ።
13 እንሆ፡ ምድሪ ከለዳውያን።+
እዚ ህዝቢ እዚ እዩ፡—ኣሶር+ ኣይኰነን፡—እወ፡ ንሳቶም ስፍራ ነበርቲ ምድረ በዳ ገይሮምዋ።
ግምቢ ኸበባ ኣቚሞም፣ንዓኣ ዑና ገይሮም ድማንእተዓርደ ግምብታታ ጥራዩ ገይሮምዎ።+
14 ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ዕርድኽን ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ።+
15 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጢሮስ ከም ዕድመ* ሓደ ንጉስ፡ ን70 ዓመት ክትርሳዕ እያ።+ ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት፡ ከምቲ ኣብ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሃል ክትከውን እያ፦
16 “ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆ* ውሰዲ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ።
መሰንቆኺ ጽቡቕ ጌርኪ ውቕዒ፣ምእንቲ ኺዝክሩኽስ፡ብዙሕ ደርፍታት ድረፊ።”
17 ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት፡ የሆዋ ንጢሮስ ቈላሕታ ኺገብረላ፡ ንሳ እውን ናብ ዓስባ ኽትምለስ፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ምስ ዘለዋ ዅለን መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ።
18 መኽሰባን ዓስባን ግና ንየሆዋ እተቐደሰ ኪኸውን እዩ። ዓስባ ነቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቕመጡ ስለ ዚኸውን፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚጸግቡ ምእንቲ ኺበልዑን ብሉጽ ክዳውንቲ ምእንቲ ኪኽደኑንሲ፡+ ኣይኪኽዘንን ወይ ኣይኪንበርን እዩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ዘርኢ።”
^ ማለት፡ ጨንፈር ፈለግ ኒል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ደናግል።”
^ ወይ፡ “ወደብ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
^ ወይ፡ “ክራር።”