ዘፍጥረት 19:1-38

  • መላእኽቲ ንሎጥ በጽሕዎ (1-11)

  • ሎጥን ስድራ ቤቱን ኪወጹ ተነግሮም (12-22)

  • ሶዶምን ጎሞራን ጠፍኣ (23-29)

    • ሰበይቲ ሎጥ ሓወልቲ ጨው ኰነት (26)

  • ሎጥን ኣዋልዱን (30-38)

    • መበቈል ሞኣብን ዓሞንን (37, 38)

19  ምስ መሰየ፡ እቶም ክልተ መላእኽቲ ናብ ሶዶም በጽሑ፣ ሎጥ ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ሶዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ኪቕበሎም ተንስአ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ኸኣ ሰገደ።+ 2  “ኣቱም ጐይተተይ፡ በጃኹም ናብ ቤት ጊልያኹም ኣላጊስኩም ሕደሩ፡ ኣእጋርኩም እውን ተሓጸቡ። ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱ” ድማ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባባይ ደኣ ኢና እንሓድር” በሉ። 3  ንሱ ግና ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ምስኡ ናብ ቤቱ ኸዱ። ንሱ ድማ ድግስ ደገሰሎም፡ ቅጫ ኸኣ ሰንከተ፡ ንሳቶም እውን በልዑ። 4  ቅድሚ ምድቃሶም ከኣ፡ ሰብኡት እታ ኸተማ፡ ሰብ ሶዶም፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፡ ኵላቶም ብሓደ ተኣኪቦም ነታ ቤት ከበብዋ። 5  ንሎጥ ድማ፡ “እቶም ሎሚ ለይቲ ናባኻ ዝመጹ ሰባት ኣበይ ኣለዉ፧ ምሳታቶም ጾታዊ ርክብ ክንገብርሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም” እናበሉ ጸውዕዎ።+ 6  ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍ ደገ ወጸ፣ ነቲ ማዕጾ እውን ብድሕሪኡ ዓጸዎ። 7  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ኣሕዋተየ፡ በጃኹም፡ እከይ ኣይትግበሩ። 8  በጃኹም፡ እነዋ፡ ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገበራ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ። በጃኹም፡ ንዓታተን ከውጽኣልኩም፡ ቅኑዕ ዚመስለኩም ግበርወን። ነዞም ሰብኡት እዚኦም ግና ኣብ ትሕቲ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፡ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም።”+ 9  ንሳቶም ከኣ፡ “ኣልግስ!” በልዎ። ኣስዕብ ኣቢሎም ከኣ፡ “እዚ ኣብዚ ኺነብር ዝመጸ ሓደ በይኑ ጓናስ፡ ኪፈርደና ደፊሩ! ሕጂ ኻብ ንዓታቶም ዝኸፍአ ኽንገብረካ ኢና” በሉ። ንሎጥ ከኣ ዓጐጕዎ፡* ነቲ ማዕጾ ኺሰብርዎ ድማ ቀረቡ። 10  ሽዑ፡ እቶም ሰብኡት ኣእዳዎም ዘርጊሖም፡ ንሎጥ ናባታቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፡ ነቲ ማዕጾ ኸኣ ዓጸውዎ። 11  ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ዝነበሩ ሰባት ግና፡ ካብ ንኣሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ብዑረት ወቕዕዎም እሞ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ኺረኽቡ ይደኽሙ ነበሩ። 12  እቶም ሰብኡት ድማ ንሎጥ፡ “ኣብዚ ኻልእ ሰብዶ ኣሎካ፧ ሰብኡት ኣዋልድካን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ሰብካ ዘበለ ዅሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም። 13  ከመይሲ፡ ብሰንኮም ዚእወ ኣውያት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስለ ዝበርትዐ፡+ የሆዋ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸነጥፍኣ ልኢኹና እዩ እሞ፡ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸነጥፍኣ ኢና” በልዎ። 14  ሎጥ ከኣ ወጺኡ ነቶም ንኣዋልዱ ኺምርዓውወን ኢሎም ዝነበሩ ሰብኡት ኣዋልዱ፡ “የሆዋ ነዛ ኸተማ እዚኣ ስለ ዜጥፍኣ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ!” ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ግና፡ ዚዋዘ ዘሎ መሰሎም።+ 15  ኪወግሕ ከሎ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ፡ “ብስሕተት እዛ ኸተማ እዚኣ ኸይትጠፍእሲ፡ ተንስእ፡ ሰበይትኻን ኣብዚ ምሳኻ ዘለዋ ኽልተ ኣዋልድካን ውሰድ!” ኢሎም ሃወኽዎ።+ 16  ንሱ ምስ ደንጐየ ኸኣ፡ የሆዋ ስለ ዝራሕርሓሉ፡+ እቶም ሰብኡት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ እውን ሓደግዎ።+ 17  ናብ ወሰን ምስ ኣውጽእዎም ከኣ፡ “ምእንቲ ህይወትካ* ኣምልጥ! ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡+ ኣብ ኵሉ እዚ ኸባቢ ድማ ደው ኣይትበል!