ዘሁልቍ 2:1-34

  • በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ እተወደበ ሰፈር (1-34)

    • ጕጅለ ይሁዳ ብምብራቕ ሰፈረ (3-9)

    • ጕጅለ ሮቤል ብደቡብ ሰፈረ (10-16)

    • ሰፈር ሌዊ ኣብ ማእከል ኰነ (17)

    • ጕጅለ ኤፍሬም ብምዕራብ ሰፈረ (18-24)

    • ጕጅለ ዳን ብሰሜን ሰፈረ (25-31)

    • ድምር እተመዝገቡ ሰብኡት (32-34)

2  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2  “እስራኤላውያን ኣብቲ ነናቶም ጕጅለ ሰለስተ ነገድ እተመደቦ ይስፈሩ፣+ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማ* ማይ ቤቱ ይስፈር። ኣብ መንጽር ድንኳን ምርኻብ፡ ብዙርያኡ ይስፈሩ። 3  “እቶም ብምብራቕ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዚሰፍሩ፡ በብሰራዊቶም፡ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ይሁዳ ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ እዩ። 4  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 74,600 እዮም።+ 5  ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ይሳኮር ይኹን። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር እዩ። 6  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 54,400 እዮም።+ 7  ቀጺሉ ድማ ነገድ ዛብሎን እዩ። ሹም ደቂ ዛብሎን ከኣ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን እዩ። 8  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 57,400 እዮም።+ 9  “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ይሁዳ እተመዝገቡ፡ 186,400 እዮም። እዚኣቶም ቀዳማይ ይንቀሉ።+ 10  “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ሮቤል+ በብሰራዊቱ ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር እዩ። 11  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 46,500 እዮም።+ 12  ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ስምኦን እዩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ። 13  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 59,300 እዮም።+ 14  ቀጺሉ ድማ ነገድ ጋድ እዩ። ሹም ደቂ ጋድ ከኣ ኤልያሳፍ+ ወዲ ረዑኤል እዩ። 15  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 45,650 እዮም።+ 16  “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ሮቤል እተመዝገቡ፡ 151,450 እዮም። እዚኣቶም ካልኣይ ይንቀሉ።+ 17  “እቲ ድንኳን ምርኻብ ኪግዕዝ ከሎ፡+ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ ማእከል ካልኦት ሰፈራት ይኹን። “ከምቲ ኣሰፋፍራኦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ በቦታኡ ዀይኑ በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይጐዓዙ።+ 18  “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ኤፍሬም በብሰራዊቱ ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ከኣ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። 19  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 40,500 እዮም።+ 20  ኣብ ጥቓኡ ኸኣ ነገድ ምናሴ+ ይኹን። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር እዩ። 21  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 32,200 እዮም።+ 22  ቀጺሉ ድማ ነገድ ብንያም እዩ። ሹም ነገድ ብንያም ከኣ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ እዩ። 23  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 35,400 እዮም።+ 24  “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ኤፍሬም እተመዝገቡ፡ 108,100 እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ይንቀሉ።+ 25  “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ዳን በብሰራዊቱ ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ከኣ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ። 26  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 62,700 እዮም።+ 27  ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ኣሴር እዩ። ሹም ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን እዩ። 28  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 41,500 እዮም።+ 29  ቀጺሉ ድማ ነገድ ንፍታሌም እዩ። ሹም ደቂ ንፍታሌም ከኣ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን እዩ። 30  እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 53,400 እዮም።+ 31  “ኵሎም እቶም ኣብ ሰፈር ዳን እተመዝገቡ፡ 157,600 እዮም። እዚኣቶም ብጕጅለ ሰለስተ ነገድ መወዳእታ ይንቀሉ።”+ 32  እቶም ካብ እስራኤላውያን በብማይ ቤቶም እተመዝገቡ እዚኣቶም እዮም። ድምር እቶም ኣብቲ ሰፈራት ኣብ ሰራዊት እተመዝገቡ፡ 603,550 ነበረ።+ 33  ሌዋውያን ግና፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምስ ካልኦት እስራኤላውያን+ ኣይተመዝገቡን።+ 34  እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ። በዚ ኸምዚ፡ በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይሰፍሩ፡+ በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሲ ወከፎም በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ይነቕሉ ነበሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምልክት።”