ኢሳይያስ 61:1-11

  • ከበስሮም ተቐቢአ (1-11)

    • “ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋ” (2)

    • “ዓበይቲ ኣእዋም ጽድቂ” (3)

    • ጓኖት ኪሕግዙ እዮም (5)

    • “ካህናት የሆዋ” (6)

61  ንዓቃላት* ከበስሮም የሆዋ ስለ ዝቐብኣኒ፡+መንፈስ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እዩ።+ ስቡር ንዝልቦም ክዝንን፡ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ፡ንእሱራት ከኣ ምንቋሕ ዓይኒ ኽእውጅ ልኢኹኒ፣+  2  ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ* የሆዋንመዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡+ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡+  3  ንሕዙናት ጽዮን ድማ ከቕርበሎም፡ኣብ ክንዲ ሓምዅሽቲ፡ መጠምጠምያ፡ኣብ ክንዲ ሓዘን፡ ዘይቲ ፍስሃ፡ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂ እውን፡ ክዳን ውዳሰ ኽህቦም ልኢኹኒ። ዓበይቲ ኣእዋም ጽድቂ፡ንኽብሩ* ዚዀኑ ተኽሊ የሆዋ ኺብሃሉ እዮም።+  4  ናይ ጥንቲ ዑናታት ዳግም ኪሃንጹ፡ቀደም ዝባደመ ቦታታት ኬተንስኡ፡+እተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝባደማ+ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም።+  5  “መጻእተኛታት ደው ኢሎም ንመጓሰኹም ኪጓስዩ፡ጓኖት+ ድማ ሓረስቶትኩምን ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም።+  6  ንስኻትኩም ከኣ ካህናት የሆዋ ኽትብሃሉ ኢኹም፣+ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብሉኹም እዮም። ጥሪት ኣህዛብ ክትበልዑ፡+ብዛዕባ ኽብሮም* ድማ ክትምክሑ ኢኹም።  7  ኣብ ክንዲ ሕፍረትሲ፡ ዕጽፊ ግደ ኺህልወኩም እዩ፣ኣብ ክንዲ ውርደት ከኣ፡ ብብጽሒቶም እልል ኪብሉ እዮም። እወ፡ ኣብ ምድሮም ዕጽፊ ግደ ኺርስተዩ እዮም።+ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።+  8  ኣነ የሆዋስ ፍትሒ እፈቱ፡+ዘመተን ዓመጻን ከኣ እጸልእ እየ።+ ብተኣማንነት ዓስቦም ክህቦም፡ናይ ዘለኣለም ኪዳን ድማ ምሳታቶም ክኣቱ እየ።+  9  ዘርኦም ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡+ውሉዳቶም ከኣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኪፍለጡ እዮም። ኵሎም እቶም ዚርእይዎም ከኣ፡የሆዋ ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኬለልይዎም እዮም።”+ 10  ብየሆዋ ኣዝየ ኽፍሳህ እየ። ኵለንትናይ ብኣምላኸይ ኪሕጐስ እዩ።*+ ንሱስ ከምቲ መጠምጠምያ ኻህን ዚገብር መርዓዊ፡+ከምታ ብስልማታ እተሰለመት መርዓት፡ብኽዳውንቲ ድሕነት ከዲኑኒ፡+ወለል ብዚብል ክዳን ጽድቂ እውን ኣጐናጺፉኒ ኣሎ። 11  ከምቲ ምድሪ ብቋል እተውጽእ፡ከምቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እውን ኣብኡ እተዘርአ ዜብቍልሲ፡ከምኡ ድማ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ጽድቅን+ ውዳሰን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ ኬብቍል እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንትሑታት።”
ወይ፡ “ሞገስ።”
ወይ፡ “ንጽባቐኡ።”
ወይ፡ “ሃብቶም።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብኣምላኸይ ክትሕጐስ እያ።”