ኢሳይያስ 57:1-21

  • ጻድቕን እሙናትን ጠፍኡ (1, 2)

  • መንፈሳዊ ምንዝርና እስራኤል ተቓልዐ (3-13)

  • ንትሑታት እተዋህበ መጸናንዒ (14-21)

    • እኩያት ከም ዚናወጽ ባሕሪ እዮም (20)

    • ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን (21)

57  ጻድቕ ጠፊኡ፣ነዚ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ ግና የልቦን። እሙናት ሰባት ይውሰዱ፣*+እቲ ጻድቕ ብሰንኪ* መዓት ከም እተወስደ ግናሓደ እኳ ኣየስተውዕልን።  2  ናብ ሰላም ይኣቱ። ኵሎም እቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ፡ ኣብ ዓራውቶም* የዕርፉ።  3  “ኣቱም ደቂ ኣስማተኛ፡ኣቱም ዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን ግና፡ንስኻትኩምሲ ናብዚ ቕረቡ፦  4  ንመን ኢኹም እተላግጹሉ፧ ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም መልሓስኩም እተውጽኡሉ፧ ንስኻትኩምሲ ደቂ ኣበሳ፡ደቂ ምትላል፡+  5  ኣብ መንጎ ዓበይቲ ኣእዋም፡+ ኣብ ትሕቲ ልሙዕ ኦም+ብፍትወት ዝረሰንኩም፡ውሉዳት ኣብ ስንጭሮታት፡*ኣብ ትሕቲ ቋቝራታት ኣኻውሕ እትሓርዱ ደይኰንኩምን፧+  6  ግደኺ ምስ ልሙጻት ኣእማን ስንጭሮ* እዩ።+ እወ፡ እዚኣቶም ዕጫኺ እዮም። ንዓታቶም እኳ መስዋእቲ መስተ ኣፍሲስክሎም፡ መባእ እውን ኣቕሪብክሎም።+ በዚዶ ኽሕጐስ* እየ፧  7  ኣብ ልዑልን በሪኽን ከረን ዓራትኪ ኣዳሊኺ፣+መስዋእቲ ኽትስውኢ እውን ናብኡ ደዪብኪ።+  8  ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ጌርኪ። ንዓይ ሓዲግኪ ተቐሊዕኪ። ደዪብኪ ዓራትኪ ኣርሒብኪ። ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቲኺ። ምሳታቶም ኣብ ዓራት ምድቃስ ፈቲኺ፣+ብልዕቶም ከኣ ጠሚትኪ።*  9  ዘይቲ ሒዝኪ፡ብዙሕ ሽቱ ሒዝኪ ናብ ሜሌክ* ወሪድኪ። ልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ልኢኽኪ፣ስለዚ፡ ናብ መቓብር* ወሪድኪ። 10  ብዙሕ መገድታትኪ ኽትስዕቢ ጽዒርኪ፣‘እዝስ ዘይከውን እዩ!’ ኣይበልክን። ሓድሽ ሓይሊ ረኺብኪ። ስለዚ ኢኺ ዘይተሓለልኪ።* 11  ክትሕስዊ ዝጀመርክስብመን ስለ እትርዕድን እትፈርህን እዩ፧+ ንዓይ ኣይዘከርክንን።+ ኣብ ልብኺ ዘሕደርክዮ ነገር እውን የልቦን።+ ስቕዶ ኣይበልኩን፡ ካብ ነገርዶኸ ኣይተኣለኹን እየ፧*+ ስለዚ፡ ኣይፈራህክንን። 12  ‘ጽድቅኽን’+ ግብርኽን+ ከፍልጥ እየ፣እዚ ድማ ኣይኪጠቕመክን እዩ።+ 13  ምስ እተእውዪ፡እቶም ዝኣከብክዮም ጣኦታትኪ ኣይኬናግፉኽን እዮም።+ ንዅላቶም ንፋስ ኪወስዶም፡ትንፋስ ጥራይ ድማ ኪጸርጎም እዩ፣እቲ ኣባይ ዚምዕቈብ ግና ነታ ምድሪ ኺወርሳ፡ነቲ ቕዱስ ከረነይ እውን ኪርስተዮ እዩ።+ 14  ‘መገዲ ኣጣጥሑ፡ ኣጣጥሑ! ጐደና ጽረጉ!+ ካብ ቅድሚ ህዝበይ መዐንቀፊ ዘበለ ኣልግሱ።’” 15  እቲ ልዑልን እቲ ኽብ ዝበለን፡እቲ ንዘለኣለም ዚነብር፡+ ስሙ ድማ ቅዱስ ዝዀነስ+ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዑልን ቅዱስን ቦታ እየ ዝነብር፣+ግናኸ፡ መንፈስ ትሑታት ንምሕዳስ፡ልቢ እተደቝሱ ኸኣ ንምሕዳስ፡ምስቶም እተደቝሱን ትሑት ዝመንፈሶምን እውን እነብር እየ።+ 16  ንዘለኣለምሲ ኣይክጻረሮምን፡ወትሩ እውን ኣይክቝጥዖምን እየ፣+ኣብ ቅድመይሲ መንፈስ ሰብ፡አረ እቶም ዝገበርክዎም ዜስተንፍሱ ፍጡራት እኳ ምደኸሙ።+ 17  ዘይግባእ ረብሓ ንምድላይ ብዝገበሮ ሓጢኣት ተቘጢዐ ነይረ፣+ስለዚ፡ ወቒዐዮ፡ ገጸይ ሓቢአ፡ ተቘጢዐ ድማ። ንሱ ግና መገዲ ልቡ እናሰዓበ ኸዳዕ ኰይኑ ተመላሊሱ።+ 18  መገድታቱ ርእየዮ እየ፣ግናኸ፡ ከሕውዮን+ ክመርሖን+ እየ፣ንዕኡን ንሕዙናቱን ከኣ መጸናንዒ ኽመልሰሎም* እየ።”+ 19  “ፍረ ኸናፍር እፈጥር ኣለኹ። ኣብ ርሑቕ ንዘሎን ኣብ ቀረባ ንዘሎን ቀጻሊ ሰላም ኪውሃብ እዩ”+ ይብል የሆዋ፡“ከሕውዮ ድማ እየ።” 20  “እኩያት ግና ከምቲ ኺሃድእ ዘይክእል ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፣ማያቱ ኸኣ ተኽሊ ባሕርን ጸብርን የውጽእ። 21  ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ካብ” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ይሞቱ።
ማለት፡ መቓብሮም።
ወይ፡ “ርባታት።”
ወይ፡ “ኽጸናናዕ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ንኣምልኾ ጣኦት ኬመልክት ይኽእል።
ወይ፡ “ንጉስ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ዘይደኸምኪ።”
ወይ፡ “ንነገርዶኸ ኣይሓባእኩን እየ፧”
ወይ፡ “ብመጸናንዒ ክኽሕሶም።”