እያሱ 4:1-24

  • መዘከርታ ዚኸውን ኣእማን (1-24)

4  ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ የሆዋ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ 2  “ካብ ህዝቢ 12 ሰብኡት፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ውሰዱ፣+ 3  ‘ካብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር እቶም ካህናት ከይተንቀሳቐሳ ዝቘማላ ቦታ 12 እምኒ ኣልዕሉ፡+ ምሳኻትኩም ወሲድኩም ከኣ ኣብታ እትሓድሩላ ቦታ ኣንብርዎ’ ኢልኩም ድማ ኣዝዝዎም።”+ 4  እያሱ ኸኣ ካብ እስራኤላውያን ሸይምዎም ዝነበረ 12 ሰብኡት፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ጸውዐ፣ 5  እያሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ቀቅድሚ ታቦት የሆዋ ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብቝጽሪ ነገዳት እስራኤላውያን ሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኵቡ የልዕል፣ 6  እዚ ኸኣ ኣብ መንጎኹም ምልክት ኪኸውን እዩ። ኣብ መጻኢ፡ ደቅኹም፡ ‘እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧’ ኢሎም እንተ ሓቲቶምኹም፡+ 7  ‘ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን የሆዋ ስለ ዘቋረጸ እዩ።+ ንሱ ብዮርዳኖስ ኪሳገር ከሎ፡ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ። እዚ ኣእማን እዚ ንህዝቢ እስራኤል ንሓዋሩ መዘከርታ ኪኸውን እዩ’ በልዎም።”+ 8  እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ እያሱ ዝኣዘዞም ገበሩ። ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝበሎ፡ ብቝጽሪ ነገዳት እስራኤላውያን ካብ ማእከል ዮርዳኖስ 12 እምኒ ኣልዓሉ። ናብታ ዚሓድሩላ ቦታ ወሲዶም ድማ፡ ኣብኡ ኣንበርዎ። 9  እያሱ እውን ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቘማላ ቦታ 12 እምኒ ኣቘመ፣+ እተን ኣእማን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብኣ ኣለዋ። 10  ኵሉ እቲ የሆዋ ንእያሱ፡ ነቶም ህዝቢ ኺገብርዎ ኢሉ ኺነግሮም ዝኣዘዞ ነገር፡ ከምቲ ሙሴ ንእያሱ ዝኣዘዞ ዀይኑ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ኻህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ ቈሙ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ቀልጢፎም ተሳገሩ። 11  ኵሉ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ እቲ ታቦት የሆዋን እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገሩ።+ 12  ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡+ ተሰሊፎም ቀቅድሚ እስራኤላውያን ተሳገሩ።+ 13  ኣስታት 40,000 ንውግእ እተዓጥቁ ተዋጋእቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ጐላጕል ምድረ በዳ ያሪኮ ተሳገሩ። 14  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ፣+ ከምቲ ንሙሴ ብዙሕ ዘኽበርዎ* ድማ፡ ንዕኡ እውን ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ብዙሕ ኣኽበርዎ።+ 15  የሆዋ ኸኣ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ 16  “ነቶም ታቦት+ ምስክር ዝጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ኪድይቡ ኣዝዞም።” 17  እያሱ ድማ ነቶም ካህናት፡ “ካብ ዮርዳኖስ ደይቡ” ኢሉ ኣዘዞም። 18  እቶም ታቦት ኪዳን የሆዋ ዝጾሩ ኻህናት+ ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ምስ ደየቡን ከብዲ ኣእጋር እቶም ካህናት ኣብ ንቑጽ ምድሪ ምስ ረገጻን፡ ማይ ዮርዳኖስ ከም ቀደሙ ዋሕዙ ቐጸለ፡ ገማግሙ ድማ መልአ።+ 19  እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ደዪቦም፡ ኣብ ጊልጋል፡+ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ያሪኮ ሰፈሩ። 20  እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ 12 እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቘሞ።+ 21  ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣብ መጻኢ፡ ደቅኹም ንኣቦታቶም፡ ‘እዚ ኣእማን እዚ እንታይ እዩ፧’ ኢሎም ምስ ዚሓትትዎም፡+ 22  ንደቅኹም ከምዚ በልዎም፦ ‘እስራኤል ንዮርዳኖስ ብንቑጽ ምድሪ ተሳገሮ፣+ 23  ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘንቀጾ፡ የሆዋ ኣምላኽኩም ክሳዕ ዚሳገሩ ኣብ ቅድሚኦም ንማይ ዮርዳኖስ ኣንቀጾ።+ 24  ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃና ምእንቲ ኺፈልጡ፡+ ንስኻትኩም እውን ንየሆዋ ኣምላኽኩም ወትሩ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ።’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዝፈርህዎ።”