እዮብ 38:1-41
38 ሽዑ፡ የሆዋ ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦+
2 “ንምኽረይ ዜጸልምቶ፡ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዚዛረብ እዚ መን እዩ፧+
3 በጃኻ እስከ፡ ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣ኣነ ኽሓትተካ፡ ንስኻ እውን ኣፍልጠኒ።
4 ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸለኹ፡ ኣበይ ኔርካ፧+
ክትርድኦ ትኽእል እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ።
5 ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ መን እዩ ልክዓ ዝወሰነ፧
ወይ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐ መን እዩ፧
6 እቲ መቘሚኣ ኣበይ ሰጢሙ፧
ወይ እምኒ መኣዝና ዝሰረተ መን እዩ፧+
7 ሽዑ፡ ከዋኽብቲ ጽባሕ+ ብሓደ እልል ኢሎም፡ኵሎም ደቂ ኣምላኽ*+ ድማ ብናእዳ ጨዲሮም።
8 ባሕሪ ኻብ ከርሲ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ብመዓጹ ዝዓገቶ መን እዩ፧+
9 ሽዑ፡ ኣነ ብደበናታት ኣልቢሰዮ፣ብብርቱዕ ድነ ጠቕሊለዮ፣
10 ወሰን ከኣ ኣቚመሉ፣ተገዳምን መዓጹን ድማ ገይረሉ።+
11 ‘ክሳብ ኣብዚ ምጻእ፣ ካብዚ ግና ኣይትሕለፍ፣እቲ ዅሩዕ ማዕበላትካ ኣብዚ እዩ ደው ዚብል’ ኢለዮ።+
12 ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡*ንወጋሕታ ድማ ቦታኡ ኣፍሊጥካዮዶ ትፈልጥ፧+
13 እወ፡ ንወሰናት ምድሪ ምእንቲ ኺሕዞ፡እኩያት ከኣ ካብኣ ተነጊፎም ምእንቲ ኺወጹስ፡ ከምኡዶ ጌርካ፧+
14 ንሳ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ከም ዘሎ ጭቃ ትልወጥ፣ገጻ ድማ ከም ናይ ክዳን ጐሊሑ ይርአ።
15 እኩያት ግና ብርሃኖም ይኽልኡ፣እታ እተላዕለት ቅልጽሞም ከኣ ትስበር።
16 ናብ ምንጭታት ባሕሪ ወሪድካ፡መዓሙቝ ማያት ድማ መርሚርካዶ ትፈልጥ፧+
17 ኣፍ ደገታት ሞት+ ተቐሊዑልካዶ ይፈልጥ፧
ኣፍ ደገታት ድቕድቕ ጸልማትከ* ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+
18 ንግፍሒ ምድሪኸ ተረዲእካዮዶ፧+
ነዚ ዅሉ ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ።
19 ብርሃን ኣበየናይ ኣንፈት እዩ ዚነብር፧+
ቦታ ጸልማትከ ኣበይ እዩ፧
20 ናብ ዓዱ ኽትወስዶ፡መገዲ ቤቱ ኸኣ ክትርዳእ ትኽእልዶ፧
21 ሽዑ ያኢ ተወሊድካ ስለ ዝነበርካ፡ቍጽሪ ዓመታትካ* ድማ ብዙሕ ስለ ዝዀነስ፡ ነዚ ትፈልጦ ዲኻ፧
22 ናብ ማዕከን ውርጪ ኣቲኻ፡+ማዕከን በረድከ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+
23 ንሱ ንግዜ ጭንቂ፡ንመዓልቲ ዂናትን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።+
24 ብርሃን* ካበየናይ ኣንፈት እዩ ዚዝርጋሕ፧
ንፋስ ምብራቕከ ኻበይ እዩ ኣብ ምድሪ ዚነፍስ፧+
25 ንውሒዝ መትረብ ዝሰንጠቐሉ፡ነጐዳ ንዘለዎ ደበናኸ መገዲ ዝገበረሉ መን እዩ፧+
26 በዚ ኸምዚ፡ ሰብ ኣብ ዘይነብረሉ፡ሰባት ኣብ ዘይብሉ በረኻ ይዘንም፣+
27 ንዝባደመ ምድረ በዳ የርዊ፣ሳዕሪ ድማ የብቍል።+
28 ንዝናምዶ ኣቦ ኣለዎ እዩ፧+
ወይስ ንኣውሊ ዚወልዶ መን እዩ፧+
29 በረድሲ ኻብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧
ንኣስሓይታ ሰማይ ዚወልዶኸ መን እዩ፧+
30 ብእኡ ማያት ከም ብእምኒ ይሽፈን፣ገጽ መዓሙቝ ማያት እውን ደስኪሉ ይግጎ።+
31 ንኣግማድ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኪማ* ኽትኣስሮ፡ወይ ንማእሰር ጭፍራ ኸዋኽብቲ ከሲል* ክትፈትሖዶ ትኽእል፧+
32 ንጭፍራ ኸዋኽብቲ* ብእዋኑ መሪሕካ ኸተውጽኦ፡ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ዓሽ* ምስ ደቁ ኽትመርሖዶ ትኽእል፧
33 ንሰማያት ዜመሓድር ሕግታት ትፈልጦዶ፧+
ንስልጣኑ ኣብ ምድሪ ኸተተግብሮ ትኽእልዶ፧
34 ብዙሕ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካ፡ንደበናታት ድምጽኻ ኸተልዕለሎም ትኽእልዶ፧+
35 ንበርቅታት ክትልእኮም ትኽእልዶ፧
መጺኦምከ፡ ‘እነና!’ ይብሉኻዶ፧
36 ኣብ ውሽጢ ደበናታት* ጥበብ ዘንበረ መን እዩ፧+
ወይ ንተርእዮ ሰማይ* ኣእምሮ ዝሃቦ መን እዩ፧+
37 ንደበናታት ኪቘጽሮም ጥበብ ዘለዎ መን እዩ፧
ንዓታሩ ሰማይ ዚግልብጦኸ መን እዩ፧+
38 ሽዑ፡ ሓመድ ተበጽቢጹ ይረግእ፡ደናኵል ብሓደ ይጣበቕ።
39 ንኣንበሳ፡ ግዳይ ክትሃድነሉ፡ሸውሃት ሽደናት ኣናብስከ ኸተዕግብዶ ትኽእል፧+
40 ንሳቶም ኣብ ሰፈሮም ይዅርመዩ፡ኣብ መሕብኢኦም ከኣ ኣድብዮም በጥ ይብሉ።
41 ጨቓዊት ኳዅ ናብ ኣምላኽ ኬእውዩ ኸለዉ፡ዚብላዕ ስኢኖም ኰለል ኪብሉ ኸለዉ፡ንኳዅ ምግቢ ዜዳልወሉ መን እዩ፧+
እግረ ጽሑፍ
^ ነቶም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ዜመልክት ቍንቍኛ እብራይስጢ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታትካ ንንግሆ ኣዚዝካዮ።”
^ ወይ፡ “ድነ ሞትከ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
^ ወይ፡ “በርቂ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኦርዮን ኪኸውን ይኽእል።
^ ኣብ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ቶረስ (ብዕራይ) ዚርከባ ኸዋኽብቲ ፕሊያድስ (ኰዀብ ሸውዓተ) ኪኸውን ይኽእል።
^ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ዓብዪ ድቢ (ኡርሳ ሜጀር) ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኣብ ውሽጢ ሰብ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንኣእምሮ” ኪኸውን ይኽእል።