ኢሳይያስ 27:1-13
27 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ብተሪርን ዓብይን ብርቱዕን ሰይፉ ኣቢሉ+ቈላሕታኡ ናብ ሌዋታን* እቲ ሰተተት ዚብል ተመን፡ናብ ሌዋታን እቲ ዚለዋወ ተመን ኪገብር እዩ፣ነቲ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ኸኣ ኪቐትሎ እዩ።
2 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምዚ ኢልኩም ዘምሩላ፦*
“ኣታኽልቲ ወይኒ እቲ ዚዓፍር ወይኒ!+
3 ኣነ የሆዋ እሕልዋ ኣለኹ።+
ኵሉ ግዜ ማይ አስትያ እየ።+
ሓደ እኳ ኸይጐድኣስ፡+ለይትን መዓልትን እሕልዋ እየ።
4 ቍጥዓ የብለይን።+
ብኣሻዅ ቈጥቋጥን ብጻህያይን ኣብ ውግእ ዚገጥመኒ መን እዩ፧
ክረግጾን ንዅሉ ብሓባር ብሓዊ ኸንድዶን እየ።
5 እንተ ዘይኰነስ፡ ዕርደይ ይሓዝ።
ምሳይ ሰላም ይግበር፣ሰላም ምሳይ ይግበር።”
6 በተን ዚመጻ መዓልትታት፡ ያእቆብ ሱር ኪሰድድ፡እስራኤል ድማ ኪዕምብብን ኪጥጥዕን እዩ፣+ነታ ምድሪ ኸኣ ብፍርያት ኪመልእዋ እዮም።+
7 ብመውቃዕቲ እቲ ዚወቕዖዶ ይወቓዕ፧
ብመቕተልቲ እቶም ቅቱላቱዶኸ ይቀተል፧
8 ክትሰድዳ ኸለኻ፡ ብዜሰምብድ ጭድርታ ኽትብኣሳ ኢኻ።
ብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ፡ ብብርቱዕ ሃፈጽታ ኼውጽኣ እዩ።+
9 ስለዚ፡ ስሕተት ያእቆብ በዚ ኸምዚ ብዕርቂ ኪኽደን፡+ሓጢኣቱ ምስ ኣልገሰ፡ እዚ ምሉእ ፍሪኡ ኪኸውን እዩ፦
ንዅሉ ኣእማን መሰውኢከም ዝደቐቐ እምኒ ኖራ ኺገብሮ፡ዓንዲ ኣምልኾ* ወይ መሰውኢ ዕጣን ድማ ኣይኪተርፍን እዩ።+
10 ከመይሲ፡ እታ እተዓርደት ከተማ ክትጥንጠን እያ፣እቲ መጓሰዪታት ከኣ ከም በረኻ ኪሕደግን ኪግደፍን እዩ።+
ኣብኣ ምራኽ ኪጓሰን በጥ ኪብልንጨናፍራ ኺበልዕን እዩ።+
11 ውልዶታታ ምስ ነቐጸ፡ኣንስቲ መጺአን ኪሰብራኦንሓዊ ኺኣጕዳሉን እየን።
እዚ ህዝቢ እዝስ ኣእምሮ የብሉን።+
ስለዚ እዩ ገባሪኡ ዘይምሕሮ፡ደኳኒኡ እውን ሞገስ ዘየርእዮ።+
12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኻብቲ ዚውሕዝ ፈለግ* ኽሳብ ርባ* ግብጺ+ ኺወቅዕ እዩ፣ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል ድማ፡ በብሓደ ኽትእከቡ ኢኹም።+
13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዓብዪ መለኸት ኪንፋሕ፡+ እቶም ኣብ ምድሪ ኣሶር+ ዚጠፍኡ ዘለዉን ኣብ ምድሪ ግብጺ+ ተበቲኖም ዘለዉን ኪመጹ፡ ንየሆዋ ኸኣ ኣብቲ ቕዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ኪሰግዱሉ እዮም።+