ኢሳይያስ 55:1-13

  • ብናጻ ንምብላዕን ንምስታይን ዝቐረበ ዕድመ (1-5)

  • ንየሆዋን ነቲ ዜተኣማምን ቃሉን ድለዩ (6-13)

    • መገድታት ኣምላኽ ካብ መገድታት ሰብ ይልዕል (8, 9)

    • ቃል ኣምላኽ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ (10, 11)

55  ኣቱም ጽሙኣት ኵላትኩም፡+ ናብ ማይ ንዑ!+ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም፡ ንዑ ዓዲግኩም ብልዑ! እወ፡ ንዑ ብዘይ ገንዘብን ብዘይ ክፍሊትን ወይንን ጸባን ዓድጉ።+  2  እንጌራ ንዘይኰነ ስለምንታይ ገንዘብኩም እትኸፍሉ፧ ንዘየጽግብከ ስለምንታይ ኣታዊኹም* እተውጽኡ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ጽቡቕ ዘበለ ድማ ብልዑ፣+ናይ ሓቂ መዓዛታት ብዘለዎ ኸኣ ደስ ኪብለኩም እዩ።*+  3  እዝንኹም ኣድንኑ እሞ ናባይ ንዑ።+ ስምዑ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፣*ኣነ ኸኣ ምስቲ እሙን* ዝዀነ ንዳዊት ብተኣማንነት ዘርኣኽዎ ፍቕሪ ብምስምማዕ፡+ምሳኻትኩም ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣቱ እየ።+  4  እንሆ፡ ንኣህዛብ ምስክር፡+ንኣህዛብ መራሕን+ ኣዛዝን+ ገይረዮ እየ።  5  እንሆ፡ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፣ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽካ፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ፡—ንሱ ኬኽብረካ እዩ እሞ፡+ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኺጐዪ እዩ።  6  ንየሆዋ በቲ ዚርከበሉ ግዜ ድለይዎ።+ ቀረባ ኸሎ እውን ጸውዕዎ።+  7  እኩይ መገዱ፡ክፉእ ከኣ ሓሳቡ ይሕደግ፣+ንሱ ብዙሕ* ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡+ናብቲ ዚምሕሮ የሆዋ፡ ናብ ኣምላኽና ይመለስ።+  8  “ሓሳባተይሲ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፣+መገድታትኩም ድማ መገድታተይ ኣይኰነን” ይብል የሆዋ።  9  “ከምቲ ሰማያት ካብ ምድሪ ዚልዕልሲ፡መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ይልዕል።+ 10  ከምቲ ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ዚወርድ፡ንምድሪ ኸየጽገባ፡ ከም እተፍርን እተብቍልን ድማ ከይገበራ፡ንዘራኢ ዘርኢ ኸይሃበ፡ ንበላዒ ኸኣ እንጌራ ኸይሃበ ናብኡ ዘይምለስ፡ 11  እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃል እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ ደስ ዝበለኒ* ብርግጽ ኪዓምም፡+ኣብቲ ዝልእኮ ድማ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ እምበር፡ብዘይ ፍረ ኣይኪምለስን እዩ።+ 12  ብሓጐስሲ ኽትወጹ፡+ብሰላም ከኣ ክትምለሱ ኢኹም።+ ኣኽራንን ኵርባታትን ኣብ ቅድሜኹም ብእልልታ ኺሕጐሱ እዮም፣+ኣእዋም መሮር እውን ብኣእዳዎም ኬጣቕዑልኩም እዮም።+ 13  ኣብ ክንዲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ ኦም ጽሕዲ* ኺዓቢ፡+ኣብ ክንዲ ኣምዐ ድማ፡ ኦም ኣደስ ኪዓቢ እዩ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ስምንዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ምልክትን ኬምጽኣሉ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብጻዕሪ እተረኽበ ገንዘብኩም።”
ወይ፡ “ነፍስኹም ደስ ኪብላ እዩ።”
ወይ፡ “ነፍስኹም ብህይወት ክትነብር እያ።”
ወይ፡ “ዜተኣማምን።”
ወይ፡ “ብናጻ።”
ወይ፡ “ፍቓደይ።”
ወይ፡ “ተርሚን።”