እያሱ 13:1-33

  • ገና ዘይተታሕዘ ኽፋል እታ ምድሪ (1-7)

  • ምምቕቓል እታ ብምብራቕ ዮርዳኖስ እትርከብ ምድሪ (8-14)

  • ርስቲ ሮቤል (15-23)

  • ርስቲ ጋድ (24-28)

  • ብምብራቕ ዚርከብ ርስቲ ምናሴ (29-32)

  • የሆዋ ርስቲ ሌዋውያን እዩ (33)

13  እያሱ ድማ ኣሪጉን ብዕድመ ደፊኡን ነበረ።+ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ኣሪግካን ብዕድመ ደፊእካን ኢኻ፣ ግናኸ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ኽፋል እታ ምድሪ ኸይተረስተየ* ተሪፉ ኣሎ። 2  እታ ዝተረፈት ምድሪ እዚኣ እያ፦+ ኵሉ ዞባታት ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ጌሹራውያንን፡+ 3  (ካብቲ ኣብ ምብራቕ* ግብጺ ዘሎ ጨንፈር ኒል፡* ንሰሜን ክሳብ እቲ ምስ ሃገር ከነኣን ዚቝጸር ዝነበረ ዶብ ዔቅሮን፡)+ እንተላይ እቲ ናይቶም ሓሙሽተ ጐይተት ፍልስጥኤማውያን፡+—ማለት ጋዛውያንን ኣሽዶዳውያንን+ ኣሽቀሎናውያንን+ ጊታውያንን+ ዔቅሮናውያንን፣+ እቲ ናይ ዓዊም+ 4  ንደቡብ፣ ኵላ ምድሪ ከነኣናውያን፣ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያን+ ክሳብ ኣፌቅ፡ ክሳብ ዶብ ኣሞራውያን፣ 5  ምድሪ ጌባላውያንን+ ኵሉ ናይ ሊባኖስን ንምብራቕ፡ ካብታ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘላ በዓል-ጋድ ክሳብ ለቦ-ሓማት፣*+ 6  ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ+ ክሳብ ሚስረፎት-ማይም+ ዚነብሩ ዅሎም ነበርቲ፣ ኵሎም ሲዶናውያን።+ ኣነ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ክሰጕጎም* እየ።+ ጥራይ ንስኻ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ንእስራኤል ርስቲ ኽትከውን መድባ።+ 7  ሕጂ ድማ ነዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓተ ነገዳትን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ኽትከውን ምቐላ።”+ 8  እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ነገድን ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝሃቦም፡ እቲ ሙሴ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃቦም ርስቶም ወሰዱ፦+ 9  ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን+ ዘላ ዓሮዔር፡+ ኣብ ማእከል እቲ ስንጭሮ ዘላ ኸተማ ድማ፡ ኵሉ ኸበሳ ሜድባ እውን ክሳብ ዲቦን፣ 10  ኵለን ከተማታት እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ከኣ ክሳብ ዶብ ዓሞናውያን፣+ 11  ጊልዓድን ሃገር ጌሹራውያንን ማዓካታውያንን+ ኵሉ ኸረን ሄርሞንን ኵሉ ባሳንን+ ድማ ክሳብ ሳልካ፣+ 12  ብዘላ መንግስቲ እቲ ኣብ ዓሽታሮትን ኤድረይን ዝነገሰ ዖግ ኣብ ባሳን። (ንሱ ሓደ ኻብቶም ተረፍ ረፋይም ነበረ።)+ ሙሴ ድማ ስዒሩ ሰጐጎም።*+ 13  እስራኤላውያን ግና ንጌሹራውያንን ንማዓካታውያንን ኣይሰጐጕዎምን፣*+ ጌሹርን ማዓካትንሲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ማእከል እስራኤል ይነብሩ ኣለዉ። 14  ንነገድ ሌዊ ጥራይ ርስቲ ኣይሃቦምን።+ ከምቲ ዘተስፈዎም፡ እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ርስቶም ኰነ።