ዘፍጥረት 12:1-20
12 የሆዋ ድማ ንኣብራም ከምዚ በሎ፦ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ።+
2 ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፣ ንስምካ እውን ከዕብዮ እየ፣ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።+
3 ንዚባርኹኻ ኽባርኾም፡ ንዚረግመካ እውን ክረግሞ እየ፣+ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብኣኻ ብርግጽ ኪባረኹ* እዮም።”+
4 ኣብራም ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸደ፣ ሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 75 ዓመት ነበረ።+
5 ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን+ ንሎጥ ወዲ ሓዉን+ ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን+ ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን* ወሰደ እሞ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ነቐሉ።+ ኣብ ምድሪ ከነኣን ምስ በጽሑ፡
6 ኣብራም በታ ምድሪ እቲኣ ኽሳብ እታ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ+ ዘላ ሴኬም ተጓዕዘ።+ በቲ ግዜ እቲ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ።
7 የሆዋ ድማ ንኣብራም ተራእዮ፡ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ+ ኽህቦ እየ” ኸኣ በሎ።+ ኣብኡ ድማ ነቲ እተራእዮ የሆዋ መሰውኢ ሰርሓሉ።
8 ካብኡ ናብቲ ብምብራቕ ቤት-ኤል+ ዘሎ ኣኽራን ተጓዒዙ፡ ኣብኡ ድንኳን ተኸለ እሞ፡ ቤት-ኤል ብምዕራቡ፡ ዓይ+ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፡+ ስም የሆዋ እውን ኪጽውዕ ጀመረ።+
9 ድሕርዚ፡ ኣብራም ካብቲ ዝሰፈረሉ ነቒሉ፡ ሰፈሩ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናኣግዓዘ ናብ ነጌብ ኣቢሉ ኸደ።+
10 ኣብታ ምድሪ ኸኣ ጥሜት ኰነ፣ ኣብታ ምድሪ ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፡+ ኣብራም ንግዜኡ* ኣብኣ ኪቕመጥ+ ናብ ግብጺ ወረደ።
11 ናብ ግብጺ ኺኣቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ንሰበይቱ ሳራይ፡ “በጃኺ ስምዕኒ! መልክዐኛ ሰበይቲ ምዃንኪ እፈልጥ እየ።+
12 ግብጻውያን ምስ ረኣዩኺ ድማ፡ ‘እዚኣ ሰበይቱ እያ’ ኺብሉ እዮም። ንዓይ ቀቲሎም ከኣ፡ ንዓኺ ብህይወት ኪሓድጉኺ እዮም።
13 ብሳላኺ ደሓን ምእንቲ ኽረክብ፡ ህይወተይ ከኣ ምእንቲ ኽትነሓፍሲ፡* በጃኺ ሓብቱ እየ በሊ” በላ።+
14 ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ኣዝያ መልክዐኛ ምዃና ረኣዩ።
15 መሳፍንቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ወደስዋ፣ እታ ሰበይቲ እውን ናብ ቤት ፈርኦን ተወስደት።
16 ንሱ ድማ ንኣብራም ምእንታኣ ኢሉ ጽቡቕ ገበረሉ፣ ኣባጊዕን ከብትን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣእዱግን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ከኣ ኣጥረየ።+
17 የሆዋ ኸኣ ብሰሪ ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም፡+ ንፈርኦንን ንቤተ ሰቡን ብብርቱዕ መዓት ወቕዖም።
18 ፈርኦን ድማ ንኣብራም ጸዊዑ፡ “እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ፧ ስለምንታይ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘይነገርካኒ፧
19 ስለምንታይከ፡ ‘ሓብተይ እያ’ ኢልካኒ፧+ ሰበይተይ ክትከውን ክወስዳ ኢለ ነይረ። ሕጂ ኸኣ፡ እንሃትልካ ሰበይትኻ። ሒዝካያ ኺድ!” በሎ።
20 ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ ኣዘዞም፣ ንዕኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ከኣ ይኺዱ ሓደግዎም።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “በረኸት ኪረኽቡ፡” ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።
^ ወይ፡ “ነፍሳትን።”
^ ወይ፡ “ብስደት።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ከኣ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ።”