ኢሳይያስ 47:1-15
47 ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ውረዲ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ።+
ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ዝፋን ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ተቐመጢ።+
ደጊምሲ ተነቃፊትን ሕንቅቕትን ኢሎም ኣይኪጽውዑኽን እዮም።
2 መጥሓን ሓዚ እሞ ሓርጭ ጥሓኒ።
መጐልበቢኺ ቕልዒ።
ወሰን ክዳንኪ ቐንጥጢ፡ ኣእጋርኪ እውን ቅልዒ።
ኣፍላግ ተሳገሪ።
3 ዕርቃንኪ ኪቕላዕ እዩ።
ሕፍረትኪ ኺርአ እዩ።
ሕነ ኽፈዲ እየ፣+ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ መገደይ ኣይኪቐውምን እዩ።*
4 “እቲ ተበጃዊና፡—ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፡—ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”+
5 ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኪዲ፣+ደጊም እመቤት* መንግስትታት ኣይኪብሉኽን እዮም።+
6 ንህዝበይ ተቘጢዐዮ።+
ንርስተይ ፈንፊነዮ፣+ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሂበዮ።+
ንስኺ ግና ኣይምሓርክዮምን።+
ኣብ ኣረገውቲ እኳ ኸቢድ ኣርዑት ኣንቢርኪ።+
7 “ወትሩ፡ ንዘለኣለም እመቤት* ክኸውን እየ” ኢልኪ።+
ነዚ ኣብ ልብኺ ኣየሕደርክዮን፣መወዳእታ እቲ ነገር ኣይሓሰብክዮን።
8 ሕጂ ድማ፡ ኣቲ ፈታዊት ተድላ፡+ኣቲ ብደሓን እተቐመጥኪ፡ ኣቲ ብልባ፡“ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን።+
መበለት ኣይክኸውንን እየ።
ውሉዳት ከቶ ኣይክስእንን እየ” እትብሊ፡ ነዚ ስምዒ።+
9 እዚ ኽልተ ነገር ብሃንደበት፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጸኪ እዩ፦+
ስእነት ውሉድን ምብልውናን።
ብሰንኪ እቲ ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ እቲ ብርቱዕ ስራይክን፡*+መስፈሪ መሊኡ ኺመጸኪ እዩ።+
10 ብእከይኪ ተኣሚንኪ።
“ሓደ እኳ ኣይርእየንን” ኢልኪ።
ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሒቱኪ፣ብልብኺ ድማ፡ “ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን” ኢልኪ።
11 ግናኸ፡ መዓት ኪመጸኪ፡መዐዘሚኺ ኸኣ ኣይኪዓግቶን እዩ።*
መከራ ኺወርደኪ እዩ፣ ከተወግድዮ ድማ ኣይክትክእልን ኢኺ።
ኣቐዲምኪ ዘይትፈልጥዮ ሃንደበታዊ ዕንወት ኪመጸኪ እዩ።+
12 ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሉስራይን ብዙሕ ኣስማትን እስከ ቐጽሊ።+
ምናልባት ክትጥቀሚ ትኽእሊ ትዀኒ፣ምናልባት ንሰባት ተፍርሂ ትዀኒ።
13 ብብዝሒ ኣማኸርትኺ ደኺምኪ።
እቶም ንሰማያት ዜምልኹ፡* እቶም ንኸዋኽብቲ ዚጥምቱ፡+እቶም ብዛዕባ ዚመጸኪ ነገራትኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ፍልጠት ዚህቡ፡ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ።
14 እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም።
ሓዊ ኼንድዶም እዩ።
ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ፡ ርእሶም* ኬድሕኑ ኣይክእሉን እዮም።
እዝስ ንምማቝ ዚኸውን ጓህሪ፡ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ሓዊ ድማ ኣይኰነን።
15 ዓዘምትኺ ንዓኺ ኸምኡ ኪዀኑ፡እቶም ካብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሎም እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።
ነፍሲ ወከፎም በብኣንፈቶም* ኰለል ኪብሉ እዮም።
ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ንሓደ እኳ ብጽቡቕ ኣይክቕበልን እየ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንግስቲ።”
^ ወይ፡ “ንግስቲ።”
^ ወይ፡ “ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ ብርቱዕ ስራይክን እናሃለወኪ ኽነሱ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ክትዕዝምዮ ኸኣ ኣይክትክእልን ኢኺ።”
^ ወይ፡ “እቶም ንሰማያት ዚመቕሉ፣ እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነፍሶም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ነናብ ዞባኦም።”