+ 15  ሙሴ ኸኣ ንነገድ ሮቤላውያን በብዓሌቶም ርስቲ ሃቦም፣ 16  ሃገሮም ድማ ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ እታ ኣብ ማእከል ስንጭሮ ዘላ ኸተማ ኸኣ፡ ኵሉ ኸበሳ ጥቓ ሜድባ፣ 17  ሔስቦንን ኵለን እተን ኣብ ከበሳ ዘለዋ ኸተማታትን፡+ ዲቦንን ባሞት-በዓልን ቤት-በዓል-ሜዖንን+ 18  ያሃጽን+ ቀደሞትን+ ሜፋዓትን+ 19  ቂርያታዪምን ሲብማን+ እታ ኣብ ከረን እቲ ስንጭሮ* ዘላ ጸሬት-ሻሓርን 20  ቤት-ጴዖርን ቍልቍለት ጲስጋን+ ቤት-የሺሞትን+ 21  ኵለን ከተማታት ከበሳን ኵላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ነበረት።+ ሙሴ ኸኣ ንዕኡን ነቶም ኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን+ ዚብሃሉ ሚድያናውያን ሹማምንትን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ንዝነበሩ መሳፍንቲ* ሲሆንን ሰዓሮም።+ 22  በላዓም+ ወዲ ቤዖር እቲ ጠንቋሊ ድማ፡+ ሓደ ኻብቶም እስራኤላውያን ምስቶም ቅቱላት ዝቐተልዎ ነበረ። 23  ዶብ ሮቤላውያን ከኣ ዮርዳኖስ ነበረ፣ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ምስተን ከተማታትን ሰፈራተንን፡ ርስቲ ሮቤላውያን በብዓሌቶም ነበረት። 24  ሙሴ ኸኣ ንነገድ ጋድ፡ ንጋዳውያን በብዓሌቶም ርስቲ ሃቦም፣ 25  ሃገሮም ድማ ያዕዜርን+ ኵለን ከተማታት ጊልዓድን ፍርቂ ምድሪ ዓሞናውያን+ ክሳብ እታ ኣብ መንጽር ራባ+ ዘላ ዓሮዔርን፣ 26  ካብ ሔስቦን+ ከኣ ክሳብ ራማት-ሚጽጴን በጦኒምን፡ ካብ ማሓናዪም+ ድማ ክሳብ ዶብ ደቢር፣ 27  ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ* ቤት-ሃራምን ቤት-ኒምራን+ ሱኮትን+ ጻፎንን ዝተረፈ መንግስቲ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን ነበረት፣+ እቲ ዶብ ከኣ ዮርዳኖስ ክሳብ ወሰን ባሕሪ ኪነረት*+ ኰይኑ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ነበረ። 28  ርስቲ ጋዳውያን በብዓሌቶም፡ ምስተን ከተማታትን ሰፈራተንን እዚ ነበረ። 29  ሙሴ ድማ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ ማለት ንፍርቂ ነገድ ምናሴ በብዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።+ 30  ሃገሮም ከኣ ካብ ማሓናዪም+ ኣትሒዛ፡ ኵላ ባሳንን ኵላ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳንን ኵለን ኣብ ባሳን ዘለዋ ዓድታት ድንኳናት ያኢርን፡+ 60 ኸተማ፡ ነበረት። 31  ፍርቂ ጊልዓድ ድማ ዓሽታሮትን ኤድረይን፡+ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ንደቂ ማኪር+ ወዲ ምናሴ፡ ንፍርቂ ደቂ ማኪር በብዓሌቶም ኰነ። 32  እተን ሙሴ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብምብራቕ ያሪኮ ዝሃቦም ርስቲ እዚኣተን እየን።+ 33  ንነገድ ሌዊ ግና፡ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን።+ ከምቲ ዘተስፈዎም፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እዩ ርስቶም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኸይተታሕዘ።”
ወይ፡ “ሺሖር።”
ቃ.ቃ.፡ “መንጽር።”
ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”
ወይ፡ “ከልቅቖም።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ኣልቀቖም።”
ወይ፡ “ኣየልቀቕዎምን።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ማለት፡ ንሲሆን ዚግዝእዎ ነገስታት።
ማለት፡ ቀላይ ጌንሳሬጥ፡ ወይ ባሕሪ ገሊላ።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”