እዮብ 41:1-34

  • ኣምላኽ ነቲ ዜደንቕ ሌዋታን ገለጾ (1-34)

41  “ንሌዋታን*+ ብመቝለብ ዓሳ ኽትሕዞ፡ወይስ ንመልሓሱ ብገመድ ክትኣስሮዶ ትኽእል፧  2  ብኣፍንጫኡ ገመድ* ከተእቱ፡ወይስ ንምንጋጋኡ ብዓንቃሪቦ* ኸተንኵሎዶ ትኽእል፧  3  ብዙሕዶ ይልምነካ እዩ፧ ወይስ ብልእመትዶ ይዛረበካ እዩ፧  4  ንሓዋሩ ባርያኻ ኽትገብሮስ፡ምሳኻዶ ኺዳን ይኣቱ እዩ፧  5  ከም ምስ ዑፍሲ ምስኡዶ ትጻወት ኢኻ፧ ወይስ ንኣዋልድካ ኪኸውን ብገመድዶ ትኣስሮ ኢኻ፧  6  ሸቃጦ ንዕኡ ብኻልእ ይልውጥዎዶ፧ ኣብ መንጎ ነጋዶኸ ይመቕልዎዶ፧  7  ንቘርበቱ ብጭማራ፡ወይስ ንርእሱ ብዂናት ዓሳ ትመልኦዶ፧+  8  እስከ ኢድካ ኣብኡ ኣንብር፣ነቲ ቓልሲ ኽትዝክሮ፡ ከቶ እውን ኣይክትደግሞን ኢኻ።  9  ንምግዛኡ እተሕድሮ ተስፋ ኸንቱ እዩ። ትርኢቱ ጥራይ እኳ የጃጅወካ።* 10  ኬለዓዕሎ ዚደፍር ሓደ እኳ የልቦን። መን ደኣ እዩ ኺቃወመኒ ዚደፍር፧+ 11  ኣነ መሊሰ ክኸፍሎስ፡ ቅድም ዝሃበኒ መን እዩ፧+ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ዘበለ ናተይ እዩ።+ 12  ብዛዕባ መሓውሩ ስቕ ኣይክብልን እየ፣ብዛዕባ ሓይሉን ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ እተሰርዐ ኣካላቱን ድማ ከምኡ። 13  ነቲ ግዳማዊ ኽዳኑ መን ይቕንጥጦ፧ ናብቲ ኽፉት ምንጋጋኡኸ መን ይኣቱ፧ 14  ንመዓጹ ኣፉ* ፈንቂቑ ኪኸፍቶ ዚኽእል መን እዩ፧ ኣስናኑ ብዙርያኡ ዜፍርህ እዩ። 15  ዝባኑ መሳርዕ ቅርፍቲ ኣለዎ፣*ብሓደ ተጠባቢቑ እተሓትመ እዩ። 16  ንሓድሕዱ ግጡም እዩ፣ብመንጎኡ ኣየር ኣይኣቱን። 17  ንሓድሕዱ እተጣበቐ እዩ፣ብሓደ እተላገበን ዘይፈላለን እዩ። 18  ካብ ኵሪፍታኡ ብርሃን ብልጭ ይብል፣ኣዒንቱ ኸኣ ከም ባና ወጋሕታ እዩ። 19  በርቅታት ካብ ኣፉ ይወጽእ፣ቍልዒ ሓዊ ድማ የምልጥ። 20  ከምቲ ኣብ እቶን ዝኣተወ ሰቲ ዀይኑ፡ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእ፣ 21  ትንፋሱ ንኸሰል የንድዶ፣ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ። 22  ኣብ ክሳዱ ዓብዪ ብርታዐ ኣሎ፣ድህለት ቀቅድሚኡ ይጐዪ። 23  እተደራረበ ስጋኡ ብሓደ ዝለገበ እዩ፣ኣብ ልዕሊኡ ብፍሲ ኸም እተገብረ ጽኑዕን ዘይንቀሳቐስን እዩ። 24  ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፣እወ፡ ከም መጥሓን ተሪር እዩ። 25  ምስ ተንስአ፡ ሓያላት እኳ ይፈርሁ፣ጨፍላሕታኡ የዐውን። 26  ዜርክቦ ሰይፊ፡ኲናት፡ ጩረ፡ ወይ ርእሲ ፍላጻ ኣየሰንፎን።+ 27  ንሓጺን ከም ሓሰር፡ንነሓሲ ድማ ከም በዅባዅ ዕንጨይቲ ይቘጽሮ። 28  ፍላጻ ኣየህድሞን፣እምኒ ወንጭፍ ከኣ ከም ሓሰር ይዀኖ። 29  ንበትሪ ኸም ሓሰር ይቘጽሮ፣ንጭዋሕዋሕታ መዝረቕ ድማ ይስሕቆ። 30  ትሕቲኡ፡ ከም በላሕቲ ኣጋልዕ እዩ፣ከም መኼዲ ኸኣ ኣብ ጭቃ በጥ ይብል።+ 31  ንመዓሙቝ ከም ቍራዕ የፍልሖ፣ንባሕሪ ድማ ከም ቍራዕ ቅብኢ ሸረኽረኽ የብሎ። 32  ኣብ መገዱ ዜብረቕርቕ ኣሰር ይሓድግ። እቲ መዓሙቝ ከኣ ሽበት ዘለዎ ይመስል። 33  ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ፡ዘይፈርህ ኰይኑ እተገብረ ፍጥረት የልቦን። 34  ንዕቡይ ዘበለ የፍጥጠሉ፣ኣብ ልዕሊ ዅሎም ግርማ ዘለዎም ኣራዊት ድማ ንጉስ እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ሓርገጽ ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ሰቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብእሾዅ።”
ወይ፡ “ይድርብየካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጹ።”
ወይ፡ “መሳርዕ ቅርፍቱ፡ ኵርዓቱ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።