+ ከይትጠፍእሲ፡ ናብ ኣኽራን ኣቢልካ ኣምልጥ” በለ። 18  ሎጥ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ፡ በጃኻ ኣብኡስ ኣይኹን! 19  ሕጂ ጊልያኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ረኺቡ ኣሎ፣ ንዓይ* ብምድሓን ከኣ ዓብዪ ለውሃት ጌርካለይ ኢኻ፣*+ መዓት ከየርክበኒ እሞ ኸይመውት ስለ ዝፈራህኩ ግና፡ በጃኻ፡ ናብ ኣኽራን ክሃድም ኣይክእልን እየ።+ 20  ሕጂ ድማ በጃኻ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ቐረባ እያ፡ ናብኣ ኽሃድም እውን እኽእል እየ፣ ንእሽቶ ኸኣ እያ። በጃኻ ናብኣዶ ኸምልጥ፧ ንእሽቶ እያ። ሽዑ ድማ እድሕን።”* 21  ንሱ ድማ፡ “ሕራይ፡ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ብዘይምግልባጥ+ እውን ክሓልየልካ እየ።+ 22  ኣብኣ ኸይበጻሕካ፡ ገለ ነገር ክገብር ስለ ዘይክእል፡ ቀልጢፍካ ናብኣ ኣምልጥ!” በሎ።+ ስለዚ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ጾዓር* ኢሉ ሰመያ።+ 23  ሎጥ ናብ ጾዓር ምስ በጽሐ፡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ጸሓይ በረቐት። 24  ሽዑ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ዲንን ሓውን ኣዝነመ፣ ካብ የሆዋ፡ ካብ ሰማያት ድማ መጸ።+ 25  ነዘን ከተማታት እዚአን፡ እወ፡ ንብዘሎ እቲ ኸባቢ፡ እንተላይ ንዅሎም ነበርቲ እተን ከተማታትን ንኣትክልቲ ምድርን ገልበጠ።+ 26  ብድሕሪኡ ዝነበረት ሰበይቲ ሎጥ ግና፡ ንድሕሪት ግልጽ በለት፣ ሓወልቲ ጨው ከኣ ኰነት።+ 27  ኣብርሃም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ናብታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኸደ።+ 28  ናብ ሶዶምን ጎሞራን ናብ ኵሉ ምድሪ እቲ ኸባብን ኣንቈልቊሉ ምስ ጠመተ፡ ጉድ ረኣየ። ካብታ ምድሪ ድማ ዒግ ዝበለ ትኪ እቶን ዚመስል ዒግታ ትኪ ኺልዓል ረኣየ።+ 29  ስለዚ፡ ኣምላኽ ነተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ኸተማታት ኬጥፍአን ከሎ፡ ካብተን ንሱ ዝገልበጠን፡ ሎጥ ከኣ ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ንሎጥ ብምውጻእ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘከሮ።+ 30  ጸኒሑ ሎጥ ኣብ ጾዓር ምቕማጥ ስለ ዝፈርሀ፡+ ምስ ክልቲአን ኣዋልዱ ኻብ ጾዓር ደዪቡ ኣብ ኣኽራን ተቐመጠ።+ ምስ ክልቲአን ኣዋልዱ ድማ ኣብ በዓቲ ተቐመጠ። 31  እታ በዅሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶ፡ “ኣቦና ኣሪጉ እዩ፣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ከም ልምዲ ዅላ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን። 32  ንዒ፡ ንኣቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ምስኡ ንደቅስ፡ ካብ ኣቦና እውን ዘርኢ ነትርፍ” በለታ። 33  በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ንኣቦአን ወይኒ ብብዝሒ ኣስተያኦ፣ ሽዑ፡ እታ በዅሪ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት፣ ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። 34  ንጽብሒቱ ድማ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶ፡ “እንሆ፡ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ። ሎሚ ለይቲ እውን ወይኒ ነስትዮ። ሽዑ፡ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ፡ ካብ ኣቦና ኸኣ ዘርኢ ነትርፍ” በለታ። 35  በታ ለይቲ እቲኣ እውን ንኣቦአን ወይኒ ብብዝሒ ኣስተያኦ፣ ሽዑ፡ እታ ንእሽቶ ኸይዳ ምስኡ ደቀሰት፣ ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። 36  ክልቲአን ኣዋልድ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦአን ጠነሳ። 37  እታ በዅሪ ድማ ወዲ ወለደት እሞ፡ ሞኣብ ኢላ ሰመየቶ።+ ንሱ ኣቦ እቶም ሎሚ ሞኣባውያን ዚብሃሉ እዩ።+ 38  እታ ንእሽቶ እውን ወዲ ወለደት እሞ፡ ቤን-ዓሚ ኢላ ሰመየቶ። ንሱ ኣቦ እቶም ሎሚ ዓሞናውያን+ ዚብሃሉ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብሓይሊ ደፍእዎ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ብተኣማንነት ኣዚኻ ኣፍቂርካኒ ኢኻ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብህይወት ትነብር።”
ትርጉሙ፡ “ንእሽቶ።”